ቅልውላው ሱዳን፡ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ኵነታት እንታይ ይመስል?

ጀነራላት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን፡ ኣብ ጅዳ ብመንጐኝነትን ጸቕጥን ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን፣ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝበጽሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምዕባለታት እንታይ ከም ዝመስልን ብዙሓት ክሰምዕዎን ክርእይዎን ዝደልዩ እዩ። ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታት ብምንቃልውን ብሓቂ እዚ ውዕል ክጸንዕ ይኽእልዶ? ዝብልውን ንብዙሓት ዘሰክፍ ዘሎ እዩ።

ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርአ ዘሎ ግህሰታት መሰላት ዘተሓሳሰቦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን እቶም ተፋጢጦም ዘለዉ ዓርሞሽሽ ጀነራላት ሓላፍነቶም ክዋጽኡ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ክልተ ጀነራላት ጾታዊ ዓመጽ ደው ከብሉን ህይወት ሰላማውያን ሰባት ክድሕኑን ኣተሓሳሲቡ።

ቮልከር ቱርክ ነቲ ግጭት ልቢ ዝሰብር እዩ፡ ኢሉ ብምግላጽ ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነቲ ጣቋ ኣልቦ ዓመጽ ዝበሎ ብቕልጡፍ ደው ከብልዎ ጸዊዑ።

ትማሊ ሰኑይ ግዝያዊ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ግብራዊ ካብ ዝኸውን ንደሓር እቲ ውግእ’ኳ እንተዝሓለ፡ ገለ ነበርቲ ካርቱም ግን ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኽ ግጭት ከምዝነበረ ይሕብሩ።

ኣብ ኣልዑበይድ - ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜን ኮርዶፋን - ሓደ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ዕሽሽ ስለዝተባህለ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, ABD AL-MOHIMEN SAYED

ክልቲኦም ተቐናቀንቲ ን 7 መዓልታት ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ከምተን ዝሓለፋ ዝተጣሕሳ ስምምዓት ምሉእ ብምሉእ'ኳ እንተዘይተጣሕሰ፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ ሱዳን ዝዀነት ካርቱም ብቕድሚ ትማሊ 23 ግንቦት ሓሓሊፉ ተዅሲ ከምዝተሰምዐን ነፍርቲ ኲናት ኣብ ክሊ ሰማይ እታ ከተማ ክዝንብያ ከም ዝተረኣያን ነበርቲ ገሊጾም።

መሰካኽር ዓይኒ ንመርበብ ሓበሬታ ባጅ ከም ዝበሎ፡ ውዕል ጅዳ ኣብ ቦታኡ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ገለ ሸነኻት ካርቱም ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ተሰሚዑ ኢሉ። ይዅን እንበር እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ገለ ከባቢታት ተዛማዲ ሰላም ከምዘስተማቀረት'ውን ኣይሓብአን።

ክልቲኦም ወገናት ብ20 ግንቦት ኣብ ጅዳ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተፈራራረሙ ዝዝከር ኰይኑ፡ በቲ ብ 15 ሚያዝያ ዝተወልዐ ግጭት ሓድሕድ ዛጊት ብውሑዱ 863 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቀትሉን 3531 ከም ዝቘሰሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ንሆስፒታላት ከም ዝተቘጻጸረ ብሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን'ኳ እንተተኸሰሰ እቲ ብሌተናል ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ዝምራሕ ሰራዊት ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ግን “እዞም ሚኒስትሪታት ሓሶትን ግጉይ ሓበሬታን ይነዝሑ ኣለዉ” ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ይዅን እምበር "ዕጡቓት ኣባላት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ብንጹር ን ኣህጉራዊ ሕግታት ብንጹር ብምጥሓስ ናብ ሆስፒታል ኣልባን ጀዲድ ኣትዮም ንሰራሕተኛታት ሕክምናን፡ ሕሙማትን ኣለይቶምን ብምጽራፍን ኣብ ኮሪድዮ እቲ ሆስፒታል ጥይት ብምትኳስ ኣፍራሪሆም፡" ክብል ሲንዲኬት ሓካይም ሱዳን ኣብ ገጻት ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ ነይሩ።

ሽሕ'ኳ ስፍሕ ዝበለ ተዅሲ ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻባትን ክስን እንተሃለወ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።

እቲ ግጭት ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዘስዓቦ ገልታዕታዕ

ብሰንኪቲ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰላማውያን ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብቲ ውግእ ዝሃድሙ ዘለዉ ሱዳናውያንን ዜግታታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ህይወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ንምእታው ብዙሕ ሽግራት የጋጥሞም ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጺን ብዙሓት ስድራቤታት፡ ናብታ ሃገር መእተዊ ተኸሊአን ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዘለዋ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ጓል 24 ዓመት ተመሃሪት ዩኒቨርስቲ ናካፒ ሳምባ ምስ ሰለስተ ኣሕዋታን ወለዳን ብ30 ሚያዝያ፡ ካብቲ ኲናት ሂወቶም ንምድሓን ካብ ካርቱም ናብ ግብጺ ዝሃደሙ ስድራ እዮም።

እዛ ስድራቤት ናብ ዶብ ግብጺ ንኽትበጽሕ እዚ ዘይበሃል መሰናኽል ሓሊፋ እኳ እንተመጸት ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዋዲ-ሃልፋ መእተዊ ቪዛ ክጽበዩ ኣብቲ ዶብ ዳርጋ ወርሒ ኣቝጺሮም ከም ዘለዉ ይገልጹ።

እዛ መበቈላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝዀነት ስድራቤት ካብ ሽዑ ኣትሒዛ መእተዊ ቪዛ ክሳብ ዝወሃባ ኣብ መስጊድ እያ ትነብር ዘላ።

ሳምባ ንቢቢሲ ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ ራድዮ፡ ብዛዕባ ምረት እቲ ኵነታት ክትገልጽ እንከላ “ዘለናዮ ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ መሬት ኢና ተደርቢና ንውዕል ንሓድር ዘሎና፡ ብዘብኡውን ጽሩይ ማይ ክትረክብ ዘይሕሰብ እዩ፡” ትብል።

ስድራቤታ ኣብዚ ግዜዚ ኣታዊ ዝበሃል ዘይብሎም ምስ ምዃኖምም፡ ኣብታ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ድማ ኵሉ ነገር ክትገብር ወላ'ውን ዓይኒ ምድሪ ክትጥቀም ገንዘብ ስለዘድልየካ እቲ ኵነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ሳምባ ተረድእ።

“ኣብዚ ዝዀነ ይዅን ነገር እንተደሊኻ ኵሉ ብሰልዲ እዩ። ካብ ዕዳጋ ኣስቤዛ ገዚእና መግቢ ከይንሰርሕ'ውን ንሓዊ ዝኸውን ዕንጸይቲ ስለዘብልና፡ ስሩሕ መግብን ዕሹግ ጠዓሞትን ጥራይ እና ንገዝእ።

"እቲ ስድራይ ዘዋህለልዎ ገንዘብ ድማ ነዊሕ ከኺደና ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክረዳኣና ዝኸእል፡” ትብል።

ብዙሓት ስድራቤታት ተመሳሳሊ ሽግር የሕልፉ ከም ዘለዉ እዩ ዝንገር።