ሱዳን፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሓሙሽተ መዓልቲ ተናዊሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን፡ ኣብ ጅዳ ብመንጐኝነትን ጸቕጥን ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝበጽሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሕጂ ከኣ እቲ ስምምዕ ንሓመሽተ መዓልታት ክቕጽል ከምዝተሰማምዑ ሸምገልቲ ሃገራት ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውጻኦ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጠን።
እተን ሃገራት ኣብ መግለጺአን፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሓደ ሰሙን ክናዋሕ ምስምማዖም ብሓጐስ ከምዝተቐበላኦ ብተወሳኺ ኣፍሊጠን።
ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ከምቲ ኣብ ውዕል ዝሰፈረ ከምዘይተተግበረ ብምግላጽ ብውሕዱ እቲ ስምምዕ ተዛማዲ ህድኣት ብምፍጣሩ ንክልተ ሚልዮን ሱዳናውያን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሖም ከምዘኽኣለ ሓቢረን።
ክልቲኦም እቶም ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ወገናት ንውዕል ጅዳ ኣብ ምጥሓስ ንሓድሕዶም'ዮም ክካሰሱ ጸኒሖም።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፡ እቲ ብ15 ሚያዝያ ዝጀመረ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተዛማዲ ሃዲኡ ስለዝነበረ ንነበርቲ ናይታ ማእከል ግጭት ዘላ ካርቱም፡ ውግእ ካብ ዝጅምር ንመጀመርታ ግዜ ረድኤት ከብጽሓሎም ከምዝኽኣለ ሓቢሩ።
ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ሕሜቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ንነዊሕ እዋን ኣብ ቍርቁስ ስልጣን ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ናብ ምሉእ ውግእ ኣትዮም።
ጐረባብቲ ሃገራት፡ ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራውን ዓለማውን ውድባት በብወገነን ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ሰለማዊ ዘተ ንምእታዎም ብተደጋጋሚ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራብ ብ20 ግንቦት ብኣሸማጋልነት ኣሜሪካን ስዑድያን ኣብ ጅዳ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተፈራረሙ ዝዝከር’ዩ።
ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ'ቲ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምፍራሞም፡ 11 ግንቦት 2023’ውን ናብ ሱዳን ሰብኣዊ ረድኤታት ዝበጽሓሉ መንገዲ ከጣጥሑን ኣብ ማእከል ውግእ ዝርከቡ ሰለማውያን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ንኽወጽኡ መንገዲ ክኸፍቱን ምስምማዖም ይዝከር።
በቲ ብ 15 ሚያዝያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ዛጊት ብውሑዱ 863 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉን 3531 ከም ዝቘሰሉን ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝወጽአ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ካብቲ ውግእ ዝሃድሙ ዘለዉ ሱዳናውያንን ዜጋታታት ዝተፈላለያ ሃገራትን፡ ህይወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ንምእታው ብዙሕ ሽግራት የጋጥሞም ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ብፍላይ ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጺን ብዙሓት ስድራቤታት፡ ናብታ ሃገር መእተዊ ተኸሊአን ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዘለዋ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ብዘይካ’ዚ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተዘይተቋሪጹ እቲ ቍጽሪ ተፈናቐልቲ ኣብ ሓጺር እዋን ክልተ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







