ዘለንስኪ፡ ሩስያ 'ዘየድሊ' ጠለባት ካብ ምቕራብ ክትቍጠብ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሰበስልጣን ዩክረይንን ኣመሪካን ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ንዝርርብ ሰላም ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝርርብ ከም ዝካየድ ኣማኻሪ ጉዳያት ወጻኢ ፑቲን ሰርጌይ ኡሻኮቭ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ገሊጹ።
መራሒ ዩክረይን፡ ፑቲን "ነቲ ኲናት ከም ዝናዋሕ ዝገብር ዘየድሊ ጠለባት ካብ ምቕራብ ክሕየብ ኣለዎ፡" ኢሉ። እቲ ሞስኮ ተቕርቦ ዘላ ቅድመ-ኵነት፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ኰነ ጸጥታዊ ሓገዛት ምሉእ ብምሉእ ክቋረጽ ዘጠቓልል እዩ።
ዘለንስኪ ኣስዒቡ፡ ነቲ ፑቲን 'ዩክረይን ናብ ኔቶ ምጽንባር' ዝብል ሓሳብ ክእለ ዘቕረቦ ካልእ ቅድመ-ኵነት፡ "ዓቢይ ህያብ ንሩስያ፡" ክኸውን እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ክልተኦም መራሕቲ ዝገበሩዎ ናይ ተለፎን ርክብ ተመርኲሳ፡ ኣመሪካ ንንዩክለሳዊ መመንጨዊ ሓይሊ ዩክረይን ክትወስዶ ከም ዝተዘራረቡ ዝገለጸቶ፡ ነጺጉዎ።
እዚ ዳሕረዋይ ዝርርብ ዝሰዓበ፡ እዘን ሃገራት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ውግእ ድሕሪ ምጽንሐን ስምምዕ ሰላም ንኽፍጸም ኣመሪካ ኣበርቲዓ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን እዩ።
ዘለንስኪን ፑቲንን ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ብመትከል ተሰማሚዖም እዮም። እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓድሕዱ ዝገራጮ ቅድመ-ኵነታት ገና ተጨባጢ ክኸውን ኣይከኣለን ዘሎ።
መራሒ ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት መደበራት ጸዓት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣየር ደው ክብል እኳ እንተ ተሰማምዐ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ግን ቀጺሉ'ሎ።
ዘለንስኪ ከም ዝሓበሮ፡ ልኡኽ ዩክረይን እቲ ካብ መጥቃዕቲታት ሩስያ ክሕሎ ዝተደልየ መሰረተ-ልምዓታት፡ ኣብቲ ሰኑይ ዝካየድ ዘተ ንኣመሪካ ዝርዝሩ ከም እተረክብ ገሊጹ።
ዘለንስኪ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኖርወይ ጆናስ ጋህር ስቶረ ኣብ ኦስሎ ዝሃቦ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣመሪካ ንንዩክለሳዊ መመንጨዊ ሓይሊ ዩክረይን ክትውንኖ ከም እትኽእል ዝገለጸቶ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ነቲ መግለጺ ዋይት ሃውስ ምሉእ ብምሉእ ነጺጉዎ።
ኣብቲ ምስ ትራምፕ ዝገበሩዎ ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ሩስያ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዛፖሪዝያ ከም ዝተዘራረቡ እኳ እንተ ገለጸ፡ "ኵሎም ንዩክለሳውያን መመንጨዊ ሓይሊ ዋንነት ህዝቢ ዩክረይን፡" ምዃኖም ግን ኣስሚርሉ።
እንተዀነ፡ ኣመሪካ ነቲ መመንጨዊ ሓይሊ ካብ ሩስያ ወሲዳ ከተውፍረሉ ወይ ከተዘምኑዎ ክፉት ምዃኑ ገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣመሪካ ነቲ መሰረተ-ልምዓት እንተ ወኒናቶ "[ንዩክረይን] ዝበለጸ መከላኸሊ ክኸውን እዩ፡" ኢሉ ነይሩ እዩ።
ዘለንስኪ ንሩስያ መሬት ክህባ ፍቓደኛ እንተዀይኑ'ውን ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ፣ ብሕልፊ እታ ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ዘላ ክረምያ።
"እዛ ሓውሲ ደሴት ዘይትንጸል ኣካል ዩክረይን እያ፡" ክብል መሊሱ።
ክረምያ ዋላ'ኳ ሩስያ ብሓይሊ ጐቢጣ ከም ዝጸንበረታ እንተ ገለጸት፡ ዓለም ግን ከም ኣካል ዩክረይን እያ እትፈልጣ።

እቲ ተዅሲ ደው ምባል ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስ ተሓተተ፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ደው ንምባል ከም ቀንዲ ኣማራጺ ስለ ዝርእዮ፡ ቀዳማይ መድረኹ ብመሬትን ባሕርን ምቍራጽ ተዅሲ ክካየድ ዘኽእል ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።
ትራምፕ ብሰሉስ ምስ ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ጸዓት እትገብሮ ተደጋጋሚ ደብዳብ ደው ከተብሎ ኣብ ስምምዕ እኳ እንተ በጽሐ፡ ተወሳኺ ስምምዕ ክግበር ግን ኣይተኻእለን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ 2022 ብምሉእ ወራር ሩስያ ዝጀመረ ኲናት ገና ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዩክረይን ብሓደ ለይቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዩክረይን ብወገና ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ቈሲሎምን መዓርፎ ነፈርቲ ብሓዊ ተቓጺሉን።
ዘለንስኪ ብቪድዮ ኣቢሉ ንመራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምምጣው ክቕጽሉ ሓቲቱ። ንደብዳብ መዳፍዕ ዝውዕል ብውሕዱ 5 ቢልዮን ዩሮ "ብዝተኻእለ መጠን" ከወሃቦ ጠሊቡ። እቲ ንዩክረይን ዝህቡዎ ዘለዉ ቀጻሊ ሓገዝ "ኣዝዩ ኣገዳሲ፡" ምዃኑ ገሊጹ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘተ ሰላም ክሳተፍ ከም ዘለዎ ዝገለጸ ዘለንስኪ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኲናት ሩስያ ዝገብሩኦ ዘለዋ ጸቕጢ ከየጕድላ ተማሕጺኑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ከፊላዊ ተዅሲ ደው ምባል ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ኤውሮጳን ካልእን ዝመጽኡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኣኪቦም፡ ናብ ዩክረይን ዝዘምት ኣህጉራዊ ሓይሊ ዓቃቢ-ሰላም ንምህናጽ መደብ ሓንጺጾም።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ሰላም ክህሉ ምዃኑ ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ጠቒሱ፣ እንተዀነ፡ "ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዘምርሕ ስጕምቲ ንወስድ ኣለና፡" ክብል ገሊጹ። ብዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝምራሕ "ልፍንቲ ፍቓደኛታት" ናብ "ስርሒታዊ ምዕራፍ" ይኣቱ ከም ዘሎ'ውን ኣመልኪቱ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ኖርዝውድ ንዝተጋብኡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ "ውዕል ክህሉ ተስፋ ንገብር፣ ይዅን'ምበር፡ ሕጂ ክንውጥን ኣለና፡" ኢሉ። "ውጥን ምውጻእ ክሳዕ ውዕል ዝፍጸም ክጽበ የብሉን።"
"እቲ ዝስራሕ ክንዓዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፡ ብድሕሪኡ ዝድግፎ ዘይብሉ ውዕል፡ ፑቲን ክጥሕሶ ቀሊል እዩ ዝኸውን፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







