ኲናት የክሬን፡ ገበን ኲናት እንታይ’ዩ? ፑቲንከ ብገበን ኲናት ክኽሰስ ይኽእል ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቡቻ ዝተባህለት ከተማ ዩክሬን ኣብ ጐደናታት ወዲቝ ዝርአ ኣሳእል ኣስክሬናት ሰላማውያን ሰባት፡ ሓይልታት ሩስያ ገበን ኲናት ይፍጽሙ ኣለው ዝብል ሰፊሕ ኣህጕራዊ ኲነኔ ኣልዒሉ ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ኣብ ዩክሬን ገበን ኲናት ተፈጺሙ'ዶ ዝብል ንክምርምሮ ድሮ መርትዖታት ዝእከብ ጕጅለ ኣቝሙ ነቲ መስርሕ ጀሚርዎ'ሎ።
ንምዃኑ ገበን ኲናት እንታይ እዩ?
ኣህጉራዊ ኮሜቴ ቀይሕ መስቀል፡ "ኲናት ሕጊ ኣለዎ" ኢሉ እዩ ዘቐምጥ።
እዞም ሕግታት ከኣ ኣብ 'ውዕላት ጀኔቫ' ከምኡ'ውን ካልኦት ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተሓቝፉ እዮም።
ኣብ ግዜ ኲናት፡ ሲቪል ብደይ መደይ ክጥቅዑ ኣይግባእን፣ ንናብራኦም ዘገልግል ትሕተ ቅርጺ'ውን ኣይትንከፍን።
ጸረ-ሰብ ተፈንጀርቲ፡ ስነ ቐመማውን ስነ ሂወታውን ዝኣመሰሉ ገለ ኣጽዋራት፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣልማማ ዕንወትን ስቅያትን ስለ ዘውርዱ፡ ኣብ ኲናት ኣብ ጥቕሚ ከይውዕሉ ዝተኸልከሉ እዮም።
ኣብ ኲናት ዝተሃረመን ዝቘሰለን፣ ወተሃደራት'ውን ከይተርፈ መሰል ምሩኽ ስለ ዘለዎም፡ ሕክምናዊ ክንክን ክረኽቡ ኣለዎም።
ከም ቅትለል፡ ጾታዊ ዓመጽን ጃምላዊ ህልቂት ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝፍጸም ኣሰቃቂ መጥቃዕቲታት "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ተባሂሉ ይግለጽ።
ምጽናት እንታይ እዩ?
ብመሰረት ዓንቀጽ ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ምጽናት ማለት ኮነ ተባሂሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰነ፡ ጕጅለ ብሄር፡ ዓሌት፡ ዘርኢ፡ ሃይማኖት ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ንምጽናቱ ሓሊንካ ዝግበር ምቕታል ሰባት እዩ።
በዚ መሰረት ጽንታ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ቅትለት ሲቪል ሰባት ኣመና ዝዓበየ፡ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ገበን ኲናት እዩ።
ስለዚ፡ እቲ ሕጊ ንሃቐነ ምጽናት ዘርኢ ሓደ ጕጅለ ዘረጋግጽ ዕቱብ መርትዖ ይደሊ።
ኣብ ዩክሬን ዘለው ክስታት ገበን ኲናት እንታይ እዮም?
መርመርቲ ጕጅለን ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ከባቢ ኪቭ እትርከብ ከተማ ቡቻን ካልኦት ከባቢታትን፡ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ቅትለት ከም እተፈጸመ ዘረድእ መርትዖ ረኺቦም ኣለው።
ሓይልታት ዩክሬን ከም ዝገለጽዎ፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተኣሲሮም ዝተረሸኑ ሲቪል ምዃኖም ዘረጋግጽ ብዝሒ መቓብር ረኺቦም።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ "እዚ ሰብ'ዚ ኣረሜን እዩ" ብምባል፡ ፕረዚደንት ፑቲን ብገበን ኲናት ክኽሰስ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ። ብተወሳኺ ባይደን፡ ፑቲን "ገበነኛ ኲናት'ዩ" ኢሉ'ዩ ዝኣምን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መርትዖታት ገበን ኲናት እዮም ኢሉ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሩስያ [ኣብ ዩክረይን] "መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት፡ ኣምቡላንሳት፡ ሲቪላዊ ትሕተ-ቕርጺ፡ መካይን ሲቪል፡ ማእከለት ዕዳጋ፡ ኣዕንያ እያ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እዚ ተግባራት'ዚ ድማ ኣሜሪካ፡ መርኣያ ገበን ኲናት ምዃኑ እያ ትኣምን።
ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ማሪያፖል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ቲያትር ዝፈጸመቶ ደብዳብ፡ ሓደ ካብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ኰይኑ ቀሪቡ'ሎ።
ኣቐዲማ ዩክረይን፡ ነቲ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆስፒታል ማሪያፖል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ገበን ኲናት ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ከተማ ሃርኪቭ፡ ሲቪል ሰባት ዝቕመጡሉ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክላስተር ቦምብ 'ውን፡ ከም መርትዖ ይቐርብ ኣሎ።
ሩስያ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሐ ኵሉ ኦክሲጅን መጽዩ ዓቢይ ባዶሽ [ቫክዩም] ክፈጥር ዝኽእል 'ተርሞባሪክ' ዝተባህለ ተፈንጃሪ ትጥቀም ከም ዘላ ብሪጣንያ ትነግር።
እዞም ተፈንጀርቲ ኣጽዋር ብርግጽ ውጕዛት ኣይኰኑን፣ እንተዀነ ኮነ ተባሂሉ ሲቪል ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝርከብዎ ምፍንጃሮም ንሕግታት ኲናት ዝጥሕስ እዩ።
ንባዕሉ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብዓቢኡ ገበን ምዃኑ እዮም ክኢላታት ዝምጕቱ።
ጥርጡራት ገበን ኲናት ብኸመይ ክኽሰሱ ይኽእሉ?
