ኣብ ሆስፒታላት ሱዳን ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ገበናት ኲናት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ

ሆስፒታል ኢስት ኒል

ምንጪ ስእሊ, @ ITSANTOONY

መግለጺ ስእሊ, ሆስፒታል ኢስት ኒል

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ልዕሊ መሳለጢያታት ጥዕናን ሰብ ሞያን ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ስዒቡ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ቢቢሲ ዝረኸቦም መረዳእታታት ኣመልኪቶም።

ሕሙማት ገና ኣብቶም ማእከላት ሕክምና ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሆስፒታላት ብደብዳብ ነፈርቲን ተኹሲ መዳፍዕን ተሃሪመን፤ ሓካይም'ውን ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑ ቢቢሲ ዓረብኛ ዝበጽሖ መረዳእታ ሓቢሩ።

ኰነ ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ከም ገበናት ኲናት ክርኣዩ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ካብተን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከባ 88 ሆስፒታላት፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ውግእ ክፉታት ኰይነን ዝጸንሓ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ጥራይ እየን ክብል ማሕበር ሓካይም ሱዳን ሓቢሩ።

ቢቢሲ፡ ሓበሬታ ሳተላይትን መሳርሕታት ካርታን ተጠቒሙ፡ ካብ ተገልገልቲ ዝተረኸቡ ትሕዝቶታት ብምፍታሽ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ሕክምና ብምዝርራብ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝዘለቐ ኲናት ዝበጽሖም ጉድኣት ፈቲሹ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዞም መጥቃዕታት “ግልጺ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ” እዮም ብምባል እቶም መጥቃዕታት ብህጹጽ ደው ክብሉ ሓቲቱ።

እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብ15 ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ መሓዙት ነበር - መራሕቲ ስሩዕ ሰራዊትን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ውጥጥ ስልጣን ዝነቐለ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ሆስፒታል ኢብን ሲና፡ ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ሓካይም ሲቪላውያን ሕሙማት ይሕክሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብመጥቃዕቲ ኣየር ወይ ከቢድ መሳርሒ ዒላ ካብ ሞንጐ ዝተገብሩ ማእከላት ሕክምና ሓደ ከም ዝዀነ ቢቢሲ ክዕዘብ ክኢሉ ኣሎ።

ብ19 ሚያዚያ 2023 ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታል መጥቀዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ክኢላ መጥባሕቲ ዶክተር ኣላ ኣብቲ ቦታ እዩ ነይሩ።

“ዝዀነ ዓይነት መጠንቀቕታ ኣይነበረን፤ ኣነ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ሆስፒታል ኢብን ሲና ብሰለስተ ቦምባታት ክውቃዕ እንከሎ፡ ራብዓይ ቦምባ ድማ ንገዛ ነርስታት ወቒዑ ምሉእ ብምሉእ ሓዊ ዝተቓጺሉ” ኢሉ።

‘ፊዚሻንስ ፎር ሂዩማን ራይትስ’ ኣብ ዝተባህለ መንግስታዊ ንዘይኰነ ትካል በዓል ሞያ ሕጊ ዓለምለኸ ገበን ዝዀነ ክርስቲያን ደ ቮስ እዚ ከም ገበን ኲናት ክውሰድ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"መጥቃዕታት ነፈርቲ ቅድሚ ምፍጻሞም ንጹሃት ሰባት ካብቶም ሆስፒታላት ምውጽኦም ምርግጋጽ ኣብ ሕግታት ኲናት ብግልጺ ዝሰፈረ እዩ” ኢሉ።

ምስልታት እቶም መጥቃዕታት ዝርኣየ በዓል ሞያ ኣጽዋራት ኲናት ክሪስ ኮብ ስሚዝ ብወገኑ ብኸቢድ ብረት ወይ ብመድፍዕ ዝበጽሑ መጥቃዕታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ኣብዞም መጥቃዕታት ዝወዓለ ኣጽዋር ብልክዕ ክፍለጥ ስለ ዘይተኻእለ ግን፡ ኣየናይ ወገን ተሓታቲ ከም ዝዀነ ወይ’ውን ኣብ ልዕሊ እዞም ትካላት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ምዃኑ ርግጸኛ ንምዃን ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ።