ኣመሪካ-ዩክረይን፡ ኣብ ዝኸተምኦ ስምምዕ ጸጋታት ዝተላዕሉ ሸውዓተ ነጥብታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ ንገለ ካብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይታ ብዂናት ተሃስያ እትርከብ ዩክረይን ክትረክብ ዝሕግዛ ስምምዕ ፈሪማ።
እዚ ስምምዕ ንኣዋርሕ ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ዩክረይን ንሰለስተ ዓመት ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ካብ ኣመሪካ ቀጻሊ ደገፍ ንምርግጋጽ ዝሕግዛ ሓድሽ ናይ ወፍሪ ምወላ ትፈጥር ኣላ።
ዩክረይን ነቲ ስምምዕ ንህዝቢ ዕላዊ ገይራቶ ትርከብ። ክልተኦም ወገናት ድማ ወግዓዊ መግለጺታት ሂቦም ኣለዉ። ናይዚ ስምምዕ ሸውዓተ ኣገደስቲ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
ዩክረይን ንኣመሪካ እትመልሰላ የሎን
ትራምፕ ኣቐዲሙ ዩክረይን ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ብኣመሪካ ተዋሂቡዋ ዝበሎ 350 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትመልስ ሓቲቱ ነይሩ፣ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ድማ ክነጽጎ ተሰሚዑ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣመሪካ ሕድገት ዝገበረት ትመስል። ቀዳማይ ምኒስተር ዩክረይን ደኒስ ሽሚሃል፡ እቲ ስምምዕ ሃገሩ ዝዀነ "ዕዳ" ዝበሃል ክትመልስ ዝእዝዝ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ትራምፕ እቲ ስምምዕ ንሃገሩ'ውን ዓወት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ካብቲ ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ናብ ዩክረይን ዝለኣኸቶ ቢልዮናት ዶላራት ዝያዳ ዋጋ ክትመልስ እያ ይብል።
ተሪር ቃና ኣመሪካ ናብ ፑቲን
ኣመሪካ፡ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ብዛዕባ'ዚ ስምምዕ መግለጺ ኣብ ዝሃበትሉ እያ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብሓይለ-ቓል ክትዛረብ ተሰሚዓ።
እቲ ስምምዕ "ምሉእ ወራር ሩስያ" ኢሉ ዝጽውዖ ኰይኑ፡ ቤት-ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ፡ ንሩስያ ኣብዚ ኲናት ዝሓገዘ ኣካል፡ ካብ ዳግመ-ህንጸት ዩክረይን ተጠቃሚ ክኸውን ከም ዘይፍቀደሉ ገሊጹ።
እዚ ድማ ነታ ኣብ መንጐ ሞስኮን ዋሽንግተንን ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ዘተ ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ክግበር ትሓትት ንዝነበረት ዩክረይን ዘሐጕስ እዩ።
ኣብ ርእሲ ማዕድናት፡ ነዳድን ጋዝን'ውን የጠቓልል
ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ ዝካየድ ዘሎ ዘረባ መብዛሕትኡ ምስ ማዕድናዊ ሃብቲ ዝተኣሳሰር'ኳ እንተዀነ፡ ንነዳዲ፡ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ካልእ ሃይድሮካርበንን ዝምልከት ድንጋገታት'ውን ዘጠቓለለ እዩ።
ኣመሪካ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ትርከብ'ምበር፡ እቲ ጸጋታት ኣብ ትሕቲ ዋንነት ዩክረይን ዝጸንሕ እዩ።
ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ንድፈ-እማመ ዘይነበረ ነዳድን ጋዝን ኣብዚ ዳሕረዋይ ስምምዕ ምጥቕላሉ፡ ዩክረይን ኣብቲ ጉዳይ ክሳዕ ክንደይ ምልስላስ ከም ዘርኣየት ዘመላኽት እዩ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ እቲ ውግእ ብቕልጡፍ እንተ ኣኽቲሙ፡ ካብዚ ጸጋታት "ዝያዳ መኽሰብ" ክረክብ ከም ዝኽእል ይኣምኑ።
ንድሌታት ዩክረይን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዕንቅፍ ኣይኰነን
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትጽንበር ባህጊ ዝጸንሓ ዩክረይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ብወግዒ ዝርርብ ጀሚራ እያ።
ገለ ዩክረናውያን፡ ኪቭን ብራስለስን ኣብ ንጥረ-ነገራት ስትራተጅያዊ ሽርክነት ስለ ዘለወን፡ ዩክረይን ንኣመሪካውያን ኣውፈርቲ እንተ ደጊፋ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትጽንበር ከጸግማ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።
እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ንድሌት ዩክረይን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ምጽንባር ኣፍልጦ ከም ዝህብን እዚ ውዕል ምስኡ ከም ዘይጋጮን ይገልጽ።
ዩክረይን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምጽንባር ብዝኣተወቶ ሓድሽ መብጽዓ፡ ነቲ ስምምዕ ክትቅይሮ እንተ ኣድልዩዋ፡ ሽዑ ኣመሪካ ብጽቡቕ ድሌት ክትዘራረብ ትሰማማዕ ይብል።
ብተወሳኺ፡ ዩክረይን፡ ኣመሪካ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ቦታታትን ሓዊሱ ንኪቭ ዝያዳ ወፍርን ቴክኖሎጅን ንምሃብ ክትሕግዝ እያ ትብል።

ወተሃደራዊ ኪዳን ኣመሪካ ናብ ጠረጴዛ ተመሊሱ
ኣመሪካ፡ ዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ እንተዀይና፡ ነቲ ስምምዕ ክትፍርም ኣለዋ ትብል።
ቀዳማይ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ዩክረይን ዩልያ ስቪሪደንኮ - ነቲ ስምምዕ ንምፍራም ናብ ዋሽንግተን ዲሲ በሪራ - ኣመሪካ ኣብ መጻኢ ከም ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ዝኣመሰለ ሓድሽ ሓገዛት ከተበርክት ትጽቢት ከም ዘለዋ ገሊጻ።
እዚ'ውን ትራምፕ ኣብ ስትራተጂኡ ለውጢ ከም ዘገበረ ዘመላኽት እዩ - ንሱ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ደገፍ ከጕድል እዩ ክጽዕር ጸኒሑ።
እቲ ቀንዲ ሕቶ ዝኸውን ግን፡ እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንታይ ጽልዋ ክህሉዎ እዩ ዝብል እዩ። ክረምሊን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዛጊት ዝሃበቶ መግለጺ የሎን።
ኣመሪካ ግን ኣብ ዝዀነ እዋን ነቲ ስምምዕ ደው ኣቢላ ክትወጽእ ትኽእል እያ
ዩክረይንን ኤውሮጳን ንነዊሕ እዋን ንዋይት ሃውስ ክሓታኦ ዝጸንሓ እኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ንጹር ውሕስነት ጸጥታ ትህብ ኣይትመስልን።
ትራምፕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከምቲ ባይደን ዝሃቦ ወተሃደራዊ ደገፍ ክህብ ፍቓደኛ ኣይጸንሐን።
የግዳስ፡ ብምኽንያቱ ኣብዚ ስምምዕ ዘሎ ቍጠባዊ መብጽዓታት፡ ብኣመሪካ ኣቢሉ ንዩክረይን ዝገብሮ ደገፍ ዝያዳ ዘይቀጥታዊ እዩ።
እዚ ድማ እታ ቀንዲ መሓዛ ዩክረይን ዝዀነት ኣመሪካ ብዛዕባ እትህቦ ደገፍ ገና ርግጸኛ ከም ዘይኰነት ዘርኢ እዩ።
ኣብ ዩክረይን ዳግማይ ወፍሪ ዝግበረሉ መኽሰብ. . .?
መንግስቲ ዩክረይን ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ኵሉ እቲ ካብ ምወላ ዳግመ ህንጸት ዝረኽቦ መኽሰብ፡ "ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቍጠባ ዩክረይን ዳግማይ ክውዕል'ዩ፡" ወይ ድማ ንሓደስቲ ፕሮጀክትታት ኰነ ዳግመ ህንጸት ክውዕል ምዃኑ ይገልጽ።
እዚ ቃል ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኸተመ ስምምዕ ዘሎ ኣይመስልን። ድሒሩ ብፍሉይ "ቴክኒካዊ" ውዕል ክውሰኽ ይኽእል እዩ። ምክትል ቀዳመይቲ ምኒስተር ዩልያ ስቪሪደንኮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "እዞም ውዕላት ብዝያዳ ክዝረበሎም'ዩ፡" ኢላ።
ድሕሪ እተን ቀዳሞት 10 ዓመታት፡ ኪቭ፡ እቲ መኽሰብ ኣብ መንጐ እቶም መሻርኽቲ ክካፈል ከም ዝኽእል ትዛረብ። ጸሓፊ ግምጃ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት ትማሊ ረቡዕ ምሸት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ንህዝቢ ኣመሪካ፡ "ክንሳተፍ፡ ገለ ካብቲ ገንዘብን ኣጽዋርን ክንረክብ፡ ነቶም ዘድልዮም ክንሕግዝ፡ ምስ ዩክረይን ክንዕረቕ ከም እንኽእል ዘርኢ'ዩ፡" ኢሉ።
ምክትል ሓላፊ ስታፍ ስቲቨን ሚለር ብሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ንኣመሪካ፡ "ከፈልቲ ግብሪና ነቲ ኲናት ዝደገፉ ዘምሰሎም፡ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ምምላስ እዩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







