ኣብ ኲናት ኰይኑ ካልኣይ ኲናት-ዓለም ዝፅምብል ዘሎ ፑቲን እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Ria Novosti
ድሕሪ እቲ ንርእሰ ከተማ ሩስያ- ሞስኮ ዒላመ ዝገበረ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ዩክረይን፡ ዝኽሪ ዓወት ሩስያ ዝፅምብል ዘሎ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ፀጥታ ኰይኑ የኽብር ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሩስያ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ እትዝክረሉ መደረ ኣብ ዘስመዐሉ እዋን፡ ፕረዚደነት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ምስ ኣሽሓት ወተሃደራቱ፡ ነቲ በዓል ድምቀት ሂቦሙዎ ተራእዮም።
ካልኦት ልዕሊ 20 ዓለማዊ መራሕቲን'ውን ምስ ፑቲን ተጸንቢሮም ተራእዮም። ሩስያ 27 መራሕቲ ዓለም ኣብቲ ዝኽሪ ከምዝተረኽቡ እያ ትገልፅ።
ፑቲን፡ ኣብ መደረኡ ነቲ ዝኽሪ ኲናት ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ምስቲ ምሉእ ወራር ዩክረይን ኣተሓሒዝዎ።
እቲ ኣሸሓት ንስደትን ምምዝባልን ምኽንያት ዝዀነ፡ ዳርጋ ዓለም ንኽለት መቒሉዋ ዝርከብ ኲናት ዩክረይን፡ ሕዚ ራብዓይ ዓመቱ ረጊፁ ይርከብ።
ንመጀመርታ ግዜ፡ ዝተፈላለያ ናይ ውግእ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ ናይ መዓልቲ ዓወት ሰልፊ ተሳቲፈን፡ እዚ ድማ ኣብ ዩክረይን ብሰፊሑ ኣብ ግብሪ ዝውዕላ ዘለዋ ኣፅዋር ውግእ ምዃነን ንምዝኽኻር ይመስል።
ሩስያ ብሓደ ወገን ዝጸንሕ ናይ ሰለስተ መዓልታት ተኹሲ ደው ምባል ዝተኣወጀት ኮይና፡ ዩክረይን ምስቲ መበል 80 ዓመት ዝኽበር ዘሎ ፅምብል ዓወት ንኽገጥም ኰነ ተባሂሉ ዝተፍሓሰ "ድራማ" ክትብል ነጺጋቶ።
ኪቭ፡ ረቡዕ ፍርቂ ለይቲ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝእወጅ ንደሓር ኣሽሓት መጥቃዕትታት ከምዘካየደት ብምኽሳስ፡ 'ቅየዐ' ክትብል ገሊጻቶ።

ምንጪ ስእሊ, Ria Novosti/Handout
ኣመሪካ ምስ ምምፃእ ትራምፕ ተኣሳሲሩ ቅዋማ እንተቐየርት'ኳ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጐድኒ ዩክረይን ጠጠው ኢለን፡ ወተሃደራዊ ዓቕመን ንዝፍትሽ ኩነታት ተቓሊዐን ኣለዋ።
ጀርመን፡ እንግሊዝን ፈረንሳይን ድማ ኣብ ቅድሚት ዝጽዋዓ ኰይነን ኣለዋ።
ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ልዑል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሩስያ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ዕርቂ ትማሊ ቀዳም ምሸት ዝዛዘም'ኳ እንተኾነ፡ መርዝ ግን ናብ 30 መዓልታት ክናዋሕ ከምዝኽእልን "ሕጂ እታ ኩዕሶ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሜዳ ሞስኮ ከምዘላን" ገሊጹ።
ሩስያ፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዓወት ዘመዝገበትሉ መዓልቲ ኣብ እትዝክረሉ ድሮ፡ ከተማ ሞስኮ ከቢድ ጸጥታን እገዳታትን ኣተኣናጊዳ ቐንያ።
ፑቲን፡ ሩስያ "ኣንጻር ናዚዝም፣ ጽልኢ-ሩስያ፣ ጸረ-ሴማውነት ዕንቅፋት እያ ነይራ፤ ኣንፃር እዚታት ኰይና ክትቅፅል እያ ድማ" ክብል ኣጽኒዑ ገሊጹ።
መራሒ ሩስያ ብተደጋጋሚን ብሓሶትን ንመሪሕነት ዩክረይን 'ናዚ' ኢሉ ክጽውዖ ተሰሚዑ እዩ።
"ሓቅን ፍትሕን ኣብ ጎንና'ዩ" ብምባል "መላእ ሃገር፡ ሕብረተሰብን ህዝብን ንወፈርቲ" እቲ ኲናት ክድግፉ ኣትሪሩ ፀዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, Ria Novosti
ሩስያ ኣብቲ መደብ 27 መራሕቲ ዓለም ይሳተፉ ከምዘለዉ እያ ትገልፅ።
እንተዀነ እቲ ቀንዲ ቀልቢ ዓለም ዝሰሓበ ዝመስል ተሳትፎ መራሒ ቻይናን ኣብ ጐድኒ ፑቲን ጠጠው ኢሉ ምርኣዩ ጥራይ ኣይኰነን።
ልዕሊ 100 ወተሃደራት ቻይና ኣብ'ቲ 'ቀይሕ ኣደባባይ' ሰልፊ ክገብሩ ተራእዮም።
ቻይናዊ ሺ ጂንፒንግ፡ ሩስያ ከም ምልክት ወተሃደራዊ ክብሪ እትርእዮ 'ሕብሪ ኣራንሺን ጸሊምን ሪባን' ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸዲኑ፡ ብኩርዓት ተጀኒኑ ይረአ ነይሩ።
መንግስታዊ ቲቪ ሩስያ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከምዘሎን፡ ኣንጻር "ኩለን ምዕራባውያን" ከምዝተወሃደን ፀብፂበን።
ሩስያ፡ ብፍላይ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ንደሓር ናብ ምብራቕ ገፃ ትጥምት ኣላ።
ዋላ እኳ ሰሜን ኮርያውያን ኣብቲ ሰልፊ እንተዘይሰለፉ፡ ካብ ሰሜን ኮርያ፣ ቬትናምን ሞንጎልያን ዝመጹ ወተሃደራዊ ጕጅለታት ሰልፊ ከካይዱ ተራእዮም።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ኣንጻር ሓይልታት ዩክረይን ከምዝተዋግኡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ፑቲን ንገለ ካብኣቶም ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ወፂኡ ሰላምታ ኣቕሪቡሎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







