ጀርመን፡ ስለምንታይ እያ 'ንኲናት ክትዳሎ' ወሲና ዘላ?

ጀርመን ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ልዑል ወፍሪ ክትገብር ወሲና
መግለጺ ስእሊ, ጀርመን ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ልዑል ወፍሪ ክትገብር ወሲና

ሚሳይል፡ ኣብ ሓደ ሜዳ ሓያለ ደበና ሓመድ ናብ ኣየር ክተንን ይገብር ኣሎ።

ድሕሪ ቍሩብ ደቓይቕ፡ ቅድሚ ሮኬት ናብ ሰማይ ምትኳሱ፡ ሓደ ወተሃደር ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 'ሓዊ!' ይፈቅድ ነይሩ።

ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝስዕብ ፍንጀራን ወተሃደራዊ ዕብየትን ኣዝዩ ቀጻሊ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሙንስተር ዝርከቡ ደቂ ዓዲ ደጊም ለሚዶምዎ ኣለዉ።

ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ሰብ ግን ንዝያዳ ዝዓበየ ነገር ተዳልዩ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ጀርመን ቡንደስዌር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ባይቶ ወጻኢታት ምክልኻል ካብ ጽኑዕ ሕግታት ዕዳ ነጻ ንምግባር ድሕሪ ምድማፁ፡ ሰፊሕ ወሰኽ ወፍሪ ክገብር ጀሚሩ።

እዚ ወተሃደራዊ ልምምዳት ኰነ ወሰኽ ወተሀደራዊ ወፃኢታት ምስ'ቲ ኲናት ዩክረይን ዝተኣሰሳር እዩ።

ላዕለዋይ ጀነራል እታ ሃገር፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከም ዘይብል ስለ ዝኣምን፡ እቲ ምውሳኽ ገንዘብ ብህጹጽ ከም ዘድሊ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ጀነራል ካርስተን ብሩየር፡ "ብሩስያ ሰጊእና ኢና ዘለና፤ ብፑቲን ሰጊእና ኣለና። ነዚ ንምዕጋት ዘድሊ ኵሉ ክንገብር ኣለና፡" ይብል።

ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ክዳሎ ከም ዘለዎ ድማ የጠንቅቕ።

ንሱ፡ ብግልጺ፡ "ክንደይ ግዜ ከም ዘድልየና ዘይኰነስ፡ ፑቲን ንክንዳሎ ክንደይ ግዜ ይህበና ዝብል'ዩ እቲ ዘገድስ። ቀልጢፍና ክንዳሎ ድማ ዝሓሸ'ዩ፡" ይብል።

እቲ ቀላሲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ሙሉእ ወራር፡ ኣተሓሳስባ ጀርመን ብዕምቆት ቀይርዎ ኣሎ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ወለዶ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምንጻግ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ጀርመን ኣብ ኤውሮጳ ከም ወራሪት እትረአየሉ ሕሉፍ ታሪኽ ኣጸቢቝ ይግንዘብ'ዩ።

"ክልተ ኲናትታት ዓለም ጀሚርና፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝውዳእ 80 ዓመት'ኳ እንተገበረ፡ ጀርመናውያን ካብ ግጭት ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰራውር ደም ብዙሓት ሰባት ኣትዩ'ዩ" ይብል ኣብ በርሊን ሓላፊ ጀርመን ማርሻል ፈንድ ዝዀነ ፕሮፌሰር ማርከስ ዚነር።

ገሊኦም ሕጂ'ውን እንተዀነ ከም ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክረአ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ነገር ይጥንቀቑ ኣለዉ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ንነዊሕ ግዜ ትሑት ፋይናንሳዊ ቀረብ'ዩ ነይሩዎም።

" 'ብሓቂ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ዲና ዘለና? እቲ ንስግኣት ዘለና ኣረኣእያ ቅኑዕ ድዩ?' ዝብሉ ሕቶታት ኣለዉ።"

