ኣብ ካርቱም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት 18 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 100 ድማ ቆሲሎም

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ትማሊ ረቡዕ ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንደቡብ ገጽ ዝርከብ ዕዳጋ ብሮኬታት ተወቒዑ፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ብውሕዱ 18 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 106 ድማ ከም ዝቖሰሉ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ኣፍሊጡ።

እዚ፡ ብ15 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዝበዝሐ ቁጽሪ ብደብዳብ ዝሞቱሉ መጥቃዕቲ እዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ግጭት ንምቁራጽ ብኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን መንጎኝነት ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ኣብ ዝፈሸለሉ እዋን'ዩ ተፈጺሙ።

ዛጊድ፡ብሰንኪ እዚ ግጭት ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት 883 በጺሑ ኣሎ።

ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን፡ ኣብ ጅዳ ብመንጐኝነትን ጸቕጥን ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሓመሽተ መዓልታት ክቕጽል ከም ዝተሰማምዑ እተን ሸምገልቲ ሃገራት ኣብ ዘውጻኦ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጠን ነይረን።

እተን ሸምገልቲ ሃገራት፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ከምቲ ኣብ ውዕል ዝሰፈረ ከም ዘይተተግበረ ብምግላጽ ብውሕዱ እቲ ስምምዕ ተዛማዲ ህድኣት ብምፍጣሩ ንክልተ ሚልዮን ሱዳናውያን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሖም ከም ዘኽኣለ ሓቢረን እየን።

ኣመሪካ፡ እዚ ኲናት ከብቅዕ ድሌት እንተሃልይዎም፡ ክልቲኦም ወገናት ብድርድርን ተኹሲ ምቁራጽን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣብ ምሕጋዝ ተራ ክትጻወት ድልውቲ ምዃና ገሊፃ ኣላ።

እንተዀነ፡ ክልቲኦም ወገናት ጸብለልታ ንምርካብ ነቲ ውግእ ክቕጽሉ ዝቖረጹ ይመስሉ።

ክልቲኦም እቶም ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ወገናት፡ ንውዕል ጅዳ ኣብ ምጥሓስ ንሓድሕዶም'ዮም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።

ጉጅለ ሓካይም ሱዳን፡ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ’ቲ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ምሟቶም ስዒቡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 883 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ የመልክት።

ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ሕሜቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ንነዊሕ እዋን ኣብ ቍርቁስ ስልጣን ክሰሓሓቡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ናብ ምሉእ ውግእ ኣትዮም።

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ክልቲኦም ወገናት ተኹሲ ደው ከብሉ ብዙሕ ግዜ ተሰማሚዖም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ግን ሕጂ’ውን ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

በቲ ብ 15 ሚያዝያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ዛጊድ ብውሑዱ 883 ሰለማውያን ሰባት ዝተቐተሉ ክኸውን ከሎ 3637 ድማ ቆሲሎም እዮም።

ሱዳናውያንን ዜጋታታት ዝተፈላለያ ሃገራትን፡ ህይወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ንምእታው ብዙሕ ሽግራት የጋጥሞም ከም ዘሎ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተዘይተቋሪጹ እቲ ቍጽሪ ተፈናቐልቲ ኣብ ሓጺር እዋን ክልተ ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ’ዩ።