ክልተ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ትግራይ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ሓቲተን

ኣርማ ፖለቲካው ክልተ ውድባት ትግራይ

ብሄራዊ ውድባት ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናፅነት ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ ናይ ስግግር መንግስቲ ብህፁፅ ክጣየሽ ፀዊዐን።

እተን ውድባት ብቐዳም ኣብ ዘውፅአኦ ሓባራዊ መግለፂ፡ ህወሓት" እኹል ምድላው ብዘይምግባሩ ትግራይ ኣደዳ ዘርኢ ምፅናትን ብሄራዊ ውርደትን ክትከውን ገይሩ” ብምባል ከሲሰን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም.ግ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጻ ኾይነን፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ንዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት እቲ ኲናት ህድእ ኢሉ ዝነበረ ኾይኑ፡ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ እዩ ዝብል ተሰፋ እንተነበረ'ኳ፡ ኣብ'ዚ ወርሒ ጥሪ ጥራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 108 ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቅድም ክብል ወተሃደራዊ ማእከላት ዒላማ ከምዝገብር ክገልጽ ዝጸንሐ መንግሰቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ቀረባ እዋን ክስታት ደብዳብ ነፈርቲ ዛጊድ ዝበሎ የለን።

እዘን ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ “ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ መፃብብ ንክወፅእ፣ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣዐዊቱ ንብሄራዊ ረብሓን ህላወን ህዝብን ቀዳምነት ዝህብን ንኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ዝሓቁፍን መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ክጣየሽ ንፅውዕ” ኢለን።።

"ኣብዚ እዋን፡ ፌደራሊዝም ኮነ ነቲ ስርዓት ዝሕልዉ ኩሎም ትካላት ስለዝፈረሱ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’ውን ፈሪሱ’ዩ" ዝበለ መግለፂ እዘን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድማ ዛጊድ “ገበን ዘርኢ ምፅናት ይካየድ ኣሎ” ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ 'ገበን ዘርኢ ምፅናት ተፈጺሙ' ዝብል ክሲ ኣይቕበሎን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ዝዘተየ እንትኸውን፡ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ምጥያሹ ይፍለጥ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ግና ንምምስራት ናይቲ ኮሚሽን ካልእ "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ኣለዎ ብምባል ተቓዊሞ ኣስሚዐን።

እዘን ተቓወምቲ ውድባት፡ ዕላማ ህወሓት ንስርዓት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ምእላይ ከምዝኾነን፡ እዚ ህዝቢ ትግራይ ንዝብህጎ "ሕቶ ሃገርነት ዘይውክልን ዘየንፀባርቕን’ዩ" ክብላ ከሲሰን።

ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 27 ዓመታት ዓብሊሉ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ሕዚ ናብ ማእከል ሃገር ተመሊሱ ስልጣን ናይ ምሓዝ ድሌት ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ገሊጹ እዩ። እንተኾነ ኣብ ስልጣን ዘሎ ማእከለይ መንግስቲ ፈሪሱ፡ መሰጋጋሪ መንግስቲ ክምስረት ምስ ካልኦት ብሄራዊ ውድባት ዝርርብ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝከር።

ላዕለዎት መራሕቱ ድማ፡ መፃኢ ዕጫ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ እቲ ኵናት ብህዝበ ውሳነ ከምዝውሰን ክገልፁ ፀኒሖም’ዮም።

ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ከምኡ'ውን ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ድርድር ክሳተፋ ከምዝግባእ ገሊፀን ነይረን።

እተን ውድባት ኣብ ዘውፅእኦ ሓባራዊ መግለፂ፡ ዝኾነ ዝርርብ ሰላም ንህወሓት ጥራይ ዝግደፍ ክኸውን የብሉን ኢለን።

ሰለስቲአን ውድባት ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ኣብቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደ፡ ህወሓት ዳርጋ ሚኢታዊ ዝተዓወተሉ ብፈደራላዊ መንግስቲ 'ኣፍልጦ ዝተኸልአ' መረፃ ትግራይ ተሳቲፈን ምንባረን ይዝከር።

ገለ መራሕትን ኣባላትን እተን ውድባት፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ብምስላፍ ኣንፃር ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል መሻርኽቱን ይቃለሱ ከምዘለዉ ይዝረብ።

ይኹን’ምበር፡ ህወሓት ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት ትግራይ ተጓንዮም ምህላዋን፡ ርእይቶታቶም ከምዘይስማዕን ብምግላፅ ብተደጋገሚ ክነቕፉ ፀኒሖም ኣለዉ።

እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕፅል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን፡ ናብታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ዝተጎድአት ትግራይ: ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘቋረፁ ይፍለጥ።

ኦቻ፡ "ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ፡ መዳርግቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕቶም ከቋርፁ ተገዲዶም" ኢሉ።

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ።

ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ውግእ ከምዘሎን ደብዳብ ነፈርቲ ቀፂሉ ከምዘሎን ይግለፅ።