'ቅልውላው ሱዳን ንዓለምና ዘሻቕል'ዩ' ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ካብ 2019 ክሳብ 2022 ንሱዳን ብቐዳማይ ሚኒስተርነት ዝመርሓ ዓብደላ ሓምዶክ ቅልውላው ሃገሩ ካብቲ ኣብ ሶርያን ሊብያን ዘሎ ግጭታት ዝኸፍአ ክኽውን ከምዝኽእል ብምግላጽ ንዓለም ኣዝዩ ኣሻቒሉዋ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ መንጐ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ዘሎ ግጭት እንተቐጺሉ ንሱዳን ኣብ ቅልውላው ክሸማ እዩ ኢሉ።
ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ደብዳብ ነፈርቲ ውግእን ተዅሲ ጸረ-ነፈርትን ይስማዕ ነይሩ።
እቲ ሰራዊት ብደግፍ ከበድቲ ኣጽዋር ብዅሉ መኣዝን ከቢድ መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ካብታ ሃገር ይሃድሙ ኣለዉ ።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወገናትን ሰራዊት መንግስትን ዝተገብረ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ብጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት ሃገራትን እዩ ተኻይዱ። እንተዀነ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ን72 ሰዓታት ኣይቀጸለን ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ብዙሓት ካብቲ ውግእ ናብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ክሃድሙ ዝደልዩ ሰባት ጽቕጥቅጥ ይብሉ ኣለው።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታቱ ናይ ምውጻእን ምግዓዝን መስርሕ ከምዝወደአ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ እታ ናይ መወዳእታ በረራ ካብ ካርቱም፡ ብቐዳም ሰዓት ዓሰርተ ምሸት፡ ከምዘካየደ ብምግላጽ ብድምር ከባቢ 1,900 ሰባት ካብታ ሃገር ከምዘውጸአ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ 'ሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንዜጋታቱ ናብ ጂዳ ስዑዲ ዓረብ ብመርከብ ንምግዓዝ ብኣመሪካ ዝተወደበ ቃፍላይ ናብ ፖርት ሱዳን ከምዝበጽሐ ገሊጹ።
ቅድሚ ሰሙን፡ ዲፕሎማትን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣመሪካውያን ዜጋታትን ብነፋሪት ካብታ ሃገር ከምዝወጽኡ ይፍለጥ።
ሚስተር ሓምዶክ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ማሕበረሰብ ዓለም ንሓላፊ ሰራዊት ሱዳንን ንመራሒ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (RSF)ን ናይ ሰላም ዝርርብ ንኸካይዱ ጸቕጢ ክገብረሎም ጸዊዑ።
"ሱዳን ብዙሕነት ዘለዋ ዓባይ ሃገር እያ። [እቲ ግጭት እንተቐጸሉ] ንዓለም ስቓይ ክዀና እዩ። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ንእሽቶ ናይ ተቓውሞ ሓይልን ኣይኮነን። ክልቲኡ ሓይልታት ብግቡእ ዝሰልጠነን ዝዓጠቐን እዩ" ኢሉ።
ካብ 2019 ክሳዕ 2022 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ክልተ ሳዕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዘገልገለ ሚስተር ሃምዶክ፡ እቲ ቅሳነት ካብቲ ኣብ ሶርያን ሊብያን እተገብረ ውግእ ሓድሕድ ክገድድ ከም ዝኽእል እውን ገሊጹ።
እቲ ከምዚ ዓይነት ኵናት ኣማኢታት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ፈጢሩ፡ ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ከኣ ዘይምርግጋእ ኣስዒቡ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ከምኡ'ውን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንኽትሰጋገር እቲ ኣስታት 100,000 ዝኸውን ሰራዊት RSF ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝጽምበረሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣይተሰማምዑን።
ምኽንያቱ፡ ክልቲኦም ወገናት በቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ስለዝኽእሉ ስልጣኖም ከይስእኑ ይፈርሑ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ካርቱም ብሕጽረት መግቢ፡ ማይን ነዳድን ተቐርቂሮም ኣለዉ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ብወተሃደራት ሕሜቲ (RSF)፡ ተታሒዙ ዝነበረ ከባቢታት ንምምላስ ታንክታትን ካልእ መዳፍዕን ስለ ዘዋፈረ፡ ኣብ ካርቱም ንዝነበሩ ሰባት ካብ ገዛ ከይወጹን ካብ መሳዅቲ ክርሕቁን ተማሕጺንዎም ኣሎ።
RSF፡ እቲ ሰራዊት ነቲ ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ዝፈጸመ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ብምስታፍ ነቲ ግጭት የጋድዶ ኣሎ ከምዝበለ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ዳርፉር ኣብ እትርከብ ኤል ጂኒና፡ ጕጅለታት ሚሊሻ ንብረት ከምዝዘረፉን መኽዘናት ከምዝወረሩን ክስታት ኣሎ።
ጀነራል ሕሜቲ እውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ደብዳብ ደው ክሳዕ ዝብል ዝርርብ ከምዘየለ ተዛሪቡ።
“ዋላ እውን ናይ ተኹሲ ምቁራጽ ሰምምዕ እንተተገብረ፡ ሰራዊተይ ብዘይ ዕረፍቲ ብነፈርቲ ኵናት ይድብደቡ ኣለው” ክብል ገሊጹ ነይሩ።
"ንሕና ንሱዳን ከነዕንዋ ኣይንደልን ኢና። በዚ ግጭት እዚ ከኣ ቀንዲ ተሓታቲ ሓለቓ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን” እዩ ከኣ ኢሉ።
ሓላፊ ምዱብ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ቡርሃን፡ ምስ መቐናቕንቱ ጀነራል ሕሜቲ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ክዘራረብ ከምእተሰማምዐ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣስታት 2,000 ሰባት ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ጅዳ ክኣትው እንከለው፡ መብዛሕትኦም በቲ መንግስቶም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ዘዳለዎ ናይ ቻርተር በረራታት ገይሮም ነናብ ዓዶም ክምለሱ ትጽቢት ይግበር።
ካብ ሱዳን ምስ መሃንድስ ሰብኣያ ሃዲማ ንስዑዲ ዝኣተወት ጓል 32 ዓመት ኢራናዊት ሲቪላዊ መሃንድስ ናዛሊ፡ እቲ ውግእ ምስተወለዐ ዝነበረ ኵነታትን ክሃድሙ እንከለው ዝረኣየቶ ነገራትን ኣብ ከተማ ጂዳ ንዓለምለኻዊ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣዕሊላቶ።
“ኣብ ኵሉ ቦታ ተዅሲ ስለዝነበረ ኣብ ሳሎንና እውን ኮፍ ክንብል ኣይከኣልናን” ኢላ።
ንሰለስተ መዓልታት ተሓቢኣ ዘሕለፈቶ፡ ራሻ ዝተባህለት ኣደ ኣርባዕተ ቘልዑ ሱዳናዊት፡ "በጃኹም በጃኹም ኣብ ሱዳን ንዘለው ስድራ ቤትና ሓግዝዎም" ክትብል ተማሕጺና።
"ዓለም ንሱዳን ክትሕግዝ ምሕጽንታይ አቕርብ ኣለኹ" ብምባል፡ ኵሎም ዜጋታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ምስ ወጽኡ እቲ ውግእ ክጽዕጽዕ ከምዝኽእል ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