ኣብ እዋን ምብትታን ዩጐዝላቭያ ንዝተፈጸሙ ገበናት ክምርምር ዝቘመ መጋባእያ ሓዊሱ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ገበናት ኲናት ዝምርምሩ ኣብያተ ፍርዲ ቈይሞም እዮም።
እዚ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ 1994 ዝተኻየደ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ፍርዲ ዝሃበ'ውን እዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበንን ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒን ንሓላፍነት ሕግታት ኲናት ሒዘን ዘለዋ ትካላት እየን።
ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝተፈጥረ ምስሕሓባት ዝርኢ ኣካል እዩ፤ ኣብ ውልቀሰባት ግን ኣየተኵርን።
በዚ መሰረት፡ ዩክረይን ናብ ልዕሊ ሩስያ ኣብዚ ቤት ፍርዲ ክሲ መስሪታ'ላ።
እዚ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ሩስያ እንተኸሲሱ፡ ንግብራውነቱ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ክወስድ እዩ።
እንተዀነ ሩስያ ሓንቲ ካብ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እያ፣ ዝዀነ ኣንጻራ ዝቐርብ እማመ ብዘለዋ መሰለ ቀውፊ ከተበርዕኖ ትኽእል እያ።
ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ነቲ ኣብ 1945 ንመራሕቲ ናዚ ጀርመን ብይን ዝሃበ ቤት ፍርዲ ኑርምበርግ ስዒቡ ዝቘመ ኰይኑ፡ ኣብ ገበን ኲናት ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ዝምርምር መጋባእያ እዩ።
ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን
ዋና ዳኛ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ብሪጣንያዊ ካሪም ካሃን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ከም እተፈጸሙ ዘረድእ እኹል መርትዖታት ኣሎ።
መርመርቲ፡ ሕሉፍን ህልውን ገበናት፣ ክሳብ ኣብ 2013 ቅድሚ'ቲ ሩስያ ንክረምያ ዝጐበጠትሉ ግዜ ዝተፈጸሙ ገበናት'ውን ክድህስሱ እዮም።
መርትዖታት እንተተረኺቦም፡ ጥርጡራት ተታሒዞም ኣብ ቤት ፍርዲ -ሄግ ንኽቐርቡ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክወሃብ መርመርቲ ንዳያኑ ክሓቱ እዮም።
እንተዀነ ኣብ ባይታ ከጋጥሙ ዝኽእሉ መሰናኽላት ኣለው። እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ፖሊስ የብሉን።
ስለዚ፡ ጥርጡራት ንምሓዝ ኣብ ምትሕብባር ሃገራት እዩ ዝምርኮስ።
ሩስያ፡ ኣብ 2016 ካብ ኣባልነት እዚ ቤት ፍርዲ ስሒባ እያ። ፑቲን ከኣ፡ ዝዀነ ጥርጡር ኣሕሊፉ ኣይክህብን እዩ።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ጀነራላቱን ካልኦት መራሕትን ክኽሰሱ ይኽእሉ'ዶ?
ገበን ኲናት ንኽፍጸም ትእዛዝ ካብ ዝሃበ መራሒ ዝያዳ፡ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ወተሃደር ንምኽሳስ ይቐልል።
ሁግ ዊልያምሰን ዝተባህለ ኣባል 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' ከም ዝበሎ፡ ብወተሃደራት ሩስያ ዝተፈጸሙ ዘስካክሕ ግህሰት ዝረድኡ ጭብጥታት ብብዝሒ ኣለው።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ነቲ "ሰንሰለት እዚ" ምርኣዩ ኣብ መጻኢ ንዝወሃብ ፍርዲ ወሳኒ እዩ። እዚ ኸኣ መራሕቲ ኣብ ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ማዕረ ክንደይ ሓላፍነት ኣለዎም ንምርኣይ ይሕግዝ።
ንሱ፡ [ንኣብነት] "ኣብ ዩክረይን፡ ሓደ ኣዛዚ፡ ንወተሃደራቱ ንክልተ ሲቪል ሰባት ኣውጺኦም ክቐትልዎም ክእዝዝ እንከሎ ዝነግር ዝኣከብናዮ ኣገዳሲ ጸብጻብ ኣለና፡" ክብል ከም ኣብነት ንቢቢሲ የረድእ።
ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብተወሳኺ፡ ክንዮ ርእሰ-ምክልኻል ንዝኸደ፡ ዘይምኽኑይ ወተሃደራዊ ወራር'ውን ክሲ ከቕርብ ይኽእል።
ብሓሳብ ደረጃ፡ ባይቶ ጸጥታ፡ እዚ ጕዳይ ንኽምርመር ንኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ክሓትት ይኽእል እዩ። እንተዀነ ነዚ'ውን ሩስያ ብዘለዋ መሰል ከተውድቘ ትኽእል እያ።
ስለዚ ካልእ መገዲ ኣሎ'ዶ?
ኣድማዕነት ኣህጕራዊ ትካላት ቤት ፍርዲን ኣህጕራዊ ሕግታትን፡ ኣብ ውዕላትን ስምምዓትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን'ውን ዝተመርኰሰ እዩ።
ነዚ ምርኵስ ገይሩ፡ ክኢላ ኣህጕራዊ ሕግታት ዝዀነ ፕሮፌሰር ፍሊፕ ሳንድስ፡ ኣብ ዩክረይን ዝተፈጸመ ገበናት ዝምርምር ሓደ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክቐውም ንመራሕቲ ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







