ሚሊሻታት ዳርፉር ምሉእ ዓዲ ኣቃጺሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሱዳን ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ዝርከባ ዓድታት ብዘመትቲ ሚሊሻታት ዓንየን፤ ትካላት ሓገዝ እቲ ዞባ ኣብ ኣፍ “ቅዝፈታዊ ሰብኣዊ ቅልውላው” ከም እትርከብ የጠንቅቝ።
ኣብታ ዞባ ብሰንኪ ዝተፈጸመ ሰፊሕ ዝምታን ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ መሰረተ ልምዓት ዝወርድ ዕንወት ብዙሓት ብዘይ መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን ክተርፉ ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን (RSF) ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም ዝጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣህዲእዎ ይርከብ።
እንተዀነ እቲ ውግእ ኣብ ዳርፉር ክቕጽል እንከሎ፡ እቲ ሻውዓይ ሰሙኑ ሒዙ ዘሎ ግጭት እታ ዞባ ናብ ሓያል ናዕቢ ኣጥሒሉዋ ኣሎ።
እቶም ካብቲ ኲናት ክሃድሙ ዘይክኣሉ ነበርቲ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ዝነብሩሎም ከባቢታት ጐዳጕዲ ኲዒቶም ነብሶም ከድሕኑ ክጽዕሩ እንከለው፡ ነቶም እግረ መገዶም ኵሉ ዘዕንዉ ዝነበሩ ሚሊሻታት ንምክልኻል’ውን ጻዕሪ ገይሮም’ዮም።
እዚ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ምብራቕ ዳርፉር ንያላ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዝሃቦ ሓበሬታ እዩ።
ቢቢሲ ዝርኣዮም ስእልታት ሳተላይት ድማ ኣብ ጥቃ ጋዜጠኛ ንያላ ዘለዎ ደቡብ ዳርፉር እትርከብ ኣቡ ኣዳም ዝተባህለት ዓዲ ምሉእ ብምሉእ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለት የረጋግጹ።
እቲ ኣብ ታሕቲ ዝርአ ዘሎ ዝጸለመ ስእሊ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS PBC
ከተማ ንያላ ንርእሳ ብሰንኪ እቲ ኵነታት ኣብ መጻብብ እትርከብ ኰይና፡ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ምስ ሰባት ንምዝርራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ እዩ።
መስመራት ርክብ ዳርጋ ተቛሪጾም’ዮም።
ጋዜጠኛ እቲ ከባቢ ኢሳ ዳፋላህ፡ “ብዓሰርታት ፒክ ኣፕ መካይንን ብርክት ዝበላ ሞተር ሳይክልን ዝመጽኡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጠያይቲ ሒዞም ነታ ከተማ ወሪሮምዋ፤ (ብ19 ግንቦት) ኣብያተ ጽሕፈት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ድኳናትን ተዘሚቶም” ክብል ሓቢሩ።
ወሲኹ፡ “እቲ ሆስፒታል ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዞባ ስለ ዝነበረ ጥርሑ’ዩ ተሪፉ፤ መብዛሕትኦም መደበራት መድሃኒት ተዘሚቶም’ዮም። እቶም ምልሻታት ናብቲ መንበሪ ከባቢታት ንኸይኣትው ንምክልኻል ኣብ ኒያላ ዝርከቡ መንበሪ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ብእምንን ዝተዅዓቱ ጐዳጉድን ተዓጽዮም ኣለዉ” ይብል።
እዚ ዞባ፡ ብሰንኪ ካልኦት ዝጸንሑ ጐንጺታት ንኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክሕግዝ ተጸጊሙ ዝጸንሐ እዩ።
ኣብ ኒያላ ዝርከብ ተሓላቒ መሰላት፡ ብሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነብሩ ዝጸንሑ ልዕሊ 600 ሽሕ ተመዛበልቲ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ን40 መዓልታት ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ ተዛሪቡ።
ስእልታት ሳተላይት እቲ መጥቃዕቲ ስቪላውያን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ኣብ ዝረኽቡሎም ቦታታት ከይተፈረ ከም ዝተፈጸመ የርእዩ፤ ንኣብነት ዓቢይ ዕዳጋ እታ ከተማ ገለ ክፋሉ ብሓዊ ዓንዩ ይርአ።

ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS PBC
እዚ ዓቢይ ክሳራ’ዩ፣ ምኽንያቱ ንያላ ነቲ ዞባ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝኸውን ቀረባት ዝርከበላ ከተማ እያ።
