ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብወግዒ ደው ኣቢሉ

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከም ዝበለ ሓደ በዓል መዚ ዋይት ሃውስ ኣረጋጊጹ።

ንሱ፡ ንመሓዛ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ እንህቦ ሓገዝ ነቲ መፍትሒ የበርክት ምህላዉ ንምርግጋጽ ደው ነብሎን ንግምግሞን ኣለና፡" ኢሉ።

ሩስያ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ሰፊሕ ወራር፡ ኣመሪካ ኣጽዋርን ፋይናንሳዊ ደገፋትን ብምቕራብ ንዩክረይን እታ ዝዓበየት ምንጪ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

እዚ ስጕምቲ፡ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ምቁሩፅ ኲናት፡ "ገና ኣዝዩ ኣዝዩ ርሑቕ እዩ፡" ብምባል ንዝሃቦ መግለጺ ፡ ፕትራምፕ ድሕሪ ምንቃፉ ዝስዓበ'ዩ።

ኲናት ዩክረይን ንምቁራፅ ሓድሽ ተበግሶ ኤውሮጳ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ዘለንስኪ፡ "እቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ስምምዕ ገና ኣዝዩ ርሑቕ እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ነዚ ኵሉ ስጕምትታት ዝጀመረ ሰብ የለን። እቲ ኣብ መጻኢ ኣቐዲምና እንርእዮ ሰላም ፍትሓዊ፣ ቅኑዕ፣ ብዓቢኡ ድማ ዘላቒ ክኸውን ኣለዎ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘለንስኪ ካብ ኦቫል ሃውስ ዘባረረ ርሱን ክትዓት ዶናልድ ትራምፕን ዘለንስኪን ከም ዘጋጠመ ይዝከር።

ትራምፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ሶሻል ትሩዝ ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ፡ "ኣመሪካ ልዕሊ'ዚ ብዙሕ ኣይክትጻወሮን እያ! እቲ ዝብሎ ዝነበርኩ'ዩ፡ እዚ ወዲ ደገፍ ኣመሪካ ክሳብ ዘለዎ ሰላም ክህሉ ኣይደልን'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ግዜ ቢል ክሊንተን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ዝነበረ ስቲቨን ፒፈር፡ ውሳነ ትራምፕ፡ "ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዓውደ ውግእ ሓቀኛ ጽልዋ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣዝዩ ጌጋ እዩ፡" ይብል።

ፒፈር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክጥቀሞ ዝኽእል ብዙሕ መዋገዪ ጕዳያት ኣለዎ'ዩ ብምባል፡ "ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሩስያ ዝነበረ እገዳ ከጽንዖ ይኽእል ነይሩ፤ ምስ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓተ ብምዃን 300 ቢልዮን ዶላር ንብረት ማእከላይ ባንክ ሩስያ ሒዙ ነቲ ገንዘብ ንዩክረይን ክህባ ይኽእል'ዩ፡" ብምባል እቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲታት ኣንጻር ዩክረይን ዘቕንዐ ክኸዉን ከም ዘይግብኦ ተዛሪቡ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንዩክረይን ዝግበር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ንምባል ዝተወሰነ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም እቲ እንኰ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነባሪን ናይ መወዳእታ ሰላም ከምጽእ ዕድል ዘለዎ መራሒ'ዩ፡" ኢሉ።

ወሲዅ፡ "ንሩስያውያን ናብ መኣዲ ድርድር ከነምጽኦም ንደሊ። ሰላም ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን ክንምርምር ንደሊ፡" ይብል።

እዚ፡ ካብ ሓደ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ዝተዋህበ ፈላማዊ ወግዓዊ ርእይቶ'ዩ።

ዩክረይን፡ መን እንታይ ሓጊዙ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣመሪካ፡ ድሕሪ ደጊም ምክልኻል ኤውሮጳ ምሕጋዝ ደው ከተብል እያ ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ምምጽኡ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ሃገራት ኤውሮጳ - ዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ - ወተሃደራዊ ወጻኢታተን ክውስኻ ክግደዳ ገይሩ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ሃገራት ምዕራብ፡ ንዩክረይን ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ፡ ሰብኣውን ፋይናንሳውን ሓገዛት ሰሊዐን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዩክረይን ተወሳኺ ደገፍ ክትረክብ እንተዀይና ዩክረይን፡ ካብ ዕቝር ማዕድናታ ንኣመሪካ ክትህብ ክትሰማማዕ ከም ዘለዋ ይገልጽ ነይሩ።

ኣመሪካ፡ ክሳብ ሕጂ ንዩክረይን ዝዓበየ ምንጪ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኰይና፡ ኣጽዋር፡ መሳርሕታትን ፋይናንሳዊ ደገፍን ክትህብ ጸኒሓ እያ።

ካብ መጀመርታ 2022 ክሳብ መወዳእታ 2024፡ 69 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝሃበት ጀርመናዊ ትካል ኪል ኢንስቲትዩት ይሕብር።

ጀርመን፡ 13.6 ቢልዮን ዶላር፣ ዓባይ ብሪጣንያ 10.8 ቢልዮን ፓውንድ፡ ዴንማርክ 8.1 ቢልዮን ፓውንድ፡ ሆላንድ ድማ 6.3 ቢልዮን ዶላር ሂበን።

ኵሉ ዓይነት ሓገዛት እንተተደሚሩ - ወተሃደራዊ፡ ሰብኣውን ፋይናንሳውን - ኣመሪካ ኣስታት 120 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውጽአት መረዳእታታት ይሕብሩ።

እዚ ድማ ካብ መጀመርታ 2022 ጀሚሩ ንዩክረይን ካብ ዝተገብረ ጠቕላላ ደገፍ 43 ሚእታዊት ይሕዝ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣስታት 18.3 ሚእታዊት ከም ዝለኣኻ እቲ ትካል ይግምት።

ገለ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ -ከም ጀርመን ዝበላ ሃገራት- ተወሳኺ ