ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ውግእ ደው ከብላ ምስምምዐን፡ ተግባራዊ ይኸውንዶ?

ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከየካይዳ ከም ዝተሰማምዓ መንጎኛአን ኣመሪካ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከየካይዳ ከም ዝተሰማምዓ መንጎኛአን ኣመሪካ ገሊጻ

ሩስያን ዩክረይንን ንኽልተ መዓልታት ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ድሕሪ ዘካየድኦ ዘተ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝካየድ ውግእ ደው ከብላ ዝተፈላለየ ስምምዓት ምስ ኣመሪካ ከም ዝኸተማ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ክልተኦም ወገናት "ጽኑዕን ነባሪን ሰላም፡" ንምስፋን ከም ዝሰርሑ ብምግላጽ፡ እቶም ስምምዓት፡ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ከም ዝኸፍቱ ሓቢራ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣቐዲመን ሓድሕደን ኣብ መደበራት ጸዓት መጥቃዕቲ ደው ከብላ ዝተሰማምዓሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል "ዘሰጕሙ ተበግሶታት" ክወስዱ ቃል ከም ዝኣተዉ ገሊጻ።

እንተዀነ ሩስያ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ኣብ መግብን ድዅዕን ዝተነብረላ እገዳታት ምስ ዝለዓል ምዃኑ ሓቢራ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ነዚ ስምምዕ ንምስላጥ ንልኡኻት ሩስያን ዩክረይንን ብተናጸል ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ከዘራርቡዎም ጸኒሖም እዮም።

ልኡኻት ሩስያን ዩክረይንን ግን ገና ብቐጥታ ኣይተራኸቡን።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ዝተገብረ ስምምዕ፡ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ክሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን ንምፍላጥ ገና እዩ። ይዅን'ምበር፡ ጽቡቕ ርክብ፡ ቅኑዕ ውሳነታትን ቅኑዕ ስጕምትታትን እዮም ነይሮም፡" ኢሉ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዶናልድ ትራምፕ 'ስምምዕ ሰላም ዓናቒፉ' ተባሂሉ ዝተወቕሰ ዘለንስኪ፡ "ደጊም ዩክረይን ንነባሪ ሰላም ኣይትጽዕርን እያ ክብል ዝኽእል ሰብ የሎን፡" ክብል ወሲኹ።

እንተዀነ፡ ኣመሪካ ነዚ ስምምዕ ሰላም ካብ ተበስር ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ባንክታታ፡ ኣፍረይትን ሰደድን ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ንግዲ መግብ ድዅዒን ሃገራ ዝተነብረ እገዳ ክሳብ ዘይተላዕለ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዘይጅመር ገሊጻ።

እቲ ስምምዕ መዓስ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ኣመሪካ ኣየነጸረትን።

ካርታ ሩስያን ዩክረይንን ምስ ጸሊም ባሕሪ

ትራምፕ ብዛዕባ ምልዓል እገዳ ብጋዜጠኛታት ምስ ተሓተተ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ኵላቶም ንሓስብ ኣለና፣ ንርእዮ ኣለና፡" ኢሉ።

ዋሽንግተን ብዛዕባ ዝርርብ ኣመሪካን ሩስያን ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ሩስያ ናብ ዓለማዊ ዕዳጋ ሰደድ መግብን ድዅዒን ዳግማይ ንኽትኣቱ፡ ኣመሪካ ክትሕግዛ እያ፡" ይብል።

ዘለንስኪ ነዚ፡"ምድኻም መርገጺታት" ክብል ኣብ ኪየቭ ኰይኑ ወቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ንግዳዊ መራኽብ ብውሕስ መንገዲ ክሓልፋ ዘፍቅድ ውዕል ኣብ 2022 ከቲመን ነይረን። እንተዀነ፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት ናይታ ዓመት ንዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምክያዳ ፈሪሱ።

ክልተአን ሃገራት ዓበይቲ ሰደድቲ እኽሊ ኰይነን፡ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ዋጋታት እኽሊ ዓለም እምብዛ ክኸብር ተራእዩ።