ሰባት ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ብምህላዮም፡ ነዚኦም ንምሕጋዝ ናብ ዳርፉር ንምእታው ዝጸባበዩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ጫድ ተኣኪቦም ይርከቡ።
ሰራሕተኛ ዘይመንግስታዊ ትካል ፈረንሳይ ሶሊዳሪቲስ ኢንተርናሽናል ጀስቲን ሙዚክ ፒኲማል “ኣዝዩ ልዑል ሓደጋ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ግን ብዝተኽኣለ መጠን ሰብኣዊ ሓገዝ ክንሰድድ ንደሊ - ምኽንያቱ ደሓር እንታይ ከም እንረክብ ስለ እንፈልጥ - ፈቘዶኡ ኣስክሬን ኢና ክንረክብ፡ ማይ፡ መግብን ዓይኒ ምድርን ኣይርከብን” ኢላ።
ንሳ፡ 13 ቶን ሓገዝ ኣተኣኻኺባ ትርከብ፤ በዚ ናብ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ከተማ ኤል ጄኒና ማይ ዝርከቦ ሓገዛት ከተብጽሕ ተስፋ ትገብር።
ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መፋርቕ ሚያዚያ እዮም ካብታ ከተማ ወጺኦም።
ስእልታት ሳተላይት ግን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት ከም ዝወሰኸ የርእዩ፤ እዚኦም መሰለት ልምዓት ሲቪላት ዝነበሮም ከም ዝዀኑ ጀስቲን ትዛረብ።
“ኣብ መጀመርታ ኣብ ካርቱም ከም ዝርኣናዮ ወተሃደራዊ ቦታታት ኣይኰኑን ዒላማ ተገይሮም። ዝያዳ መሳለጢያታት ጥዕና፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መሳጊድ፡ መሳለጥያታት ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኳዓሳሉ ሲቪላውያን ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ነገራት ተቓጺሉ ወይ ዓንዩ’ዩ” ትብል።
ንሓገዝ ዝመጽአ መግቢ ተዘሚቱ’ዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ 17 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢ ኣብ መጀመርታ ሰሙናት እቲ ውግእ ከም ዝተዘምተ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ማእከላይ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ዛሊንጌይ፡ ሕጂ ማእከል እቲ ውግእ ኰይና ኣላ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት መብራህትን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ጠፊኡ እቶም ዕጡቃት ሚሊሻታት ኣብ ዕጽዋ ኣእትዮምዋ ኣለው።
ቢቢሲ፡ እቲ ኵነታት “መቕዘፍቲ” እዩ ዝመስል ብምባል ካብ ዝገለጾ ሓደ ውልቀሰብ ናይ ጽሑፍ መልእክቲ ክረክብ ክኢሉ’ዩ።
“ሕጂ ቀረባት መግቢ ብምሉኦም ምውድኦም እዩ እቲ ዝኸፍአ ነገር” ይብል።
ብዙሓት ነበርቲ እቲ ዝምታን ምቅጻል እተን ከተማታትን ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብዘለዎም ሚሊሻታት ይፍጸም ከም ዘሎ ይገልጹ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) መበቈሎም ዳርፉር እዩ።
መራሒ እቲ ሓይሊ ጀነራል ሓምዳን “ሕሜቲ” ዳጋሎ ብቐጥታ ንወተሃደራቱ'ኳ እንተዘይተዛረበ ምርግጋእ ክህሉ ጸዊዑ።
ኣብ ኤል ጄኒና ንዘሎ ህዝቢ ኣብ ዝልኣኾ ዝተቐድሐ መልእኽቲ “ዞባውነትን ቀቢላውነትን ንጸጉ፤ ኣብ መንጐኹም ዘሎ ውግእ’ውን ደው ኣብሉ። ብህጹጽ ኣብ መንጐኹም ዘሎ ውግእ ደው ኣብሉ” ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ውግእ ንጹር ኣይኰነን፤ ነቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለው ገዘፍቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት እታ ሃገር ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት - ዓርሶም ንምሕላው ዝተዓጠቝ ሲቪላውያንን ጃንጃዊድ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓሌት ዓረብ ዝዀኑ ተዋጋእትን ይርከቡ።
ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝነበረ ኲናት ጃንጃዊድ ብሄሮም ዓረብ ዘይኰኑ ጕጅለታት ንምድምሳስ ብፕረዚደንት ነበር ኦማር ኣልበሽር ዝተወደቡ’ዮም። ኣብቲ እዋን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም።
ጃንጃዊድ ድማ፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ብምፍጻም ይኽሰሱ።
እቲ ሕጂ ዝተወልዐ ውግእ ድማ፡ ነዞም ዝጸንሑ ወጥርታት ኣለዓዒሎም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







