‘ንሕና ህይወት ንፈጥር፡ ንሳቶም ይቐትሉና’

ብመብራህቲ ሞባይል ዘሕርሳ ዘለዋ ሓካይም ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, DR HOWAIDA AHMED AL-HASSAN

መግለጺ ስእሊ, ብመብራህቲ ሞባይል ዘሕርሳ ዘለዋ ሓካይም ሱዳን

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ብዘይካ ውሑዳት ሆስፒታላት ኩለን ከም ዝተዓጸዋ ይዝረብ።

እተን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣይረኽባን።

እዚ ድማ ነተን ሓካይምን ነተን ነፍሰጾር ኣደታትን ካብቲ ልሙድ ዝያዳ ውጥረት ዝመልኦ ተመክሮ ክኸውን ይገብሮ ኣሎ - ብፍላይ መጥባሕቲ ዘድሊ እንተደኣ ኰይኑ።

"መጥባሕቲ ንምክያድ መብራህቲ ሞባይላት ንጥቀም ኣለና" ክትብል ሓኪም ማህጸን ዶክተር ሆዋይዳ ኣሕመድ ኣልሓሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኸቶ ቪድዮ ሓቢራ።

ዶክተር ሆዋይዳ ኣብ ሓንቲ ነፍሰጾር ኣደ መጥባሕቲ እናገበረት ከላ እያ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ቀሪጻቶ።

እተን ኣብቲ ቦታ ዘለዋ ሓካይም ኩለን ደቂ ኣንስትዮ እየን፤ ነታ ዶክተር ከቢበን መብራህቲ ቴለፎነን ወሊዐን ኣብቲ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ቦታ ከብርሃ ይረኣያ።

ዶክተር ሆዋይዳ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይልታት ከቢድ ውግእ ምስተላዕለ፡ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም፡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልባን ጃዲድ፡ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ሰሙናት ካብ ዝጸንሑ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ሓካይም ማህጸን ሓንቲ ’ያ።

ኣብቲ ናብ ቢቢሲ ዝለኣኸቶ ቪድዮ፡ ነርስታት ዘለዎም ክፍልታት ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ንዝወልዳ ኣዴታት ክሕግዛ ኣርእያ።

"እቲ ኵነታት ብሓቂ ሕማቕ'ዩ። ኣብ ሆስፒታል ንመዓልታት ጸኒሕና። ምሉእ ብምሉእ ናይ ግዜ ስምዒት ጠፊኡና’ዩ። መዓልቲ ድዩ ለይቲ ኣይንፈልጥን ኢና" ትብል።

"ኣብቲ ሆስፒታል ውሑድ ሰራሕተኛታት ሕክምና እዮም ዘለዉ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይቋረጽ፡ ንመጥባሕቲ ዝኸውን ጀነሬተራት ከይንውልዕ ድማ በንዚን የብልናን።"

እቲ ክፍሊ መዋለዲ ኣዝዩ ህጹጽ ክንክን ማህጸን ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ ዝመልአ ከም ዝዀነን ብዙሓት ካብኣተን ድማ መጥባሕቲ ከም ዘድልየን ገሊጻ።

"መጥባሕቲ ኣብ ድኹም ብርሃን ዘለዎም ክፍልታት ክንፍጽሞም ልዑል ሓደጋታት ወሲድና ኢና። እኹል ባእታት የብልናን።"

"ኣማኸርቲ ሓፈሻዊ መደንዘዝን ክኢላታትን ኣብ ዘይብሉ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ነፍሲ ወከፍ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕርሲ 10 ሰዓታት ጥራይ ጸኒሐን ክነፋንወን ተገዲድና ኣለና።"

በሻያር ኣልፋዲልን በዓል ቤታን ንሕርሲ ናብ ሆስፒታል ንምብጻሕ ብማእኸል ተዅሲ ክሓልፉ ተገዲዶም

ምንጪ ስእሊ, BASHAYAR AL-FADIL

መግለጺ ስእሊ, በሻያር ኣልፋዲልን በዓል ቤታን ንሕርሲ ናብ ሆስፒታል ንምብጻሕ ብማእኸል ተዅሲ ክሓልፉ ተገዲዶም

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ከባቢ ካርቱም፡ ከቢድ ውግእ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ 219 ሽሕ ነፍሰጾራት ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዋ ከም ዝእመን ፈንድ ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ገሚቱ ነይሩ።

ኣብ ጥቓ ምጅማር እቲ ውግእ ኣስታት 24 ሽሕ "ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት" ክወልዳ ምዃነን’ውን ገሊጹ ነይሩ።

ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ባሻየር ኣልፋዲል እያ ነይራ። ኣብ ካርቱም ግጭት ምስ ተላዕለ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እያ መጥባሕቲ ገይራ።

ምስ ቢቢሲ ብቪድዮ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ነታ ጓል ሓደ ሰሙን ዕሸላ ክትሓቁፍ ትረአ።

ዕድለኛ ኮይና ግን ኣገልግሎት ዝህብ ሆስፒታል ከም ዝረኸበትን ኣብ መንጎ ልዑል ተኹሲ ከም ዝተቐበላን ትገልጽ።

"ኣብ ጎደናታት ነትጒ ይስማዕ ነይሩ" ትብል።

ኣብ ካርቱም ካብ ዘለዋ ሽዱሽተ ሆስፒታላት ሓንቲ ጥራይ ብሙሉእ ዓቕማ ትሰርሕ ከም ዘላ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ባሻየር ኣልፋዲል ንጓላ ኦማይማ ኢላ ሰምያታ፡ እንተዀነ ግን ልደታ ክምዝገብ ኣይከኣለን

ምንጪ ስእሊ, BASHAYER AL-FADIL

መግለጺ ስእሊ, ባሻየር ኣልፋዲል ንጓላ ኦማይማ ኢላ ሰምያታ፡ እንተዀነ ግን ልደታ ክምዝገብ ኣይከኣለን

'ህይወት ንፈጥር፡ ንሳቶም ይቐትሉና'

መሕረስቲ ግና ኣገዳሲ ተራ ይጻወታ ኣለዋ፡ ገሊአን ድማ ክሳብ ናብ ገዛ ምብጻሕ የካይዳ እየን።

ስማ ዘይገለጸት መሕረሲት፡ "ንሓንቲ ኣብ ሕርሲ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ክሕግዝ እንተኽኢለ ብቴለፎን ምስ ተሓተትኩ፡ ብኡ ንብኡ ብዘይ ምሕላል ናብ ገዝኣ እየ ዘምርሕ" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

"መብዛሕትኡ እዋን ብዘይ ገለ ጸገም የዋልድ። ጸገም ወይ ምትሕልላኽ እንተጋጢሙ ድማ፡ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝሰርሕ ሆስፒታል እሰዳ" ትብል።

ሓኪም ማህጸን ዶክተር ሆዋይዳ ኣሕመድ ኣልሓሰን፡ መንፈስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ንምልዕዓልን ዕሸላት ብውሑስ መንገዲ ክውለዱን ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ትገልጽ።

"ክልተ ነፍሳት ብህይወት ክጸንሓ ንሕግዝ ኣለና - ኣደን ህጻንን። ንሕና ህይወት ንፈጥር፡ ንሶም ይቐትሉና” ትብል።