ቅልውላው ሱዳን፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለዉ?

እቶም ስደተኛታት ዝረኸብዎ ጨርቂ ዘርጊሖም'ዮም ዘጽልሉ ዘለዉ

ምንጪ ስእሊ, HASSAN LALI/BBC

መግለጺ ስእሊ, እቶም ስደተኛታት ዝረኸብዎ ጨርቂ ዘርጊሖም'ዮም ዘጽልሉ ዘለዉ

ሱዳን፡ ብ15 ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ'ቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ምዱብ ሰራዊትን ብሕሜቲ ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ውግእ ድሕሪ ምውልዑ፡ ብፍላይ ነበርቲ እታ ቀንዲ ማእከል እቲ ኲናት ዝተቐየረት ርእሰ ከተማ ካርቱም ነብሶም ከድሕኑ ናብ ኵሉ’ዮም ፋሕ ኢሎም።

ገለ ናብ ምዕራብ ናብ ጫድ ክሃድሙ እንከለዉ፡ ቍጽሮም ብርክት ዝበለ ከኣ ብመንገዲ ዋዲ ሓልፋ ናብ ግብጺ ሰጊሮም፣ ብወደብ ፖርት ሱዳን ኣቢሎም ናብ ስዑድያ ዝሰገሩ’ውን ብፍላይ ወጻእተኛታት ብዙሓት እዮም።

እታ ካልእ ካብ ሱዳን ዝተሰደዱ ሰባት ትቕበል ዘላ ሃገር ከኣ ደቡብ ሱዳን’ያ።

ብዘይካ በዚ መስመር እዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ገለ ብድሌቶም ብዙሓት ከኣ ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ዝገልጽ ጽሒፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ቢቢሲ ቀሪቡ ነይሩ'ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ቍጽሪ ካብ ሱዳን ተፈናቒሎም ዝተሰደዱ ሰባት ናብ 800 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ዘለዎ ስክፍታ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ መንጐ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 700 ሽሕ ተመዛበልቲ ከም ዘለው ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ካብ ሱዳን ናብታ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝኣወጀትን ኣብ 2013 ከምኡ ከኣ ኣብ 2016 ኲናት ሓድሕድ ኣጋጢምዋ ሚልዮናት ካብ ህዝባ ናብ ስደት ዘምረሐት ደቡብ ሱዳን፡ በዚ ኵነታ ሱዳን ከሳብ ሕጂ ልዕሊ 45 ሽሕ ሰባት ተቐቢላ'ላ።

እዞም ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝሃደሙ ሰባት እቶም ኣስታት 40 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ኰይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ሱዳናውያን፡ ኤርትራውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ፈለግ ጻዕዳ ኒል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ሱዳን እትርከብ ረንክ ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ ዝተሰርሐ ግዝያዊ መጽለሊ ስደተኛታት’ዮም ኣጽሊሎም ዘለዉ።

ከተማ ረንክ ካብ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንደቡብ 45 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ’ያ።

ኣብቲ ቦታ፡ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ መጽለሊ ስለዘየለ፡ እቶም ቀዳሞት ናብቲ ቦታ ዝኣተዉ ኣብ ሓደ ዝፈረሰ ዩኒቨርስቲ ዝነበረ ህንጻ ከዕርፉ እንከለዉ፡ እቶም ድሒሮም ዝመጽኡ ዝረኸብዎ ጨርቂ ዘርጊሖም’ዮም ንነብሶም ካብቲ ሓያል ሙቐትን ጸሓይን 'ቲ ከባቢ ዝከላኸሉ ዘለዉ።

ሱዳን፡ ሱዳን ደቡብ ሱዳንን ረንክን ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ሱዳን፡ ሱዳን ደቡብ ሱዳንን ረንክን ዘርኢ ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓንቲ ካብቶም ካብ ካርቱም ሃዲማ ኣብ ረንክ እትርከብ ኤርትራዊት ኣደ ቘልዑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ሃገራ መሰል እምነታ ክኽበራ ስለዘይክኣለ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ከምዝወጽአት ብምሕባር፡ ኣብ ሱዳን ጽቡቕ ትነብር ምንባራ ትሕብር።

“ሱዳን ንዅሉ ስደተኛ ብጽቡቕ ትቕበል ሃገር’ያ ነይራ፣ ኲናት ምስ ተጀመረ ግን ኵሉ ነገር’ዩ ተዓጽዩና፣ መግቢ የለን፡ ማይን ኤለትሪክን ተቋሪጹ፡ ነፈርቲ ኣብ ማእከል መንበሪ ይድብድባ፡ ቈልዑ ይስንብዱ፡ ድኳናት ተዓጽዩ ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ብምባል ንነብሳን ህይወት ደቃን ንምድሓን ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝሃደምት ትሕብር።

ኣብቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ብዘይ ዝዀነ ሓገዝ ከምዘሎ እትሕብር እዛ ኤርትራዊት ናብራ ከቢድዎም ከምዘሎ ሓቢራትና።

“እዋይ! ኣብዚ ናብራ ንዓና ከቢድ እዩ ብጣዕሚ። ብጣዕሚ ከቢዱኒ። ቈልዑት ሒዝካ ኣብዚ በረኻ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይትረክብን ኢኻ። ብዙሓት ህጻውንቲ ካብ ብዙሕ ዓዲታት ሱዳን ስለዝመጹ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ቈልዑት ሒዝካ ከቢድ እዩ ብጣዕሚ። ዋላ ሓንቲ ‘ሰርቪስ’ ስለዘይረኽበሎም ንዓይ ይኸብደኒ እዩ” ትብል።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ዝዀነት ጁባ ንምእታው’ዮም ናብ ረንክ በጺሖም፤ እንተዀነ ካብቲ ቦታ ናብ ማእከል ደቡብ ሱዳን ምእታው ተኸልኪሎም ከምዘለዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

“ኣብዚ መሕለፊ ስኢኖም ብዙሓት ኤርትራውያን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ንጁባ መንገዲ የለን። ናብ ዝዀነ ቦታ ኣይተፈቐደልናን ዘሎ። ኤርትራውያን ክንወጽእ ብዅሉ ነገር ተዓጽዩ እዩ ዘሎ። ንኤርትራውያን ጥራይዩ መንገዲ ተዓጽዩ ዘሎ። ንቐጻሊ እንታይ ክኸውን’ዩ እንድዒ” ብምባል ዘለዋ ስክፍታ ኣካፊላትና።

ካብ ካርቱም ናብ ረንክ ንምእታው ቅድሚ ሕጂ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወስድ ዝነበረ ሕጂ ግን ሰባት ካብቶም ብረት ሒዞም ዝፍትሹ ኣምሲሎም ዝዘምቱ ወተሃደራት ንምህዳም ዝነወሐን ሓርጐጽጎጽ ዝበዝሖን መንገዲ ብምጥቃም ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ መዓልቲ’ዩ ዝወስደሎም ዘሎ፤ ንገሊኦም ከኣ ልዕሊኡ።

ኣብ መጀመርታ በዚ መስመር እዚ ዝኸዳ ኣውቶቡሳት'ኳ ኣንተነበራ ሕጂ ግን እተን ኣውቶቡሳት’ውን ስለዘቋረጻ እቲ ጕዕዞ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኰይኑ ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ይሕብሩ።