ቅልውላው ሱዳን፡ ክልቲኦም ወገናት ንሸውዓተ መዓልታት ቶኵሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን መራሕቲ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኲሲ ክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ሰዓታት ከይኣቁጸረ ክፈርስ ጸኒሑ’ዩ።
እንተዀነ እዚ ሕጂ ዝተበጽሐ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ተመሳሳሊ ዕጫ ንከየጋጥሞ “ነቲ ምቁራጽ ቶኵሲ መቆጸጸሪ ኣገባባት” ከም ዝተገበረሉ እተን ነቲ ሽምግልና ዝመርሓ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ ሓቢረን።
እቶም ተጻባእቲ ወገናት፡ ብዘይካ እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ፡ መሰረታዊ ነገራት ዳግማይ ንኽጅምሩ’ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ኣብ ሞንጎ በዞም ክልት ጀነራላት ዝመርሑ ሰራዊት 15 ሚያዝያ2023 ኵናት ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብታ ሃገር መግቢ፡ ሰልድን ካልእ መሰረታውያን ነገራትን ብርኡይ ከንቆልቑል እንከሎ ብፍላይ ኣብታ ሕምብርቲ ኵናት ኰይና ዘላ ካርቱም እቲ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ብተደጋጋሚ ክሕብራ ጸኒሐን’የን።
ክልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበጽሕ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመርን ሰራዊት ካብ ዓሪደሙሉ ዘለዉ ሆስፒታላት ከንሳሕቡን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።
ኣብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ንኽልቲኦም ወገናት ዘሸማገላ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ካብ ጸባሕ ንግሆ ንስዓት ዓሰርተ ርብዒ ጎደል ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገሊጸን ኣለዋ።
ክልቲአን ኣሸማገልቲ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኣለ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ እዞም ክልተ ወገናት ከም ኣብነት ብምውሳድ እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ ካብኡ ዝተፈለየ ከም ዝዀነ ኣብቲ ብሓባር ዘውጽአኦ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ።
ኣብቲ መግልጺ “ዘይከም እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዓት ምቁራጽ ቶኵሲ፡ እዚ ኣብ ጅዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብኣሜሪካ፡ ስዑድያን ካልኢት ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝድገፍ መቆጻጸሪ ኣገባባት ክህልዎ’ዩ” ዝብል ሰፊሩ ኣሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ብትዊተር ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ “ሕጂ ድምጺ ብረት ሃጢሙ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ዝኣትወሉ ግዜ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ክልቲኦም ወገናት በዚ ስምምዕ ክግዝኡ ክምሕጸን ይፈቱ፡ ምሉእ ዓለም’ዩ ኣዒንቱ ናብኡ ተኺሉ ዘሎ” ኢሉ።
ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ክልቲኦም ኣቦ ወንበርን ምክትልን ናይቲ ንሱዳን ክመርሕ ዝጸንሓ ልኡላዊ መንግስቲ ኰይኖም ተመጣጣኒ ዝዀነ ሓይሊ ሰራዊት ዝጸንሖም ጀነራላት’ዮም።
ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ’ዞም ክልተ ጀነራላት 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኵናት ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሕበራት ሃገራት ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ኩነታት ካብዚ ዘከዎ እናብኣሰ ከይከይድ ዘለዎ ስክፍታ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።
እዞም ክሸማገሉ ናብ ስዑድ ዓረብ ዘምርሑ ክልተ ወገናት ንክልተ ሰሙን ኣብ ርሱን ክትዕ’ዮም ቀንዮም።
11 ግንቦት 2023 ክልቲኦም ወገናት ናብ ሱዳን ሰብኣዊ ረድኤታት ዝበጽሓሉ መንገዲ ከጣጥሑን ኣብ ማእከል ኵናት ዝርከቡ ሰለማውያን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ንኽወጽኡ መንገዲ ክኸፍቱን ምስምምዖም ዝዝከር’ዩ።
እንተዀነ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍትስ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እቲ ኣብ ጅዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ባይታ ከምዘይተተግበረ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ገና ኣብ ርሱን ኵናት’ዮም ዘለዉ፡ ትማሊ ኣብተን ክልተ ምስ ካርቱም ዝዳወባ ደቡባዊ ክፋል ኡምዱርማን ሰሜናዊ ክፋል ባሕርን ብርቱዕ ኵናት ከም ዝውዓለ ጸብጻባት ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