ጀርመን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ፍሉይ ኣረኣእያ'ዩ ነይርዋ።

ከም በዓል ፖላንድን ሃገራት ባልቲክን ዝኣመሰላ ናብ ሞስኮ ኣዝየን ከይቀርባ ክጠንቀቓን፡ ወጻኢታት ምክልኻል ድማ ክውስኻ ፀኒሐን።

ኣብ ትሕቲ ቻንስለር ነበር ኣንጌላ መርከል ኰይና ዝፀንሐት ጀነርመና ብወገና፡ ኣብ ንቡር ኩነታት እያ ነይራ።

ጀርመን በዚ ኣቢላ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ይሰርሕ ኣለዅ ዝብል እምነት ነይሩዋ፤ ሩስያ ግን ገንዘብ ተዋህልል ነይራ፤ ኩነታት ሓልያ ድማ ንዩክረይን ወሪራ።

ስለዚ ኣብ ለካቲት 2022፡ በቲ ምዕባለ ዝተደናገረ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ሃገራዊ እቲ ነገር ቀዳምነት ክወሃቦ ኣዊጁ።

ሽዑ እዩ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንምዕባይን "ከም በዓል ፑቲን ዝኣመሰሉ ደለይቲ ኲናት" ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታውን 100 ቢልዮን ዩሮ (108 ቢልዮን ዶላር) ባጀት ክስልዕ ዝተመጻብዐ።

ጀነራል ብሩየር ግን እዚ እኹል ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

"ቁሩብ ነቲ ሃጓፍ መሊእናዮ ኢና፤ ግን ናይ ብሓቂ ሕማቕ'ዩ።"

ጀነራል ብሩየር ጀርመን ቍጽሪ ወተሃደራታ ከተዕቢ ላዋ ኢሉ ይኣምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ብሩየር ጀርመን ቍጽሪ ወተሃደራታ ከተዕቢ ላዋ ኢሉ ይኣምን

ብኣንጻሩ ሩስያ ኣብ ኣጽዋርን ናውቲታት ኲናትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅድመ ግንባር ዩክረይን ከቢድ ወጻኢታት ከም እትገብር ይጠቅስ።

ብተወሳኺ ሩስያ፡ ካብ ሳይበር መጥቃዕቲ ክሳብ ምዕፋን፡ ከምኡ'ውን መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ቦታታት ጀርመን ከም እትሰድድ ይዛረብ።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቭላድሚር ፑቲን ዝተጠቕሞም ቃላት ደሚርካ፡ ጀነራል ብሩየር "ናይ ብሓቂ ሓደገኛ ምትሕውዋስ'ዩ፡" ይብል።

"ሩስያ ዘይከም ምዕራባዊ ዓለም፡ ድሩት ኣተሓሳስባ የብላን፤ ብዛዕባ ግዜ ሰላምን ኲናትን ኣይኰነን፡ ቀጻሊ'ዩ፡" ብምባል እቶም ኵሎም ምዕባለታት ጭቡጥ ስግኣት ዝፈጥሩ ምዃኖም ይዛረብ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ጀርመን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለዋ ይብል።

'ካብ ኵሉ ነገር ኣዝዩ ውሑድ'

እቲ ሓላፊ ምክልኻል ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሓይልታቱ ዝሃቦ ጽኑዕ ገምጋም፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ባይቶ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዝሳነ'ዩ።

ቡንደስዌር፡ "ካብ ኩሉ ኣዝዩ ውሑድ ነገራት" ከም ዝነበሮ ደምዲሙ።

ጸሓፊት እቲ ጸብጻብ፡ ኮሚሽነር ዕጡቕ ሓይልታት ኢቫ ሆግል፡ ካብ ተተኰስቲ ክሳብ ወተሃደራት፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሕጽረት ከም ዘሎ ኣቃሊዓ።

ንሳ፡ ንስራሕ ምሕዳስ ጥራይ ዝኸውን ባጀት ኣስታት 67 ቢልዮን ዩሮ (72 ቢልዮን ዶላር) ከም ዘድሊ ትግምት።

ነዚ ንምፍታሕ፡ ዝነበሮ ዕዳ ክለዓል ምግባር፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ልቓሕ ክረክብ ንምፍቃድ - ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ብዘይ ደረት - "ርጕእ መስመር" ምወላ ክረክብ ይገብሮ ይብል ጀነራል ብሩየር።

እዚ ታሪኻዊ ስጕምቲ፡ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ተካኢ ቻንስለር ሾልዝ ዝዀነ ፍሪድሪክ መርዝ፡ እዩ መጺኡ።

ንሱ ነቲ እማመ ድሕሪ'ቲ ኣብ ለካቲት ዝተኻየደ መረጻ ባይቶ ቅድሚ ምብታኑ እዩ ናብ ኣባላትኣቕሪቡዎ ዘሎ።

እቲ፡ ኣንፃር-ጸገማውያንን ንሩስያ ዝደናገፅ ሕሉፍ የማናዊን ኣተሓሳስባ ዘለዎ ተባሂሉ ዝግመት ገና ስራሕ ዘይጀመረ ሓድሽ ባይቶ፡ ምናልባት ነዚ ጉዳይ ጽቡቕ ድልየት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ።

ጀርመን ኣብ 2022 ዝጀመረቶ ለዉጢ ግን ኣብዚ ዓመት ሓድሽ ናህሪ ረኺቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዩጎቭ (YouGov) ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 79 ሚእታዊት ጀርመናውያን ቭላድሚር ፑቲን ክሳብ ሕጂ ንሰላምን ጸጥታን ኤውሮጳ "ኣዝዩ" ወይ "ምሉእ ብምሉእ" ሓደገኛ ገይሮም ይርእይዎ።

74 ሚእታዊት ንዶናልድ ትራምፕ እውን በዚ መንጽር ከም ዝርእይዎ ገሊጾም።

እቲ መጽናዕቲ ድሕሪ'ቲ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ኣብ ሙኒክ ብዛዕባ ኤውሮጳን ክብርታት እቲ ዞባን ድሕሪ ዝሃቦ ርእይቶ እዩ ተኻይዱ።

"እዚ ኣብ ኣመሪካ ብመሰረቱ ሓደ ነገር ከም ዝተቐየረ ዘርኢ ንጹር ምልክት እዩ ነይሩ። ኣመሪካ ናበይ ገጻ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግን ኣብ ጸጥታና ክመጽእ እንከሎ 100 ሚእታዊት ኣብ ሓለዋ ኣመሪካ ክንምርኰስ ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ነይሩና - እዚ ሕጂ የለን፡" ይብል ማርከስ ዚነር።

ጀርመናውያን ሕጂ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታት ክልቲአን ሃገራት -ሩስያን ኣመሪካን - ዘለዎም ጥርጣረታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀርመናውያን ሕጂ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንታት ክልቲአን ሃገራት -ሩስያን ኣመሪካን - ዘለዎም ጥርጣረታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ታሪኽ ንድሕሪት ምግዳፍ

ኣብ በርሊን፡ ጀርመናውያን ብዛዕባ ኲናት ሒዞሙዎ ዝፀንሑ ኣተሓሳስባ ብቕልጡፍ ዝሃስስ ዘሎ ይመስል።

ጓል 18 ዓመት ሻርሎት ክረፍት፡ ኲናትን ጐንጽን ፍትሓዊ ኣይኰኑን ዝብል ዝነበራ ኣረኣእያ ከም ዝተቐየረ ትዛረብ።

"ንናይ ብሓቂ ንነዊሕ እዋን፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝፈጸምናዮ ግፍዒ ንምኽሓስ እቲ እንኰ መገዲ ዳግማይ ከም ዘይፍጸም ምርግጋጽ እዩ ኢልና ንሓስብ ነይርና [...]፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ምውጋድ ከም ዘድልየና ድማ ንሓስብን። ሕጂ ግን ንክብርታትና፣ ዴሞክራስን ናጽነትናን ክንቃለስ ኣብ ዘድልየና ኵነታት ኢና ዘለና፡ ክንቕየር ኣለና፡" ትብል።

