ብሰንኪ ግጭት ሃዲሞም፡ ብግጭት ዝምለሱ ዘለዉ ደቡብ ሱዳናውያን እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, HASSAN LALI/BBC
ብሰንኪ ኲናት ሕድሕድ ካብ ደቡብ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ክነብሩ ዝጸንሑ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ሕጂ ኸኣ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ውግእ እንደገና፡ ናብታ ኣብ ዘይርጕእ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቍጠባውን ኵነታት ዘላ ደቡብ ሱዳን ክምለሱ ይግደዱ ኣለዉ። ኣብ ምምላሶም ሒዞምዎ እንታይ የልዕሉን፡ እንታይ ይብሉን ከም ዘለዉን ከኣ እዚ ጽሑፍ፡ ኣብ ዛንታ ሙዚቀኛ ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ ምርኩስ ገይሩ ተዳልዩ'ሎ።
ህይወትኩም ንምድሓን ብዂናት ካብ ዝተሓመሰ ከባቢ ኣብ ዝተሃድምሉ፡ ካብ ገዛኹም እንታይ ሒዝኩም ምሃደምኩም?
መልሲ መብዛሕትኹም፡ ክዳውንቲ፡ ዘይተርፍ ኣገደስቲ ሰነዳት፡ ምናልባት’ውን ኣሳእል፡ ወይ’ውን ኣገደስቲ እትብልዎ መጋየጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ደቡብ ሱዳናዊ ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ ግን ነታ ኣብ ጻላም ሳንዱቕ ዝተዓሸገት ቀያሕ ጊታሩ ሒዙ’ዩ ወጺኡ።
ወዲ 22 ዓመት ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ 15 ሚያዝያ ኣብ ካርቱም ውግእ ክውላዕ እንከሎ ኣብታ ከተማ'ዩ ነይሩ፤ ኣብኡ ንዓመታት ድሕሪ ምቕማጥ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ምስ ስድራኡ ክወጽእ ወሲኑ።
ሕጂ ካብ ዶብ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ንውሽጡ ደቡብ ሱዳን 45 ኪሉሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ረንክ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ስደተኛታት’ዩ ዘሎ።
ኣብ ጽንኩር እዋን ሙዚቃ ምጽዋትን ምስማዕወን ተስፋ ዝህብ ከምዝዀነ’ዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።
እቲ ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ባህሊ ዝነበረ ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ ግን ነታ ጊታሩ ሒዙ ክወጽእ እንከሎ ነዚታት ሓሲቡ ኣይነበረ፣ ሕጂ ግን ብርግጽ እቲ ክኢላታት ዝብልዎ ብተግባር ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።
“ካብ ካርቱም ክማልኣ እንከለኹ እዛ ጊታር ምሳይ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ስለዝነበራ’የ፤ ካልእ ንብረት ንዓይ ኣይንታየይን’ዩ፡ ኦርጋን’ውን ነይራትኒ’ያ ከባድ ስለዝዀነት ግን ክማልኣ ኣይክኣልኩን።”

ምንጪ ስእሊ, HASSAN LALI/BBC
እቲ ዘገርም ነገር ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ ደራፋይ’ምበር ጊታር ተጻዊቱ ኣይክእሎን’ዩ። እንተዀነ ነታ ኬንዮፕዮ [ብቋንቋ ዲንካ ብልብኻ ምሕሳብ ዝብል ትርጕም ዘለዎ] እትበሃል ትዕጅቦ ጕጅለ ሙዚቃ ኣበርክቶ ንምግባር፡ ኢሉ’ዩ ብ25 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን [41 ዶላር] ነታ ጊታር ዓዲግዋ።
እታ ጕጅለ ባህሊ 37 ደርፍቲ ተጻወትቲ ጊታር፡ ኦርጋንን ከበሮን ዘለውዋ ዓባይ ጕጅለ እያ።
እቶም ጕጅለ ንደቡብ ሱዳናውያንን ሓሓሊፎም ከኣ ንሱዳናውያን ብምዝንጋዕ ገለ እቶት ይረኽቡ።
