ቅልውላው ሱዳን፡ መውጽኢ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርእሰ ከተማ ሱዳን ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ብሰላም ይነብሩ ነይሮም።
እዞም ብፍላይ ካብ ስሳታት ኣትሒዞም ንሱዳን ዝወሓዙን፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ዋሕዚ ቐጺሉ፤ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከም ደቂ ሃገር ናብራኦም ንምምሕያሽ ለይትን ቀትርን ሰሪሖም ክነብሩ ጸኒሖም።
ኣብ ርእሲኡ ሓያሎ ኣብ ኤርትራ ክሕከሙ ዘይከኣሉ ዜጋታትን ንኤርትራ ኣትዮም ክምርዓውን ይዅን ስድራኦም ክርእዩን ዘይከኣሉ ዜጋታትን ስድራ ቤታትን ኣብ ሱዳን ክሕከሙን ክመራዓውን ጸኒሖም ኣለው።
በዚ ምኽንያት ኤርትራዊ ንሱዳን ከም ካልኣይቲ ሃገሩ ከም ዝርእያ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ውግእ ካርቱም ምስ ጀመረ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ቃለ መሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ንምሕዝነት ህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን ንኽገልጽ፡ ‘ህዝቢ ሱዳን ከምቲ ኣብ እዋን ጸገምና ዝሓገዘና ሕጂ እውን ኣብዛ ካልአይቲ ቤቱ መጺኡ ክዕቆብን ካብታ እንበልዓ ቅጫ ክማቐልን ማዕጾና ክፉት እዩ’ ክብል ነቲ ዝጸንሐን ዘሎን ዝምድና ምግላጹ ይዝከር።
ይዅን እምበር ኣብታ ብኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩላ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኸውን ነባሪ ዘለዋ ካርቱም ውግእ ምስ ተወልዐ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ነበርቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ህዝቢ ሱዳን ንባዕሉን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ግብጺ፡ ጫድ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ናብ ካልኦት ጐረባብትን ይሃድሙ ኣለው።
ሓያሎ ካብቶም ናብ ኤርትራ ክኣትው ጸገም ዘይብሎም ዜጋታት ብፍታዎም ክምለሱ እንከው፡ ካልኦት ሓያሎ ካብ ኤርትራ ንደለልቲ ኣሽሓት ከፊሎም ዝወጽኡ ግን ምርጫ ዝሰኣኑ ብዘይፍታዎም ንኤርትራ ከምዝተመልሱ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ፈነወታቱ ኣቃሊሑዎ ነይሩ።
ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ኣንፈት ተበታቲኖም፡ ገሊኦም ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ እትርከብ ከተማ መተማ ገሊኦም ከኣ ኣብ ዶባት ደቡብ ሱዳን በጺሖም ኣብ ከቢድ ኵነታት ይከላበቱ ኣለው።
ብዙሓት መጓዕዝቲ ስደቶም፡ ዜጋታት ኬንያ፡ ዩጋንዳን ሶማልያን ግን ብሓገዝ መንግስታቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ነናብ ሃገሮም ከምእተመልሱ ብድምጾም ንቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር።
ናበይ ከምዘብሉ ዝሓርበቶም ሓያሎ ካልኦት ኤርትራውያን ግን ኣብታ ብኲናት መዓልታዊ እትሕመስ ዘላ ካርቱም፡ ዕርቀ ሰላም ዝነግሰሉ ዕለትን መዓልትን ብጸሎትን ተስፋን ይጽበዩ ኣለው።
ሓደ ካብቶም ኣብ ካርቱም ተሪፎም ዘለው ኣብርሃ ብርሃነ ዝተባህለ ኤርትራዊ “እቶም ውግእ ምስ ጀመረ ገዲፎምና ዝሃደሙ ኣሕዋት ኣብ ዶብ ኢትጵያን ጁባ ኣብ ከቢድ ጸገማት ከምዘለው ስለዝሰማዕና፡ ዕርቀ ሰላም ክወርድ እሞ እዚ ውግእ ቀልጢፉ ክውዳእ ብተስፋ ንጽበ ኣሎና፡’’ ይብል።
