ቅልውላው ትግራይ፡ ልዕሊ 200 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ውድብ ምግቢ ዓለም ናብ መቐለ ኣምሪሐን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናይ ረድኤት ምግቢ ፅዒነን ናብ ትግራይ ክኸዳ ኣብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ተዓጊተን ዝነበራ ቃፍላይ መኻይን ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከምዝጀመራ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዘሎ ክዙን ምግቢ፡ ሎሚ ዓርቢ ከምዝውዳእ ምግላፁ ይዝከር።
ኣብ ውድብ ምግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ በዓል ሞያ ኮምዩከኒኬሽን ክሌር ኔቪል፡ ረድኤት ዝፀዓና ልዕሊ 200 መኻይን ካብ ሰመራ ተበጊሰን ናብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ጉዕዞ ከምዝጀመራ፡ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ገሊፁ ኔሩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ብፕሮግራም ምግቢ ዓለም 900 ቶን ረድኤት ምግቢ ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ኣትየን ኔረን።
በዚ ድማ እቲ ትካል ን350 ሽሕ ሰባት ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ዘቕረበ እንትኾን፡ ብተወሳኺ ንኣስታት 30 ሽሕ ኣደታትን ህፃናትን ሃነፅቲ ምግብታት ኣከፋፊሉ ኔሩ።
ብዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ረድኤት ከብፅሕ ፃዕሪ ይገብር ዝነበረ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ መኻይን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ እተን መኻይን ኣብ ዘለዋሉ ደው ክብላ ከምዝተገደዳ ኣፍሊጡ ኔሩ።
ሎሚ ዓርቢ ልዕሊ 200 መኻይን ረድኤት ናብ ትግራይ ይጓዓዛ ከምዘለዋ ንቢቢሲ ዝገለፀ ክሌር ኔቬል፡ እንተኾነ ምስቲ ዘሎ ጠለብ እንክነፃፀር፡ ውሑድ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ሕዚ ናብ መቐለ ዝተንቀሳቐሰ ረድኤት "ኣብ ባሕሪ ማይ ከም ምንጣብ'ዩ" ድማ ኢሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐን ዝቕፅል ዘሎን ኵናት፡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚልየን ህዝቢ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ እንትኾን፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ድማ፡ ህይወት ንምድሓን ህፁፅ ረድኤት የድልዮም።
እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ከኣ፡ ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይረኺቦም፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓፀቦ ከምዝኾኑ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ይገልፅ።
ትካላት ረድኤት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ቀረብ ረድኤት፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ሓይልታትን ከምዝተኣገዱ ክገልፁ ፀኒሖም'ዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነዚ ኣይቕበሎን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ካብ ፅባሕ ቐዳም ክሳብ ዝመፅእ ሮቡዕ ኣብ ዘለው መዓልታት ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምብፃሕ ብምግባር ምስ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ከምትዝቲ ተገሊፁ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ "ምፅናት ዓሌት ከይፍፀም ብምስጋእ እቲ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝርርብ ክግበር ተስፋ ብምግባር፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ፀቕጢ ክገብር" ከምዘድሊ ሓቢሩ።
ወሲኹ ኣብ ትግራይ ዓፀቦ ከየጋጥም፡ ዝተማልአን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ምብፃሕ እዩ ኢሉ።
ሳማንታ ፓወር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዋ ፃንሒት፡ ምስ ላዕለዎት ሰብመዚ እታ ሃገር ከም እትዘራረብ ክግለፅ እንከሎ፡ ዩኤስኤይድን መሓዙት ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑዎም ዘለው ስራሕቲ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክትዕዘብ እያ ተባሂሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