ካልእ ሉድቪግ ስታይን ዝተባህለ ጀርመናዊ፡ "ብዙሓት ጀርመናውያን ኣለዉ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይልታትና ብዛዕባ ዓበይቲ ወፍሪታት ክሳብ ሕጂ ዝገርም ኰይኑ ዝስምዖም። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዘጋጠሙ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ግን ካልእ ሓቀኛ ኣማራጺ ዘሎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

ሶፊ ዝተባህለት መንእሰይ ኣደ፡ ሕጂ ኣብ ምክልኻል ወፍሪ ምግባር "ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ኣድላዪ" እዩ ኢላ ትሓስብ።

ጀርመን ግን ወተሃደራት ከምኡ'ውን ታንክታት የድልያ፤ ደቃ ናብቶም ሓይልታት ንክጽንበሩ ዘለዋ ድሌት ግን ኣዝዩ ትሑት እዩ።

'ንውግእ ድልዊ ዲዅም?'

ጀርመን ድሮ መሳርዓ ብ20 ሽሕ ወተሃደራት ብምዕባይ ናብ 203 ሽሕ ወተሃደራት ከተብጽሖን ማእከላይ ዕድመ ካብ 34 ንምውራድን ዝሓንጸጸቶ ሸቶ ኣይሳኽዐትን።

ህርፋን ጀነራል ብሩየር ግን ላዕሊእዚ 'ዩ።

ጀርመን ንነብሳን ምብራቓዊ ሸነኽ ኔቶን ብእኹል መገዲ ንምክልኻል ተወሳኺ 100 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዘድልያ፡ ዕቑር ሃብቲ ሓዊሱ ብድምር 460 ሽሕ ወተሃደራት ከምዘድልያ፡ ይዛረብ።

ስለዚ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምምላስ "ፍጹም" ኣድላዪ ምዃኑ ይምጕት።

"እዚ 100 ሽሕ ብዘይ ሓደ ወይ ካልእ ሞዴል ወተሃደራዊ ስራሕ ኣይትረኽቦን ኢኻ። እንታይ ዓይነት ሞዴል ከም ዘምጽኦም ሕጂ ክንውስን ኣየድልየናን'ዩ። ንዓይ እቶም ወተሃደራት ምእታው ጥራይ'ዩ ኣገዳሲ።"

እቲ ክትዕ ገና ይጅምር እዩ ዘሎ።

ጀነራል ብሩየር ጀርመን ዝያዳን ብቕልጡፍን ንምድፋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ቅድሚት ከም ዘሎ ግን ብንጹር ይርአ።

በቲ ቀሊልን መሳጥን ኣቀራርብኡ፡ ኣብ ገለ ኣዳራሻት ከተማታት ንዝርከቡ ተዓዘብቲ "ንውግእ ድሉዋት ዲኹም?" ብዝብል ሕቶ ክፈታተንን ይርአ።

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ሰበይቲ 'ኣፍሪሕኻኒ' ኢላ ከሰሰቶ።

" 'ኣነ ኣይኰንኩን ዘፈራርሐኪ ዘለኹ፡ ዘፈራርሐኪ ዘሎ ካልእ ስብኣይ'ዩ!' ኢለ መሊሰላ " ክብል ይዝክር።

ንቭላድሚር ፑቲን እዩ ዝጠቅስ ነይሩ።

እቲ ማንታ "ናይ ምንቃሕ" ደወል - ስግኣት ሩስያን ተነጽሎ-ፀጥታ ኣመሪካን - ሕጂ ንጀርመን ዓብዪ መልእኽቲ'ዩ ብምባል እቲ ጀነራል ይምጉት፡ እዚ ድማ ዕሽሽ ክበሃል ኣይክእልን።

"ሕጂ ነፍሲ ​​ወከፍና ክንቅየር ከም ዘለና ርዱእ ኰይኑ ኣሎ።"