ካልእ ሓምደ ሓምድ ዝተባህለ ኤርትራዊ እውን በቲ ኣብርሃም ዝገለጾ ዓይነት ጸገም፡ ኣብ ዶባት ጁባን መተማን ካብ ምክልባትን ፈጣሪኡ ኣሚኑ ኣብ ካርቱም ክጸንሕ ከምዝመረጸ ይሕብር።
“ይዅን እምበር ግዜ ስለዝነውሐ፡ ሕጅስ፡ ኣብዚ ኴንካ ክንዲ ምጽባይ ጸሓይን መከራን መተማ ተጻዊርካ ኣብኡ ምጽባይ ይሓይሽ። ብማለት ክወጽእ እሓስብ ኣለኹ” እቲ ኣብ ዓደይ ዝፈልጦ ኣዕናዊ ውግእ ንሱዳን እውን እግሪ እግረይ ስዒቡ፡ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብርሃ፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ክሳብ ሸሞንተ ሰባት ብሓባር ይነብሩ ከምዘለው፡ ካብኦም ቅሩብ ርሕቅ ኢሎም’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዘለው ይገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ቀጻሊ ተዅስን ዳርባ ቦምባታትን ልዋም ለይቲ ከምዘይብሎም ይዛረብ።
"ኵነታት ካርቱም ከቢድ እዩ ዘሎ። ንሓንሳብ ቦምባታት ከቢድ ብረት ኣብ ጥቓና ስለዝወድቕ ደቃስ ለይቲ የለን" ይብል በቲ ዘለዎ ኵነታት እናተማረረ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ሓደጋ ቦምባታትን ጠያይትን፡ ኣብ ከባቢ ጅረፍ ብረት ዝዓጠቝ ወተሃደራት ድዮም ተበላለጽ ሸፋቱ ከተማ፡ ገዛ ገዛ እናኣተው ብበትርን ሰደፍ ብረትን ቀጣቒጦም ንብረት ይዘምቱ ከምዘለው ነበርቲ ብምረት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
“ኣብዚ ጐረቤትና ብበትሪ ዝተሃርሙ ብጾት ኣለውና። ኣብዚ ከባቢ ባንጐ [ሓሽሽ] ዝሸጡን ዘትክኹን ብረት ዝሓዙ ሰባት ኣለው። ወተሃደራት ድዮም ወይስ ሰረቕቲ ግን ንፈልጦ የብልናን፡ ዓመጽ ስርቂ ክትራን መሊኡ እዩ” ይብል።
ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝተፈላለየ ጽላታት ቍጠባን ፋይናንስን ብቦምባታት ስለዝተሃርመን ኣገልግሎት ባንክታት ደው ስለዝበለን ኣብ ካርቱም ምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብራ።
“ማይን ኤለክትሪክን ብመጠኑ ኣሎ፤ እኽሊ ተሓቢኡ እዩ ዝመጽእ። ንሓንሳብ ተዅሲ ምስ ሃድአ ኣብ ጐደናታት ወጺእካ ፓስታ ትገዝእ። እንተዀነ እቲ ናይ ሱዳናውያን ይዅን ናይ ሓበሻ ደዃኩን ብምሉኡ ስለዝተሰርቀ መዓጾ እውን የብሉን፡" ይብል ውግእ ምስተኸፍተ ካብ ከባቢኡ ልዕሊ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ተጓዒዙ ዘይፈልጥ ኣብርሃም።
ኣብ መንጐ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ-ሕሜቲን ዝተወልዐ ውግእ ንምህዳእ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ወጻእን ፈተውቲ ሃገራትን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተ ተፈተነ ክሳብ ሕጂ ግን ብግብሪ ውግእ ኣይሃድአን።
ኵሉ ሳዕ ኣብ እዋን ለይቲ ኣየናይ ወገን ከምዝጀመሮ ዘይፍለጥ ተዅሲ ይቕጽል። ኣብዚ እዋን እቲ ውግእ ኣብ ካርቱም ወጺኡ፡ ኣብ ከም ዞባ ዳርፉር ዝኣመሰለ ከባቢታት ህይወት ብዙሓት ስቪላውያን ዝቐዘፈ ውግእ ይካየድ ምህላው ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ድሮ ክልተ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ውግእ ገና ይቕጽል ስለዘሎ፡ እቶም ዝነበሮም ትሕዝቶ ዝጸንቀቝ፡ ደጊም ካብዚ ንላዕሊ ክንጻወር ኣይንኽእልን ኢና።
