ሱዳን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓይልታት እታ ሃገር ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ
![ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቤተ ክርስትያን [ካብ ሰነዳት]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/0f2c/live/c986f7b0-f2ed-11ed-a142-ab0e42bfd9c3.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ክኸሱ እንከለዉ፡ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ብወገኖም ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ሕሉፋት ምስ ሰራዊት ሱዳን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ ብምግላፍ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብሎም ገሊጾም ኣለዉ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ልዕሊ ቤት እምነት መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጻረር ከምዝዀነ’ዮም ዝኸሱ።
ብዘይካ’ዚ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣሚር ሓሰበላ ንዝተበሃለ በዓል መዚ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪን ካልኦት ሰባትን ኣብ ካርቱም ከምዝቐንጸሉ ከሲሱ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሎም ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሆስፒታላት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም’ዮም።
ክልቲኦም ወገናት ብመንጐኝነት ስዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንኸውሕሱን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱ ባይታ ከጣጥሑን’ኳ እንተፈቐዱ፡ ኣብ ባይታ ግን ኣብ ከቢድ ኲናትን ንሓድሕዶም ኣብ ምክሳስን’ዮም ተጸሚዶም ዘለዉ።
ካብ ዝጅመር ሎሚ ሓደ ወርሒ ገይሩ ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ጠንቂ ሞት ብዙሓት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ልዕሊ 700 ሽሕ ሰብ ካብ ቤተ ንብረቱ ክመዛበል እንከሎ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ኣለዉ።
ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝመርሑ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓመዳን ዳጋሎ [ሕሜቲ] ዝምርሑ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምቛም ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ክጽንበር ዝቐረበ ገደብ ግዜን፡ ብድሕሪኡ መን ይምራሕ ኣብ ዝብልን ዝዛመዱ ጉዳያትን ዝቐረብ ሕቶ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ስለዘይተቐበሎ’ዩ ናብ ኲናት ኣምሪሖም።
ኣብ ዝተፈለላየ እዋን ንመዓልታት ጥራይ ዝቐጸለ ምቍራጽ ተዅሲ’ኳ እንተካየዱ ዘላቒ ዝዀነ ስምምዕ ግን ክገብሩ ኣይክኣሉን።
ንኽልቲኦም ወገናት ኣብ ስዑድ ዓረብ ንምሽምጋሎም ዝተብገረ ፈተነ ከኣ፡ ዋላ’ኳ ድሕነት ሰለማውያን ከውሕሱን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱ ከፍቅዱን እንተተሰማምዑ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩ ግን ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







