ቅልውላው ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይሓልፍ ዝዓግቶ ዘሎ እንታይ'ዩ?

ብሰንኪ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዝቐጸለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ተመዛቢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዝቐጸለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ተመዛቢሎም

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዘሎ ይገልጽ።

መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ሓገዝ ምብጻሕ ኣይተኻእለን፤ ኣብዚ ጕዳይ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ እቲ ክልል ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ረድኤት ብነፋሪት ጥራይ እዩ ምብጻሕ ዝክኣል

ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ኣይኣትዋን።

ብሰንኪ'ዚ፡ ብትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐረበ ሓገዝ ብነፋሪት ክልኣኽ ግድን ነይሩ።

እዚ ግን፡ ኣዝዩ ክቡር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝለኣኽ ቀረብ'ውን ውሑድ እዩ።

ሓላፊት ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ [ዩኤስኤኣይዲ] ሳማንታ ፓወር፡ "ነፈርቲ፡ ብ25 ዕጽፊ ዋጋ ቃፍላይ መካይን፡ ውሑድ ጽዕነት እየን ዝሕዛ" ትብል።

ወሲኻ፡ "መኪና ምጥቃም ማለት ዝያዳ መግቢ ናብ ትግራይ ምብጻሕ ማለት'ዩ። እንተዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ መገዲ ምዕጻው ቀጺሉ ኣሎ" ክትብል ከሲሳ።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ መጋቢት፡ 100 ሜትሪክ ቶን ጥራይ ብነፋሪት ናብ መቐለ ሰብኣዊ ሓገዝ በጺሑ።

ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ህጻናት እቲ ክልል ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎም፡ ልዕሊ 115 ሽሕ ድማ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ይግለጽ።

ስድራቤታት፡ መግቢ ክረኽባሉ ዝኽእላ ኵሉ ኣማራጺታት ጸንቂቐን ይጥቀማሉ ኣለዋ።

75 ሚእታዊት ህዝቢ፡ ብህይወት ንምጽናሕ ዘኽእሎ ናይ መወዳእታ ኣማራጺታት ይጥቀም ምህላው ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

"እቲ ትሕቲ ስሩዕ ዓመታዊ ምህርቲ ኰይኑ ዝተረኽበ፡ ኣብ መኽዝን ዝጸንሐ መግቢ ይውዳእ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ሕጽረት መግቢ ክጋደድ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።"

ረድኤት ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ዝዓግቶ ዘሎ እንታይ'ዩ?

ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መዓልቲ፡ መግብን ነዳድን ዝጽዓና 100 መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ኣለወን ይብሉ።

ይዅን'ምበር ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ እቶም ኣውራ መካይን ዝሓልፋሎም መገዲታት ተዓጽዮም እዮም ዘለው።

ኣብ መዋስንቲ ቦታታት ዓፋርን ትግራይን ኲናት ይቕጽል ብምህላው፡ እቲ መስመር ሓደገኛ ኰይኑ'ሎ።

ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ደቡብን ሱዳንን ዝወስዱ መገዲታት'ውን ዕጡቓት ሚሊሻታት ስለ ዝተቘጻጸርዎም ተዓጽዮም ይርከቡ።

ትግራይ ምስ ኤርትራ ብዘዋስና ከባቢታት'ውን ዝዀነ መገዲ የለን።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ሕጹት ረድኤት የድልዮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ እንታይ ይብል?

መንግስቲ፡ ረድኤት ምሕላፍ ከም ዘይከልከለ ብምግላጽ፡ ንሓይልታት ትግራይ ይኸስስ።

ብ17 መጋቢት ካብ ሰመራ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ከም ዝተበገሳ'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ መቐለ ዝበጽሓ መካይን የለዋን።

ህወሓት ነቲ ብመንግስቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፡ ረድኤት ዘተዓናቕፍ ዘሎ ባዕሉ መንግስቲ ምዃኑ ይኸስስ።

"ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ኣብ ግዜ ግጭት ይዅን ድሕሪኡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ዝኸልከሉወን መካይን የለዋን፡" ይብል።

ሕጽረት ነዳዲ

ኣብ ርእሲ ሕጽረት ካልኦት ቀረባት፡ ጉዳይ ነዳዲ እቲ ቀንዲ እዩ።

ንኣዋርሕ መንግስቲ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ክኽልክል ጸኒሑ'ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ጸሊይዎ።

"ዋላ'ውን ቀረባት እንተረኸብና፡ ብዘይ ነዳዲ ግን ክበጽሕሉ ናብ ዝግባእ ቦታ ምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ፤ ወይ'ውን ኣይተኽኣለን፡" ክብል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቡ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀረባት መድሃኒት ከይኣትው'ውን ንኣዋርሕ ክኽልክል ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ለካቲት ግን ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቀረባት መድሃኒት ናብ ትግራይ ከብጽሕ ተፈቒድሉ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ጥዕና ንምምላእ፡ 2200 ቶን ህጹጽ ቀረባት ሕክምና ከም ዘድሊ ይግለጽ።

ክሳብ ሕጂ ግን 221 ቶን ጥራይ'ዩ በጺሑ፤ እዚ ኸኣ ካብቲ ዝድለ፡ 4 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ።