ፑቲን፡ ኣብ ታሪኽ ሩስያ 'ዝዓበየ' ጻውዒት ምልመላ ወተሃደራት ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝዀኑ 160,000 ደቂ ተባዕትዮ ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ጸዊዑ።
እዚ ካብ 2011 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ንደሓር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፡ እታ ሃገር ብዝሒ ኣባላት ሰራዊታ ንምስፋሕ ቈሪጻ ተላዒላ ኣላ።
እዚ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ፑቲን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሩስያ ሓፈሻዊ ብዝሒ ወተሃደራዊ ሓይላ ናብ ኣስታት 2.39 ሚልዮን ከተብጽሖ ኣለዋ ኢሉ ነይሩ።
ቍጽሪ ንጡፋት ኣገልገልቲ ድማ ናብ 1.5 ሚልዮን ክትውስኽ ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ማለት ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት፡ ቍጽሪ ሰራዊት እታ ሃገር ብ180 ሽሕ ክውስኽ እዩ።
ምኽትል ኣድሚራል ቭላድሚር ትሲምልያንስኪ፡ እቶም ሓደስቲ ወተሃደራት፡ ሩስያ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ኢላ ናብ እትጽውዖ፡ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ውግእ ከም ዘይለኣኹ ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ሓደሽቲ ዕሉማት ኣብ ዶባዊ ዞባታት ሩስያ ብዝተኻየደ ውግእ ከም ዝተቐትሉን ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይቲ ምሉእ ኲናት ዩክረይን ክዋግኡ ከም ዝተላእኩን ጸብጻባት ይቐርቡ።
እዚ ሕጂ ኣመሪካ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ንኽልቲአን ሃገራት ትሽምግል ከም ዘላ ይፍለጥ።
ትማሊ ሰሉስ፡ ዩክረይን ኣብ ደቡባዊት ከተማ ከርሰን ኣብ ዝርከብ መሳለጥያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሩስያ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ 45,000 ሰባት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከም ዝሰኣኑ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ምስ ዩክረይን ብሽምግልና ኣመሪካ ዝተገብረ ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ምባል እኳ እንተ ነጸገቶ፡ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ጸዓት ዩክረይን መጥቃዕቲ ምፍጻም ደው ከተብል ከም ዝተሰማምዐት ትገልጽ።
ሞስኮ ንውዕላት ናይቲ ስምምዕ ከም ዝጠሓሰት ንምኽሓድ ኣብ እትገብሮ ርኡይ ፈተነ፡ ሰበስልጣን ሩስያ ንፑቲን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸማ ገሊጾም።
ሩስያ ኣብዚ እዋን ዘቕረበቶ ጻውዒት ወተሃደራት፡ ካብቲ ኣብ 2024 ዝቐረበ ተመሳሳሊ ጻውዒት ብ10,000 ይዛይድ።
ካብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ዕድመ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክኣትዉ ጻውዒት ዝቐርበሎም መንእሰያት ካብ 27 ናብ 30 ዓብዩ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ካብቲ ብፖስታ ዝቐርብ ጻውዒት ብተወሳኺ፡ መንእሰያት ሩስያ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት መንግስቲ ጎሱስሉጊ ሓበሬታታት ክቐርበሎም'ዩ።
ኣብ ሞስኮ ድሮ ብሓደ ሚያዝያ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ 'mos.ru city' ጻውዒት ከም ዝተላእኸ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብዙሓት ሩስያውያን ግን "ኣማራጺ ስቪላዊ ኣገልግሎት" ብምውሳድ ካብቲ ሰራዊት ንምህዳም ይጽዕሩ ኣለዉ።
ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ቲሞፈይ ቫስኪን፡ ካብ ምጅማር ኲናት ኣትሒዙ ኵሉ ሓድሽ ጻውዒት ሎተሪ ከም ዝመሰለ ብምግላጽ፡"ሰበስልጣን ሓድሽ መልክዕ ምምላእ ሰራዊት ሒዞም ይመጽኡ ኣለዉ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
ሩስያ ካብቲ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እትገብሮ ጻውዒት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዝሰገረ፡ ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ወተሃደራት መልሚላን ካብ ሰሜን ኮርያ ኣሽሓት ወተሃደራት ኣምጺኣን እያ።
ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ንዘጋጠማ ሰፊሕ ክሳራ ምላሽ ክትህብ ተገዲዳ ኣላ፣ ልዕሊ 100,000 ወተሃደራት ኣብ ዩክረይን ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲን ሚድያዞናን ኣረጋጊጾም'ዮም። እቲ ኣሃዝ ልዕሊ ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ንምሓዝ ሰራዊት ካብ ዝእዝዝ ንደሓር ሰለስተ ግዜ ብዝሒ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣዕብዩ ኣሎ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብ ታሕሳስ 2023 ዝተገብረ ወሰኽ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ምስቲ ካብ ክልቲኡ ኲናት ዩክረይንን "ቀጻሊ ምስፍሕፋሕ ኔቶ"ን ዝመጽእ "ዓብዪ ስግኣታት" ኣተሓሒዙዎ።
ኔቶ ንፊንላንድን ሽወደንን ብምሕዋስ ቍጽሪ ኣባላቱ ኣስፊሑ፡ እዚ ድማ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር እዩ።
ፊንላንድ ምስ ሩስያ 1343 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዝነውሐ ዶብ ዘለዋ ኰይና፡ ቀዳማይ ምኒስተር ፔተሪ ኦርፖ፡ ሃገሩ ምስ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ሩስያ ብምዃን ካብቲ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ዝእግድ ውዕል ኦታዋ ክትወጽእ ምዃና ብሰሉስ ገሊጹ።
ፖላንድን ሃገራት ባልቲክን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተመሳሳሊ ውሳነታት ዝወሰዳሉ ምኽንያት ድማ ካብ ሩስያ ዝመጽእ ወተሃደራዊ ስግኣት ዘንቀሎ መእዃኑ ገሊጸን።
ኦርፖ፡ ዳግማይ ምጥቃም ጸረ-ሰብ ነተጕቲ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ገምጋም ዝተመርኰሰ ምዃኑን ህዝቢ ፊንላንድ ዘጨንቖ ነገር ከም ዘይብሉን ገሊጹ።
ኣብ ሄልሲንኪ ዝርከብ መንግስቲ ብተወሳኺ፡ ወጻኢታት ምክልኻል ናብ 3% ክዓቢይ ምዃኑን እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 2.4% ከም ዝወሰኸን ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