ዝረኸበ ይርከበና ካብ ካርቱም ክንወጽእ ኣሎና ዝበሉ ሰባት ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከምዝደልዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ናበይ ዝብል ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ ከቢዱዎም ከምዘሎ ግን ከኣ ናብቲ ብንውሓት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምልካዊ ምሕደራን ዓቕሎም ኣጻቢቡ ካብ ሃገር ዘንፈጾም ስርዓት ክምለሱ ከምዘይደልዩ ኣብርሃም ይዛረብ።
"ናብታ ብኽንደይ መከራ ገዲፍናያ ዝወጻእና ኤርትራ ክንምለስ ኣይንኽእልን ኢና። ናብኡ ምምላስ ናይ ባዕሉ ጸገም ኣለዎ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለዘየሎ እውን ንገዳርፍን ሸገራብን ወይ ንመተማን ጁባን ክትከይድ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብል ሳልሕ ሃሺም።
"ብዙሓት ገንዘብ ዘይብሎም ዝተጸገሙ ሰባት ኣብ ቤተ-ክርሰትያን ተዓቚቦም ኣለው። ብሓጺሩ ኣብ ካርቱም እቶም ገንዘብ ዘይብሎም እዮም ተሪፎም ዘለው። ቈልዑ ዘለዎም ስድራ ቤት ኣዝዮም ተሸጊሮም ኣለው" ይብል ኣብርሃ።
ኣብቲ ኣብርሃ ዝነብረሉ ናይ ፕሮቴስታንት ቤተክርስትያን ዝርከቦ መዳርስ ዝበሃል ቦታ ዝዓረዱ ዕጡቓት፡ ካብቲ ከባቢ ከቢድ ብረት ስለዝትኩሱ እቲ ከባቢ ይንቅጥቀጥ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንግብረመልሲ ዝተተኮሰ ቦምባታት ክልተ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ከባቢኦም ስለዝዓለበ ፍርሒ ኣለዎም።
“ትማሊ፡ ለይትን ቀትርን ብዘይዕረፍቲ ተዅሲ ውዒሉን ኣምሲዩን። ቅድሚ ሕጂ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ስለዝተገብረ ንሰለስተ መዓልታት ኣዕሪፍና ነይርና።
ብድሕሪኡ’ውን ንሓሙሽተ መዓልቲ ተሰማሚዖም ቅሩብ ፍዅስ ኢሉና ነይሩ፤ ኣብዚ ሳልስቲ ግን ኵነታት ኣዝዩ ብርቱዕ’ዩ ዘሎ” ይብል ነቲ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ።
ኣብቲ ፈለማ እቲ ውግእ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ቀልጢፉ ክሃድእ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበሮም፡ እቲ ውግእ ካብቲ ዝገመትዎ ንላዕሊ ስለዝተመጠ ብዙሕ ሰብ ናብ ዝሕሾ ሃዲሙ እዩ።
እቶም ከም ኣብርሃን ሓምደን ዝኣመሰሉ ብዝተፈላለየ ሕጽረታት ክወጽኡ ዘይከኣሉ ከኣ ብገበርቲ ሰናይ ኣብ ቤተክርስትያን ይቕለቡ ኣለው።
እታ ቤተ ክርስትያን ሃይማኖት ከይፈለየት ንዝዀነ ጽጉም ትምግብን ትድግፍን ከምዘላ ኣብርሃ የረድእ። ኣዝዩም ውሑዳት ውሱናት ሰባት ከኣ ብሓዋላ ካብ ዝለኣኸሎም ገንዘብ ይናበሩ ከምዘለው ይግምት።
“ሱዳን ሰሪሕካ እትነብረሉ ጥዑም ሃገር’ዩ፤ እንተዀነ ሕጂ ብሰንኪ ውግእ ይትረፍዶ ክትሰርሕ ካብ ገዛኻ ክትወጽእ እውን ከቢድ’ዩ” ይብል።
"ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሃገርና ጥዑይ ምሕደራ ስለዘይረኸብና፡ መደባትና ተሰናኺሉ፡ ራኢና ተኾሊፉ ብኣማኢት ኣሽሓት ተሰዲድና፤ ሕጂ ከኣ ኣብ ዓዲ ስደትና ውግእ መጺኡ ካብዝን ካብትን ተለቓቒሕና ዘጥረናዮ ንብረት ብዘይጠቅም ገንዘብ ሸያይጥና እንደገና ንስደድን ንከላበትን ኣሎና፡" ክብል ኣብርሃ ኣምሪሩ ይዛረብ።
ሓምደ፡ ክሳብ ሎሚ ውዒሉ ሓዲሩ ሰላም ክኸውን’ዩ ብዝብል ተስፋ ብዓቕሊ ከም ዝተጸብየ ብምግላጽ፡ "ሕጂ ግን ኵሉ ነገር ልዕሊ ዓቕመይ ስለዝዀነኒ ሓደኡ ክገብር እየ። ዳርጋ ኵላትና ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ተመሳሳሊ ሻቕሎትን ጸገምን ኢና ንርከብ፡" ክብል ሃለዋቱን ሃለዋት መሰልቱን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







