መራሕቲ ትግራይ: ረድኤት ብቕልጡፍ እንተሓሊፉ ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብሩ ወሲኖም

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
መራሕቲ ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራል ትማሊ ኣብ ትግራይ ብመሰረት ዝኣወጆ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ረድኤት ብቕልጡፍ ክሓልፍ እንተኽኢሉ፡ ብወገኖም ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ፌደራል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ውሳነ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብናጻ ዝውሕዘሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ብሚኒስትሪ ኮሚዩኒኬሽን ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።
ነዚ ስዒቡ መራሕቲ ትግራይ፡ ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሎም ትማሊ ኣማስዮም ኣብ ዝዘርግሑዎ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ክሓቱ ምጽነሖም ብምግላጽ፡ "ሕዚ'ውን ኲናት ምርጫና ኣይኮነን" ኢሎም።
ወሲኹ፡ እቲ መግለጺ "መንግስቲ ትግራይ እዚ ንክዕወት [ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ] ውፍይነት'ኳ እንተሃለዎ፡ ፖለቲካን ሰብኣዊ ሓገዝን ምትሕውዋስ ግን ቕቡልነት የብሉን" ይብል።
እንተኾነ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ዝክኣሎም ከም ዝገብሩ ገሊጾም።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሕሱም ጥምየትን ኩነታት ዓጾቦን ከም ዘጋጠሞም ትካላት ረዲኤት ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ እንተዀይኑ፡ ካብ ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረድኤት ከምዝዀነ፡ ፍርቂ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ድማ ኣብ ጥሜት ከም ዝርከብ ገሊጹ ኣሎ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ'ቲ መግለጺኦም፡ ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርበሉ ሓገዝ ብዘይምትእጉጓል ክረክብ እንተዝኽእል፣ ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት [ባንኪ፣ ስልኪን መጓዓዝያን ሓዊሱ] ናብ ንቡር እንተዝምለሱ ህይወት ሰባት ምድሓን ምተኽኣለ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ "ኩሎም ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበጽሕ ካብ ቃል ዝሰገረ ጭቡጥ ስጉሚ ክገብሩ ንጽውዕ" ኢሎም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሕብረት ኣውሮጳን ብምዃን ሰብኣዊ ቀረባት ብነፈርቲ ናብታ ክልል ክኣቱ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምእታው ጻዕርታት ከም ዘካየደ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
ኣብቲ ንልዕሊ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ሚልዮናት ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይገልጹ።
ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይኹን ስምምዕ ክበጽሕ ኣይክኣለን ነይሩ።
ቅድሚ ክልተ ሳሙን፡ ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካየደ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ንኸብቅዕ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ከም ዝጥቀም ምፍላጡ ዝዝከር እዩ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







