ኦፌኮ፡ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕን ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, OFC/FB
ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝልሓመ ኲናት ደው ንምባል ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ክሰጋገርን ዘይተገደበ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ ሓቲቱ።
ንኽልተ መዓልታት ጉባኤ ዘካየደ ውድብ ፖለቲካ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘድሃበ መግለጺ ቅዋም ኣውጺኡ’ሎ።
እቲ ፓርቲ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ዘሻቕሉ ጉዳያት፣ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተገበረ ፖለቲካዊ ለውጥን ብዝምልከት ከም ዝዘተየ ተፈሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝነበረ “መስርሕ ለውጢን ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር ዕድልን ተኾሊፉ’ሎ” ዝበለ ኦፌኮ፡ ናይዚ ውጽኢት ከኣ ናብ ተስፋ ምቑራጽን ኲናት ሓድሕድ ስለ ዝተበጽሐ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር “ሓደጋ ምፍራስ” ከም ዘንጸላለወ ኣመልኪቱ።
ኣብታ ሃገር ዝተፈጠሩ ጸገማት ንምፍታሕ ከኣ “ናብ መስመር ህንጸት ዴሞክራሲያዊ ሕብረ-ብሄራዊ ስርዓት ምምላስ እንኮ ኣማራጺ” ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ መግለጺኦም፡ በቲ ንምኽንያት ሞት ብዙሓት ዜጋታት ዝኾነ ኲናት ሓድሕድ ከም ዝሓዘኑ ሓቢሮም ኣለዉ።
ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ክሰጋገርን ዘይተገደበ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕን'ውን ሓቲቱ።
ዳግም ናብ ኲናት ንዘይምእታው ድማ ብቕልጡፍ ናብ ስምምዕ ክብጻሕ ጻዊዑ’ሎ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኲናት ግቡእ ቆላሕታ ከምዘይተወሃቦ ዘመልከተ እቲ መግለጺ ቅዋም፡ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ንዘሎ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣብ ኦሮሚያ’ውን ከፈጽሞ ሓቲቱ።
ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሚ [መንግስቲ ሸኔ ዝብሎ] ዘሎ ዘይምርድዳእ ብቕልጡፍ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዝሓተተ ኦፌኮ “ሰላማዊት ኦሮሚያ እንተዘይሃልያ ሰላምን ምርግጋእ ዘለዋ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ኣይከኣልን” ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ሃገራዊ መድረኽ ዝርርብ (ምኽክር) ውጽኢታዊ ንክኸውን ድማ ንኹሉ ከሳትፍ፣ ብዘይሻራውያንን ተኣማንነት ብዘለዎምን ኣካላት ክምራሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ስለ ዝኾነ’ውን ኣብ ኩሉ ከባብታት ዘሎ ጎንጽታት ደው ክብል፣ ኲናት ክቋረጽን ስምምዕ ክግበርን፤ እሱራት ፖለቲካ ብዘይገለ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ ኦፌኮ ሓቲቱ’ሎ።
ምስቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዘኽእል ኣማራጺ ዘተኣጓጉሉ ናይ ሕጊ ማሕለኻታት ብምእላይ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፉ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







