ቅልውላው ሱዳን፡ ዘተ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ዝካየደሉ ከቢድ ተዅሲ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሎሚ ሰንበት ኣብ መንጐ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ዘተ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ዝካየደሉ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ከቢድ ውግእ ይቕጽል ኣሎ።
ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ንብረት ሲቪላት ኣብ ዝሓዝሉ፡ ሰራዊት ሱዳን ንከባቢታት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝደብደበ ነበርቲ ገሊጾም።
ኣብ ካርቱም፣ መዋስንቲ ኦምዱርማንን ኣብ ዞባ ዳርፉር ጀኒናን ጐንጺታት ከም ዝነበሩ ድማ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህፁፅ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብቲ ዝሓለፈ 15 ሚያዝያ ዝተወልዐ እዩ።
ወዲ 28 ዓመት ሃኒ ኣሕመድ፡ ምስ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሎሚ ንግሆ ከቢድ ውግእ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
“ድምጺ እዘን ታንክታት ብንጹር እዩ ዝስማዕ። ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ፡ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ ንጐደናታት ይቈጻጸሩ ኣለዉ። እቲ ሰራዊት ኣብ ሰማይ ኢና ንርእዮ፡ ኣብ ባይታ ብዓይንና ንርእዮ ግን ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ሂወቶም ንምድሓን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም።
ኣብታ ውሽጢ እታ ሃገር፡ ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ተፈናቒሎም ኣለዉ።
ብሰንኪ ነዚ ውግእ ስዒቡ ዝተኸሰተ መጠነ ሰፊሕ ዝምታን ምውጻእ ዓለምለኸ ትካላት ሓገዝን፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ሕጽረት ምግብን መድሃኒትን ኣጋጢሙ ይርከብ።
ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ዝርከብ ዝዓበየ መዓስከር ዘለዉ ተመዛበልቲ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ጥራይ ክምገቡ ተገዲዶም ኣለዉ።
ዓለምለኻዊ ትካል ረድኤት ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፡ ኵነታት ህጻናት ካብዚ ዘለዎ ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
ብሸምጋልነት ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ “ስምምዕ ተወፋይነት” ከም ዝተፈራረሙ ይፍለጥ።
እዚ ስምምዕ እዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ንዘይምውራድ፡ ሰለማውያን ሰባት ካብ ዞባ ኵናት ንኽወጽኡን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱን ከፍቀድ'ዩ።
በዚ ድማ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ሎሚ ሰንበት ኣብ ስዑድ ዓረብ ጅዳ ዘተ ምቁራጽ ተጻብኦ ክካየድ እዩ።
እንተዀነ፡ ማሕበር ጠበቓታት ዳርፉር ዝተበሃለ ጕጅለ ተሓላቒ መሰላት፡ ጀኒና ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ንክልተ ሰሙን ሃዲኡ ዝነበረ ውግእ ከም ብሓድሽ ድሕሪ ምውልዑ፡ ብውሑዱ 77 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ገሊጹ።
ብሞተር ብሽክለታን መኻይን ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ተግባራት ቅትለት፡ ዝምታ፡ ምቅጻል ንብረትን ምርዓድን ከም ዝቐፀሉ ድማ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።
ኣብ ካርቱም ሓላፊት ማእከል ቅብኣ ዱዓ ታሪቕ፡ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ንሳ፡ “ይዘምቱ፣ ንሰባት የሸግሩን ኮለል ይብሉን፣ ኩሉ ግዘ ተዓጢቖም ኣብ ዝደለይዎ ቦታ እዮም ዘጽልሉ” ኢላ።
በዓልስልጣን ሲቪል ኣቪየሽን ሱዳን፡ ክሊ ኣየር ሱዳን፡ ብዘይካ ንበረራታት ሰብኣዊ ረድኤትን ምውጻእ ሰባትን፡ ክሳብ 31 ግንበት ዕጹው ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







