ስምምዕ ማዕድናት ዩክረይንን ኣመሪካን ሰላም ከውሕስ ይኽእል ዶ?

ኣመሪካ ንዩክረይን ሑቒኣ ምሃባ ንመንግስቲ እታ ሃገር ተስፋ ዘቑረጸ ተግባር'ዩ

ዩክረይን ምስ ኣመሪካ ስምምዕ መዓድናት ፈጺማ ከምዝነበረት ዝፍለጥ'ዩ። ኣመሪካ ኣብ ምሕዋይ ዩክረይን ሃብታ ከተውፍር ዩክረይን ድማ ካብታ ሃገር ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታ፡ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ ነዳድን ጋዝን ክትካፈል'የን ተሰማሚዐን።

ብተወሳኺ ኣብ ፓሪስ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ዩክረይንን ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ሰላም ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ድማ "ኣወንታዊ" ተባሂሉ ይንኣድ ነይሩ።

እንተዀነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢኡ ማርኮ ሩቢዮን ቅልጡፍ ምዕባለ ዘይርአ እንተዀይኑ ንነብሶም ካብ መንጐኝነት ክስሕቡ ምዃኖም'ዮም ዘጠንቅቑ ዘለዉ።

ዩክረይን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብዘለዋ ዘይተጻዋርነት ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳታት ክትገብር ትኽእል'ያ ዝብል ተስፋ ነይሩዋ። የግዳስ መገዲ ኣመሪካ ካብ ኪቭ ንላዕሊ ንክረምሊን ዝጥዕም'ዩ ዝመስል።

ዩክረይንን መሻርኽታ ሃገራት ኤውሮጳን መጥቃዕቲ ሩስያ ንምምካት እኹል ዓቕሚ ከምዘይብለን ሓበራዊ ምርድዳእ ኣሎ።

ሩስያ ንዩክረይን ንምውራርን ንምቍጽጻርን እትገብሮ ጻዕሪ'ኳ እንተቐጸለት፡ ክሳብ ሕጂ ንሰላም ትጽዕር ከምዘላ'ያ እትገልጽ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መጥቃዕቲ ሚሳይል ብምፍጻም ልዕሊ 100 ሰባት ቆሲሎም፡ ሓደ ሰብ ድማ ሞይቱ። እንተዀነ እታ ንዩክረይን እትህቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ጸቕጢ እትገብር ዘላ ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣይኰነነቶን።

ኣመሪካ ንዩክረይን ጸቒጣ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና ኣመሓይሻ ክልቲአን ሃገራት ናብ ናይ ሰላም ድርድር ክመጽኣ'ዩ ድልየታ።

ኪቭ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ሓገዛትን ስለያዊ ሓበሬታኣን ደው ምስ ኣበለቶ፡ ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ክተብል ተሰማሚዓ። እንተዀነ ሞስኮ ግዝኣት ዩክረይን ኣስፊሓ ካብ ምሓዝን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ካብ ምውዳቕን ድሕር ኣይበለትን።

ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከመይ ኢሉ ሰላም ከምጽእ ከምዝኽእል ንምርኣዩ ኣጸጋሚ'ዩ።

ኣብ ማያት ጸሊም ባሕሪ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈረ ወዲ 26 ዓመት ወተሃደር ማይካይሎ

ማይካይሎ ኣብቲ ህዱእ ማያት ጸሊም ባሕሪ፡ ስርሓት ኣመሪካ ዝዀነት ፓትሮል መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ይእዝዝ። ንኤውሮጳ፡ ከምኡ'ውን ንሃገሩ ዝቃለስ ኰይኑ ዝስመዖ እንተኾይኑ ብቢቢሲ ተሓቲቱ።

"ሩስያ ንዅላ ዩክረይን እንተተቘጻጺራ መን ይፈልጥ?" ኢሉ መሊሱ።

ኣስዒቡ፡ "ሩስያ ድሕሪ 10 ወይ 15 ዓመት ናብ ፖላንድ፡ ሊትወንያን ኢስቶንያን ክትከይድ እያ። እዚ ኣዝዩ ንጹር'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ በብቕሩብ ከብቅዕ'ዩ። ድሕሪ ደጊም ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ዝቐርብ ወይ ብፕረዚደንታዊ ጠለብ ዝኽፈት ሓገዝ ኣይክህሉን እዩ።

ዋሽንግተን ነዚ ጻዕሪታት ሰላም ሕቘኣ እንተ ሂባቶ፡ ዩክረይን ኣብ ኤውሮጳውያን መሻርኽታ ተጸጊዓ ነቲ ዝቕጽል ወራር ሩስያ ክትምክት ክትገድፋ እያ።

ኣመሪካን ዩክረይንን ናብዚ ስምምዕ ማዕድን'ኳ እንተቐረባ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ነቲ ውዕል ብዝያዳ ናብ ንግዲ ይቕይሮ ስለዘሎ ዘይተገማቲ ገይርዎ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ ንግዳዊ ረብሓታት ኣመሪካ ክሳብ ዝተሓለወ፡ ዋሽንግተን ብዛዕባ ንዩክረይን መን ተቘጻጸራ፡ የግዳሳ ድዩ'ኸ ዝብል ሕቶታት ኣበጊሱ'ሎ።