ዘለንስኪ ተስፋ ዝገበረሉ ዝርርብ ኣመሪካን ዩክረይንን ኣብ ስዑዲ ዓረብ

ዘለንስኪ ናብ ኣመሪካ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock

ዝርርብ ኣመሪካን ዩክረይንን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክካየድ ምዃኑ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ትራምፕ ብጐይቅን ክትዕን ዝተፈላለየ ፕረዚደንት "ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ" ክኸውን ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ ንግስነት ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ'ኳ እንተዀነ ኣብቲ ዝርርብ ግን ኣይክሳተፍን።ስለ ምንታይ ንሱ ኣብቲ ልኡኻቶም ዝሳተፍሉ ዝርርብ ከም ዘይሳተፍ ግን ኣይገለጸን።

ዩክረይን ኣብ "ቅልጡፍን ቀጻልን" ሰላም ንምብጻሕ ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊጹ'ሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ እቲ ንኣመሪካ ዝውክል ጕጅለ ንኲናት ሩስያን ዩክረይንን ደው ንምባል ኣብ ዝሕግዝ "ማዕቀፍ" ሰላም ክዛተ ከም ዝደሊ ኣመልኪቱ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ዘለንስኪን ትራምፕን ኣብ ዋይት ሃውስ ናብ ምፍጣጥ ኣትዮም ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ ትራምፕ ንዘለንስኪ 'ነቲ ውግእ ደው ከብሎ ድሉው ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ።

ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ ከኣ ኣመሪካ ንዩክረይን ወተሃደራዊ ሓገዛት ምቕራብን ስለያዊ ሓበሬታ ምሃብን ደው ከተብሎ ምውሳና ይፍለጥ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከምዝበሎ፡ እቲ ልዝብ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጅዳ'ዩ ክካየድ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዘለንስኪ፡ በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ ምስታ ዝዓበየት ወተሃደራዊት ሓገዛት እተቕርበሎም ሃገር ዘለዎም ርክብ ንምጽጋን ጽዒሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ዝኾነ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ፕረዚደንት ሃገሩ ካብ ዘለንስኪ "ይቕሬታ"ን "ስምዒት ምስጋናን" ዝሓዘ ደብዳበ ከም ዝበጽሖ ብሓሙስ ገሊጹ።

"ምስ ዩክሬናውያን ዘለውና ነገራት ናብ ንቡር ክንመልሶም፡ ኩሉ ድማ ክቕጽል ተስፋ ንገብር፡" ኢሉ እቲ ፍሉይ ልኡኽ።

ዘለንስኪ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ዝርርብ ሰላም ሕድገታት ክገብር ካብ ኣመሪካ ሓያል ጸቕጢ ክበጽሖ እንከሎ፡ ንሱ ብወገኑ ንሃገሩ ጽኑዕ ውሕስነት ጸጥታ ክወሃባ ክደፍእ ጸኒሑ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ምጅማራ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ ድማ ኣስታት 20 ምኢታዊት መሬት ዩክሬን ተቖጻጺራ ኣላ።

ዝርርብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ

ዘለንስኪ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዝርርብ ኣመሪካን ዩክረይንን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝጠቅዖ ተኸታታሊ ጽሑፋቱ እዩ ኣፍሊጡ።

"ጉጅለታት ዩክረይንን ኣመሪካን ዳግማይ ስራሕ ቀጺለን ኣለዋ። ዝመጽእ ሰሙን ድማ ትርጉም ዘለዎ ኣኼባ ክንገብር ተስፋ ኣለና፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

"ዩክረይን ካብታ ኵናት ዝተወለዓትላ ህሞት ጀሚራ ሰላም ክትደሊ ጸኒሓ'ያ። እቲ ኲናት ብሰንኪ ሩስያ ጥራይ ይቕጽል ምህላዉ'ውን ወትሩ ንገልጽ ኢና፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ፡ ሩስያ "ምዝዛም እቲ ኲናት ንክትቕበል" ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊኣ ዝያዳ ጸቕጢ ክገብር'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዝቐረበ ውጥን ዕርቂ ጠቒሱ።

እቲ ውጥን ኣብ ኣየርን ባሕርን ተኹሲ ደው ምባል ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ጸዓትን ካልእ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ሓሳብ ዘቕርብ'ዩ።

ሩስያ ኣብቲ ብፈረንሳ ዝቐረበ እማመ ቅሉዕ ርእይቶ ኣይሃበትን።

ፑቲን ትማሊ ሓሙስ "ብነዊሕ እዋን ህድኣት ዘረጋግጽ" ሰላም፡ ድልየት ሃገሩ ከምዝኾነ ገሊጹ'ሎ።

"ናይ ካልኦት ዝኾነ ነገር ኣይንደልን ኢና፤ ናትና ዝኾነ ነገር እውን ፈጺምና ኣይንገድፍን ኢና" ክብል ወሲኹ።

ሩስያ ኣብ 2014 ንደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ-ዩክረይን ናብ ግዝኣታ ከም ዝሓወሰት ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዝርከባ ካልኦት ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን እውን ዋላ እኳ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተቘጻጸረተን ናታ ከም ዝዀና ትሙጕት።

ዩክረይንን መሻርኽታ ኤውሮጳውያንን፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሩስያ ምቅርራቡ ዝፈጠረለን ስግኣተን ክገልጻ ጸኒሐን'የን።

ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ኣሜሪካ ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ከብቅዕ ክትገብር ምዃና ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ መባእታዊ ዝርርብ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኻይዱ፤ ወከልቲ ኤውሮጳ ይዅኑ ዩክረይን ግን ኣይተረኸቡን።