ቅልውላው ሱዳን፡ ንሓደ ወርሒ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት እንታይ ይመስል?

ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን [ሕሜቲ] [ጸጋም] ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን [የማን]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን [ሕሜቲ] [ጸጋም] ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን [የማን]

ዋላ’ኳ እቲ ብመንጎኝነት ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዕርቂ ብብዙሕ ይንገረሉ እንተሃለወ፡ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ውድባት ሱዳን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ኲናት መወዳእታ ዘይብሉ ይመስል።

ኣብ መንጎ እቶም ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር ንሱዳን ክመርሑ ዝጸንሑ ጀነራላት፡ ብ15 ሚያዝያ ደማዊ ግጭት ከም ዝተለዓለ ይዝከር።

ክልቲኦም ወገናት ብዞባውን ኣህጉራውን መሻርኽቲ ዝካየድ ሓያሎ ስምምዓት ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓሶም ብውሕዱ 676 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቈሲሎም እዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ብ11 ግንቦት ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ወደባዊት ከተማ ጅዳ "ኣዋጅ መትከላት" ብምፍራም፡ ንሲቪላውያን ካብ ዓመጽ ንምክልኻልን ካብ ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽአቱ ንምፍቃድን ቃል ኣትዮም።

ይኹን እምበር ቀጻሊ ኲናት፡ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሉ ኣዛዚ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍን ሌተናል ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ እቲ ኵነታት ንምቁጽጻር ክሳብ ክንደይ ፍቓደኛታት ምዃኖም ዘርእይ እዩ።

መን ይዕወት ኣሎ?

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን፡ ዓመጽትን ሲቪላውያን ፖለቲከኛታትን ዝተገብረ ናይ ስልጣን ምክፍፋል ስምምዕ፡ ንሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብ ሰራዊት ምውህሃድ ዝብል ክትዕ ነቲ ግጭት ኣቀላጢፍዎ።

ድሕሪ ናይ መዓልታት ወተሃደራዊ ምድላዋት ብሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን፡ ኣብ ድሮ 15 ሚያዝያ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኣብ ጥቓ ወሰንቲ ትካላት ጸጥታ ካልእ ክፋላት እታ ሃገርን ግጭት ተላዒሉ።

ሕሜቲ ኣብ ልዕሊ ቡርሃን ቅልጡፍ ዓወት ከምዘመዝግብ ቃል ኣትዩ፤ ብኣግኡ ኣብታ ርእሰ ከተማን ካልእ ቦታታትን ኣንጻር ሰራዊት ዓወታት ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከም ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት፡ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ርእሰ ከተማን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ መሮዌን ደቡባዊት ከተማ ኤል-ኦበይድን ዝርከባ መደበራት ኣየርን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ትካላት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ሰራዊት፡ ብሚግ 29 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ነቲ መጥቃዕቲ ንድሕሪት ብምድፋእ ንወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ካብ መሮዌ ምስ ኣውጽአን ኣብ ግዝኣት ካርቱም ዝርከባ ዓበይቲ መደበራቱ ምስ ኣዕነወን ግን እቲ ናህሪ ተዓጊቱ።

ዋላ’ኳ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጸረ-ነፈርቲ ኣጽዋር እንተሃለዎ፡ ኣድማዕነት ሓይሊ ኣየር ሱዳን ግን ንሰራዊት ሱዳን ዓብላልነት ሂብዎ። ነፈርቲ ውግእ መዓልታዊ ንዕላማታት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ምድብዳብ ይቕጽላ ኣለዋ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ኵነታት ምክልኻል ዘሎ ይመስል፤ ኣብ ካርቱም፡ ኦምዱርማንን ባሕሪን ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ከባቢታት ዝዓስከሩ ተዋጋእቱ ዒላማ መጥቃዕቲ ኣየር ኰይኖም።

እዚ ድማ ንብዙሕ መጉዳእቲ ሲቪላውያንን ዕንወት ወሰንቲ ትሕተ ቅርጺ ሆስፒታላትን ኣስዒቡ እዩ።

መን እንታይ ይቆጻጸር?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራዊት እታ ሃገር፡ ካብተን 18 ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ነተን 13 ከም ዝቆጻጸርን፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሰላ፡ ኣልቃዳሪፍ፡ ኣልጀዚራ፡ ሩባ ኣባይ፡ ሲናር፡ ብሉ ናይል፡ ዋይት ናይልን፡ ሰሜናዊ፡ ደቡብ ኮርዶፋን፡ ምዕራብ ኮርዶፋን ሓያል ህላወ ወተሃደራት ከም ዘሎን ገሊጹ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኮርዶፋን ዝዀነት ኤል-ኦበይድ እውን ስፍሕ ዝበለ ውግእ ከምዝተኻየደ ተገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከም ዝዀነ ዝግመት ምዕራባዊ ዞባ ዕርዲ ዳርፉር፡ እቶም ንኡሳን ወተሃደራዊ ሓይልታት ንዝዀነት ዓባይ ከተማ ክቆጻጸሩ ኣይከኣሉን።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት፡ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ንሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ካብ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ደቡባዊ ዳርፉር ንያላ ደፊኡ ኣውጺኡ፡ ኣብ ኤል-ፋሺር፡ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ንዝርከብ መደበራት ኣየር ናይቲ ህጹጽ ደገፍ ከምዘጥቅዐ ይንገር።

ኣብ ምብራቕ ዳርፉርን ማእከላይ ዳርፉርን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዓቢ ግጭት’ኳ እንተዘይተራእየ፡ ነዘን ክልተ ግዝኣታት መን ከምዝቆጻጸረን ግን ንጹር ኣይኰነን።

ብወገን ሰራዊት ዘሎ ዓብላልነት ሓይሊ ኣየር ግን ነቶም ብውግእ ዝተረሩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ካብ ርእሰ ከተማን ጎረባብቲ ከተማታትን ክፍለ ግዝኣት ካርቱም ከውጽኦም ኣይከኣለን።

ኣብ ወሰን ከተማ ኦምዱርማን ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዝተፈጸሙ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ካርቱም ብዝመጹ ደገፍቲ ተጋደልቲ ከም ዝተመከቱ ይግለጽ።

ብ1 ግንቦት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ኣባላቱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዘርኢ እዩ ዝተባሃለ ቪድዮ ዘርጊሑ፤ ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት ድማ ኣብ ካርቱም ዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ዘርእዩ ቪድዮታት ተዘርጊሖም።

ካብዚ ሓሊፉ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ክሳዕ ሕጂ ካብ ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ዝመጹ መስመራት ቀረብ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ምሉእ ብምሉእ ክቖርጽ ኣይከኣለን።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ግጭት ክፍጠር ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ቀንዲ ዕላማ ናይቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ነተን ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩለን ከተማታት ካርቱም፡ ኦምዱርማንን ባሕሪን ከምኡ’ውን ንመብዛሕትኡ ቀንዲ ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ምቁጽጻር እዩ ዝመስል።

ሰራዊት ሱዳን ንመብዛሕትኡ ድልድላት፡ ከምኡ’ውን ኣብተን ሰለስተ ከተማታት ዝርከባ ዓበይቲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ይቆጻጸር።

ብተወሳኺ ገለ ክፋል ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንትን ገለ ከባቢታት ከተማታት ካርቱምን ባሕሪን ዳግማይ ከምዝሓዘ’ውን ዝእመን ኰይኑ፡ ነፈርቲ ውግእ ብዓቢኡ ኣብታ ግዝኣት ዝርከባ ዓበይቲ መደበራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከምዘዕነዋ ይግለጽ።

ንሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ካብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ንምውጻእ ዝግበር ብርቱዕ ቃልሲ እናተጠናኸረ ብምምጽኡ፡ ነቲ ብ14 ግንቦት ኣብ ጅዳ ዳግማይ ዝጀመረ ካልኣይ ዙር ዘተ ዕርቂ ኣዳኺሙ እዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ዳርፉር ክፍተት ጸጥታ ከም ዝፍጠርን ዳግማይ ብሄራዊ ግጭታት ከም ዝወልዐን'ውን ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያን መፋርቕ ግንቦትን ኣብ ርእሰ ከተማ ምዕራብ ዳርፉር ኤል-ጀነየና ብዝተፈጥረ ዓሌታዊ ናዕቢ ኣስታት 500 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዕጡቓት ድማ ካብ መኽዘን ኣጽዋር ፖሊስ፡ ኣስታት 7,000 ኣጽዋር ዘሚቶም።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ብውሕዱ 676 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም እዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ግጭት ብውሕዱ 676 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም እዮም

ካልኦት ወገናት ኣብቲ ግጭት እንታይ ተራ ኣለዎም?

ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ብዓብላሊ መልክዑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒሞም ዓወት ከምዘመዝገቡ ንምግላጽ፡ ንሓድሕዶም ንምጽላምን ደገፍ ህዝቢ ንምርካብን ይጽዕሩ።

ጀነራል ሕሜቲ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ግንባር ምርኡይነቱ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ምስ ገስገስቲ ሓይልታት ክስለፍ ፈቲኑ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ኲናት ዳርፉር ብዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ምእላይ ኣል-በሽርን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ብጀነራል ቡርሃንን ጀነራል ሕሜቲን ዝተመርሐ ዕልዋ መንግስቲን ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ደሞክራሲ ብዝተፈጸመ ቀታሊ ጨፍጫፍ፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምግሃስ ታሪኽ ኣለዎ።

ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ግጭት፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ባንክታት፡ ድኳናትን፡ ነበርቲ ኣብ ገዝኦምን ብምዝማት ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ብኣንጻሩ ኣብ መብዛሕትአን ግዝኣታት እታ ሃገር ደገፍ ስለዘለዎ፡ ውግእ እንተቐጺሉ መስመራት ቀረብ ክፉት ክኸውን የኽእሎ።

እቲ ሰራዊት ብናይታ ሃገር ትካል ስለያ፡ ፖሊስን ማእከላይ ዕቑር ሓይሊን ከምኡ’ውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋደልቲ ኣብ ግጭት ዝተሃስዩ ዞባታት ንምንቅስቓስ ስልጠና ዘለዎም ኣሃዱ ፖሊስን’ውን ዝድገፍ’ዩ።

ኣብ 2020 ምስ ሰበስልጣን ስግግር ስምምዕ ሰላም ዝፈረሙን ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ 2021 ምስ ሰራዊት ዝወገኑን ዕጡቓት ዳርፉር ነበር፡ ኣብዚ ኲናት ገለልተኛታት ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።

እንተዀነ ገለ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ኤል-ፋሺር ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መከላኸሊ ንምፍጣር ወተሃደራቶም ኣዋፊሮም እዮም።

ዋላ’ኳ ብተደጋጋሚ ውግእ ደው ክብል እንተጸውዑ፡ ሲቪላውያን ፖለቲካዊ ጉጅለታት - ብፍላይ ድማ ገዛእቲ ዝነበሩ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን - ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ደው ዘብል ሓይሊ የብሎምን።

ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክፍጠር ተኽእሎ ኣሎ?

ሰራዊት ሱዳን ዓብላልነቱ እንተቐጺሉ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብ ዳርፉር ተመሊሶም ክድፍኡ ይኽእሉ፤ እዚ ድማ ንግርጭታት ቀቢላታት ከጋድድ ዝኽእል ናዕቢ ከቀላጥፍ እዩ።

ኣብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ጃምላዊ ምዝንባል ሲቪላውያንን ዕጡቓት ተዋጋእትን ከምዝተራእየን እዚ ድማ ንሓደጋ ዞባዊ ግጭት ከምዘዕብዮን ተገሊጹ’ዩ። ዘይውሕስነትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ንጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን እውን ይሃስየን ኣሎ።

ስዑዳውያንን ኣሜሪካውያንን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝዋግኡ ጀነራላት ገለ ደረጃ ምትእስሳር እኳ እንተሃለዎም፡ ንውሽጣውን ከባብያውን ዳይናሚክስ ክጸልዉ ኣይክእሉን።

ቡርሃንን ሕሜቲን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝመጸ ተበግሶታት ሽምግልና እውን ነጺጎሞ ኣለዉ።

ምፍራም ስምምዕ ጅዳ ንባዕሉ ዓወት እኳ እንተነበረ፡ ንዝደቐቐ ዝርዝር ኣገባባት ኣተገባብራ ዘጠቓልል ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ግን ዝያዳ ዘተ ዘድልዮ እዩ።

እቲ ዝበለጸ ተርእዮ ግን ሱዳን ናብ ብሲቪል ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ መወዳእታ ድማ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ናብ መስመር ዝመልስ ስምምዕ ምኾነ።