ትራምፕ፡ ስለምንታይ ብፑቲን 'ተቘጢዑን' መጠንቀቕታ ሂቡን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ ጀሚሩ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንምባል ጻዕሪታት ክገብር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ኣዝዩ ከም ዝተቘጥዐን ከም ዝተበሳጨወን፡" ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ፑቲን ንተኣማንነት ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ከነኣእስ ምስምዑ ከም ዘቘጥዖ ብምሕባር፡ ተዅሲ ደው ኣብ ምባል እንተ ዘይተሰማሚዑ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ ዝገዝኣ ሃገራት 50 ምኢታዊት ቀረጽ ክገብር ምዃኑ ተሓንዩ።
"ኣነን ሩስያን፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ምፍሳስ ደም ደው ንምባል ስምምዕ ክንገብር እንተ ዘይክኢልና፡ እሞ ድማ ጌጋ ሩስያ እዩ ኢለ እንተ ሓሲበ - ብርግጽ ከምኡ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፣ . . .ኣብ ልዕሊ ኵሉ ካብ ሩስያ ዝወጽእ ነዳዲ ተደራቢ ቀረጽ ክገብር እየ፡" ኢሉ።
እዚ ርእይቶታት፡ ትራምፕ ኣብ ፑቲንን ሩስያን ዘለዎ ኣጠማምታ ይቕየር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንኽህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ኣብ ዩክረይን ተኹሲ ደው ንምባል ዝምልከት ልዝባት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ትራምፕ ንፑቲን ይውግን ከም ዘሎ ስክፍታ ነይሩዎም።
ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣቢሉ ትራምፕ ንዘለንስኪ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዓዲሙ ብምዝላፍ፡ ካብቲ ፕረዚደንት ብዙሕ ሕድገታት ሓቲቱ ነይሩ። ንፑቲን ብምውዳስ ከኣ ብዓቢዩ ንጠለባት እቲ መራሒ ሩስያ ወጊኑ።
ኣመሪካ ንሩስያ ኣብ ድርድር ተዅሲ ደው ምባል፡ እግራ ምስሓባ ሳዕቤን ከም ዝህሉዎ ብኸቢድ ከተፈራርሓ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ኤንቢሲ ኒውስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ትራምፕ ኣብ ናይ 10 ደቓይቕ ናይ ቴለፎን ቃለመሕትት፡ ፑቲን ንተኣማንነት መሪሕነት ዘለንስኪ ብምንቃፉ፡ "ኣዝዩ ከም ዝተቘጥዐን ከም ዝተበሳጨወን፡" ገሊጹ'ሎ።
ግን ከኣ ትራምፕ ንባዕሉ ንመራሒ ዩክረይን 'ውልቀ መላኺ' ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ኣብታ ሃገር መረጻ ከካይድ ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።
"ፑቲን ኣብ ተኣማንነት ዘለንስኪ ኢዱ ከእቱ ምስ ጀመረ ኣዝየ ተቘጢዐ. . .ተበሳጭየ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ፡ እዚ ናብ ትኽክለኛ ኣንፈት ኣይከይድን'ዩ፡" ኢሉ ትራምፕ።
ትራምፕ ብዛዕባ ፑቲን ክዛረብ ከሎ፡ መንግስቲ ሩስያ ብዛዕባ ቍጥዐኡ ከም ዝፈልጥ እኳ እንተ ገለጸ፡ ምስ መራሒ ሩስያ ግን "ኣዝዩ ጽቡቕ ዝምድና" ከም ዘለዎን " [ፑቲን] ቅኑዕ ነገር እንተ ገይሩ ድማ እቲ ቍጥዐ ቀልጢፉ ከም ዝዝሕልን`" ኣመልኪቱ።
ሩስያ ተዅሲ ደው ንምባል ድልውቲ እንተ ዘይኰይናን እቲ ጌጋ ናይ ፑቲን እዩ ኢሉ እንተ ሓሲቡን ግን ንቝጠባኣ ዝያዳ ዒላማ ክገብር ምዃኑ ኣፈራሪሑ።
"ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሽየጥ ነዳድን ካልኦት ፍርያትን 25 ምኢታዊት ቀረጽ ክህሉ'ዩ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ ስምምዕ እንተ ዘይተገይሩ እቲ ቀረጻት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣገንዚቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካልኣዊ ታሪፍ (Secondary tariffs) ምስ ካልእ ሃገር ንግዲ ኣብ ልዕሊ ዝገብራ ሃገራት ዝንበር እገዳ እዩ። እዚ ከኣ እተን ካብ ሩስያ ነዳዲ ዝገዝኣ ሃገራት ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝልእኽኦም ኣቑሑት ክሳብ 50 ምኢታዊት ቀረጽ ምግባር ክበጽሕ ይኽእል።
ዘለንስኪ ነቲ ቃለመሕትት ስዒቡ፡ "ሩስያ ነዚ ኲናት ዝያዳ ንምንዋሕ መመኽነይታ ምድላይ ትቕጽል ኣላ፡" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።
"እዚ ንዅሉ ሓደገኛ'ዩ - ካብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኵሎም ሰላም ዝደልዩ ዓለማውያን መሻርኽትናን ድማ ግቡእ ምላሽ ክወሃብ ይግባእ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ምስ ፑቲን ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ዩክረይን ምሉእ ወራር ምጅማራ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን ከኣ ኣስታት 20 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ተቘጻጺራ ትርከብ።
ኲናት ዩክረይን ናብ ራብዓይ ዓመት ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ጐድኒ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ተሰሊፎም ዝቃለሱ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ብሩስያዊ ናጻ ጕጅለ መራኸቢ ብዙሓን ሚድያዞና፣ ከምኡ`ውን ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሮም ሞት ክቘጽሩ ዝጸንሑ ወለንተኛታት ዝተጸንዐ መረዳእታ ንቢቢሲ ይሕብር።
ዩክረይን ንመወዳእታ ግዜ ኣሃዛት ጉድኣት ኣብ ታሕሳስ 2024 ወግዓዊ ዝገበረት ኰይና፡ ኣብ መንጐ ወተሃደራትን መኮንናትን ዝርከቡዎም 43 ሽሕ ዩክረይናውያን ከም ዝሞቱ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተኣሚኑ።
ምዕራባውያን ተንተንቲ እዚ ኣሃዝ ውሑድ ምዃኑ ይኣምኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