ብምልኦም ከኣ ልክዕ ከም ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ ካብቲ ኣብ 2013 ከምኡ'ውን ኣብ 2016 ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ካብ ደቡብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ካርቱም ዝኣተዉ’ዮም።
ሕጂ ብዘይካ እቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ምስ ሃደሙ ዝተራኸቡ ሸውዓተ ኣባላት እታ ጕጅለ ባህሊ ኵሎም ፋሕ ፋሕ ኢሎም’ዮም።
እቲ ኣብ እዋን ሰላም ካብ ካርቱም ናብ ረንክ ንምእታው ዝወስድ ዝነበረ ሽዱሽተ ሰዓታት፡ ሕጂ ንጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግን ስድራኡን ውሑስ መንገዲ ንምንዳይ ጥውይዋይን ሓርጐጽጐጽን መንገዲ ስለዝመረጹ መዓልታት’ዩ ወሲድሎም።
ኣብ መንገዲ ፈቐድኡ ፈታሽ ኣሎ፤ እቶም ብረት ዝዓጠቝ ፈታሾ ምልሻታት ጸላእቶም ንምርካብ’ዮም ነቲ ተፍትሽ ዘካይድዎ ዕድል እንተረኺቦም ከኣ ይሰርቁ።
“ንኣረግቶት ስለዘይሓቱ ነታ ጊታረይ ንኣደይ ሓዝለይ ኢለያ፣ እቲ ካልእ ንብረትና ግን ብምልኡ ወሲደሞ’ዮም” ብምባል ነታ ጊታሩ ከመይ ገይሩ ሒዝዋ ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ይነግር።
ሕጂ ንሱ፡ ስድራኡን ኣብቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝጸንሐ ዩኒቨርስቲ’ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ።
ኣብ ካርቱም ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ኣማኢት ኣሽሓት ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ሃገሮም ሃዲሞም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, HASSAN LALI/BBC
ናብቲ እቶም ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዘለዉ ቦታ ምስ ከድካ ብብዝሒ ሰብ መርገጺ እግሪ የብሉን።
እቶም ዝቐደሙ ኣብቲ ዝዓነወ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ክኣትዉ እንከለዉ ዝደሓሩ ግን ካብቲ መሪር ጸሓይ ንምክልኻል ቴንዳን ዝረኸብዎ ኣጭርቕትን ኣብ ዕንጸይቲ ዘርጊሖም’ዮም ተጨቓጪቘም ዝነብሩ ዘለዉ።
ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ ከኣ ኣብ ማእከሎም ነታ ኣብ ጸሊም ሳንዱቕ ዝተዓሸገት ቀያሕ ጊታሩ ሒዙ ናብዝን ናብትን ክብል ይርአ።
ኣብ ውሽጢ እታ ሳንዱቕ እንታይ ከምዘሎ ከርኢ ምስ ከፈታ፡ ምስኡ ኣባል ጕጅለ ባህሊ ዝነበረ ወዲ 34 ዓመት ቦል የል ሪንግ ጊታር ንኽጻወተላ ሂብዎ።
ብሓንሳብ ብዙሕ ሰብ ዕጉግ ክብሎም ጀሚሩ።
ካልእ ነዊሕን ቀጢንን ኣባል እታ ጕጅለ ባህሊ ተጸንቢርዎም ክደርፍ ጀሚሩ።
ኣብቲ ደርፊ፡ “ንሕና ደቡብ ሱዳናውያን ኣዝዩ ብዙሕ ባህርያዊ ሃብቲ’ዩ ዘለና፡ እንተዀነ ጠጠንጢንናዮ ናብ ወጻኢ እናኸድና” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ደርፊ ከም ዝደረፉ፡ ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ የዕልል።
ኣስዒቡ፡ “ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ገዲፍና ኣብ ወጻኢ ኬድና ክንሰርሕ ንመርጽ።”
መብዛሕትኦም ኣባላት ናይታ ኣብ ካርቱም ዝነበረት ጕጅለ ባህሊ፡ ብቐትሪ ዝረኸብዎ እናሰርሑ ዝናበሩ ንተወሳኺ እቶት ከኣ ምሸት ምሸት ሙዚቃ ዝጻወቱ’ዮም። ዳርጋ ኣብ ዝበዝሐ ደርፍታቶም ከኣ ንዓዶምን ነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝገደፍዎም ስድራኦምን ክሳብ ክንደይ ከምዝናፍቕዎም ይገልጹ’ዮም።
ቦል የል ሪንግ፡ “እታ መጀመርታ ዝተጻወትናያ ደርፊ ነዚ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆታትን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ምንባር ክሳብ ክንደይ ከምዘድከመናን እትገልጽ’ያ፤ ነዚ ከምዚ ዓይነት ነገራት ክገልጽ ስለዝደሊ’የ ደራፋይ ሙዚቀኛን ክኸውን መሪጸ” ይብል።
ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ኲናት’ያ ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተነጺላ ሃገር ኰይና።
እንተዀነ ነዊሕ ከይጸንሐት እታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ስለዝኣተወት፡ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰብ ካብታ ሃገረ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደደ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣብ ሱዳን ኲናት ምስ ተወለዐ ከኣ፡ ዛጊት ልዕሊ 40 ሽሕ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣባላት ጕጅለ ባህሊ ኬንዮፕዮን መዛኑኦምን ከካብ ዝተወለዐ ግጭት ምህዳም ኰይኑ ኣሎ ዕጫኦም።
ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሱዳናዊ ኢድሙንድ ያካኒ “እዞም ሰባት እዚኦም እንተርኢናዮም መጀመርታ ዘጥረይዎ ንብረት ብሰንኪ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2013 ከምኡ'ውን ኣብ 2016 ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ራሕሪሖሞ ሃዲሞም፡ ሕጂ ከኣ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ኲናት ካልእ ክሳራ ኣስዒቡሎም ኣሎ፤ ድርብ ወጽዓ’ዩ፡” ብምባል ይገልጾ።
ደቡብ ሱዳን ዋላ’ኳ ካብ ሱዳን ትፈለ፡ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር ኣብ ሱዳን ዝተሞርኮሰ ስለዝዀነ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት እናብኣሰ እንተኸይዱ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዘሕድሮ ጽልዋ’ውን እናብኣሰ’ዩ ክኸይድ።

ምንጪ ስእሊ, HASSAN LALI/BBC
ሪንክን ካልኦት ኣብዚ ዶብ ዝርከባ ከተማታትን መዓልታዊ ሓደስቲ ካብ ኲናት ዝሃደሙ ሰባት የዕለቕሊቐን ኣለዋ። ኣብቲ ቦታ ዋሕዲ ቀረብ ስለዘሎ ከኣ ኵሉ ነገር ብዕጽፍታት’ዩ ወሲኹ ዘሎ።
ደቡብ ሱዳን እትረኽቦ ሸርፊ ወጻኢ እቲ 90 ሚእታዊት ካብቲ ብሱዳን ኣቢላ ንሰደድ እትልእኮ ዘይተጻረየ ነዳዲ’ዩ ዝመጽእ።
ሕጂ ግን እቲ ብትቦ ናብ ሱዳን ብኡኡ ኣቢሉ ከኣ ናብ ወጻኢ ዝልኣኽ ዝነበረ ጭቃ ነዳዲ፡ ደው ኢሉ’ዩ ዘሎ፤ ብኡኡ መንጽር ከኣ ትረኽቦ ዝነበረት ሸርፊ ወጻኢ’ውን ደው ኢሉ ኣሎ።
እዚ ኣብ ቍጠባ እታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝተጸመደት ሃገር ዝፈጥሮ ጽልዋ ሰፍ ዘይብል’ዩ ክኸውን፤ እቲ ጽልዋ ካብ ቍጠባ ሓሊፉ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር’ውን ጸቕጢ ምፍጣሩ ኣይክተርፎን’ዩ።
ጕጅለ ባህሊ ኬንዮፕዮ፡ ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግ እቶም ካልኦትን’ውን በታ ቀያሕ ጊታር ተሰንዮም ነቲ ከይመጽኦም ዝፈርሕዎ ዘለዉ ካልእ ግጭትን ወጥርን’ዮም እናኣስቈርቈሩ ብደርፊ ዝገልጽዎ ዘለዉ።
ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግን ብጾቱን በታ ቀያሕ ጊታር ተሰንዮም፡ “ውጹ ሃገርኩም ኣማዕብሉ፡ ኣምላኽ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ሃብታም ሃገር እንተሂቡኩም፡ ነጻነት’ውን እንተሃልይለኩም፡ ውጹ ተሓጋጊዝኩም ሃገርኩም ኣማዕብሉ” እናበሉ ይደርፉ ኣለዉ።
እንተዀነ ድምጺ ብረት እናተሰምዐ፡ ድምጺ ተዅስን ዕግርግርን ኣብ ዝዓብለለሉ፡ ድምጺ እታ ቀያሕ ጊታር፡ ድምጺ ደርፊታትን ስነጥበብን በዓል ጆሴፍ ማሊቲ ማትያንግን ክንደየናይ ከይስማዕ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







