ዘለንስኪ፡ ኣብ ትሕቲ 'ሓያል መሪሕነት' ትራምፕ ክሰርሕ ድሉው'የ ይብል

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ትሕቲ "ሓያል መሪሕነት" ዶናልድ ትራምፕ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ንኪቭ እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከም ዝበለት ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ነዊሕ ጽሑፉ፡ ነቲ ምስ ዋይት ሃውስ ዘጓነፈ ምትህልላኽ "ዘጣዕስ" ክብል ገሊጽዎ።
ትራምፕ፡ ዘለንስኪ ናብ መኣዲ ዘተ ክመጽእ ድሉው ከም ዘይኰነ ድሕሪ ምኽሳሱ ድማ ዘለንስኪ "ነገራት ንምእራም ግዚኡ ሕጂ'ዩ፡" ኢሉ።
ንሱ፡ እቲ ኲናት ንምውዳእ ክግበሩ ኣለዎም ዝበሎም ቀዳሞት ምዕራፋት ጠቒሱ ኣሎ።
"እቲ ኲናት ንምውዳእ ብቕልጡፍ ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና፡ እቶም ቀዳሞት መድረኻት ድማ ምሩኻት ምፍታሕን ኣብ ሰማያት ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር፣ ምእጋድ ሚሳይላት፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጸዓትን ካልእ ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቦምባታት - ከምኡ'ውን ኣብ ባሕሪ ብቕጽበት ደው ክብል'ዩ፡" ብምባል ሩስያ'ውን ከምኡ ክትገብር ኣለዋ ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ድሕሪኡ ኣብ ኵሉ ዝቕጽል መድረኻት ኣዝዩ ብቕልጡፍ ክንስጕምን ምስ ኣመሪካ ብምዃን ጽኑዕ ዛዛሚ ስምምዕ ክንገብርን ንደሊ፡" ክብል ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን፡ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ካብ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ስምምዕ ማዕድናት ፈሪሞም ነቲ ኲናት ከብቅዕ ድሉዋት ምዃኖም ዝገልጽ ደብዳበ ከም ዝበጽሖ ተዛሪቡ።
ዩክረይን "ዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ድርድር ሰላም ክትጅምር ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ፡ ሩስያ'ውን ስምምዕ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ዘርእዩ ምልክታ ኣለዉ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ካብ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝተላእኸ ደብዳበ ዓው ኢሉ ከንብብ እንከሎ፡ እዚ ደብዳበ ምስቲ ኣቐዲሙ ዘለንስኪ ኣብ ኤክስ ዝጠቅዖ መልእኽቲ ዝመሳሰል እዩ።
ትራምፕ "ነዚ ደብዳበ ብምልኣኹ ኣዝየ ይንእዶ፡" ኢሉ።
ንሱ፡ "ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ግጭት ንምውጋድ ከይተሓለልኩ እሰርሕ ኣለኹ፡" ብምባል ሰሙናዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ይቕተሉ ከም ዘለዉን፡ እዚ ደው ክብል ከም ዝደሊን ይዛረብ።
ቅድም ኢሉ፡ኤውሮጳ ንዩክረይን ካብ ምሕጋዝ ነዳዲ ሩስያ ኣብ ምዕዳግ ዘውጽኣቶ ገንዘብ ይዛይድ ብምባል ከሲሱ ነይሩ። ብመንጽር እዚ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ኣማኢት ቢልዮናት ሓገዝ ሂባ እያ ኢሉ።
ትማሊ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብወግዒ ደው ከም ዘበለቶ ተገሊጹ እዩ።
ዘለንስኪ ኣብ ጽሑፉ እንታይ ጠቒሱ?
ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኦቫል ሃውስ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ "ከምቲ ክኸውን ዝግበኦ መገዲ ከም ዘይከደ፡" ብምግላጽ፡ "ብኸምዚ ኣገባብ ምውድኡ ዘጣዕስ'ዩ። ነገራት ንምእራም ግዚኡ ሕጂ'ዩ። ኣብ መጻኢ ዝግበር ምትሕብባርን ርክብን ሃናጺ ክኸውን ንደሊ፡" ኢሉ።
ዩክረይን ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ማዕድናት ክትፍርም ድልውቲ ምዃና እውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
"ኣመሪካ ልኡላውነትን ናጽነትን ዩክረይን ክትዕቅብ ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ከም ዝተጕዓዘት ብሓቂ ዋጋ ንህቦ ኢና" ዝበለ ዘለንስኪ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንዩክረይን ኣጽዋር ዘቕረበሉ እዋን ድማ ንዝክሮ፡ በዚ ነመስግን፡" ክብል ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ ንዩክረይን ዝተሸጠ ስርዓት ጸረ ታንክ ሚሳይል ኣመሪካ ጠቒሱ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦቫል ኦፊስ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ንዘለንስኪ ኣመሪካ ንዝሃበቶ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣየመስገንካን ክብል ከሲሱዎ ነይሩ።
ዘለንስኪ ኣብቲ ህሞት ንነብሱ ተኸላኺሉ፣ ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት ድማ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ንኣመሪካውያን ስለቲ ኵሉ ደገፍኩም ኣዝየ እየ ዘመስግን፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ዘለንስኪን ሰበስልጣን ኣመሪካን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ክቡራት መዓድናት ክትረክብ ዘኽእላ ክሰማምዑ እዩ ነይሩ እቲ ትጽቢት።
እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ትራምፕ ንዘለንስኪ "ምስ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ትቋመር ኣለኻ፡" ኢሉ ምኽሳሱ ልኡኽ ዩክረይን ነቲ ስምምዕ ከይፈረመ ተመሊሱ።
ትራምፕ'ውን ንዘለንስኪ "ንሰላም ድሉው ምስ ኰንካ ተመለስ፡" ኢሉዎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ሓዊሱ፡ ዘለንስኪ "ውሕስነት ሰላም ንምርግጋጽ ንዝገበሮ ጽኑዕ ተወፋይነት፡" ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ።
"ኵሎም ወገናት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ዩክረይን ነባሪን ውሑስን ሰላም ንኽህሉ ክሰርሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡" ይብል መግለጺ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ምኒስትር።
ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዘለንስኪ ምስ ትራምፕ "ዳግማይ ክዘራረብ" ድልዊ ምዃኑ ንኢዱ።
ብሸነኽ ሞስኮ፡ ጕጅለ ቭላድሚር ፑቲን ኣቐዲሙ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ምባላ፡ "ብሉጽ" ኣበርክቶ ሰላም ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣመሪካ ነዚ ቀረብ ደው እንተ ኣቢላቶ፡ ወይ እንተ ኣቋሪጻቶ፡ እዚ ምናልባት ኣብ መስርሕ ሰላም ዝበለጸ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







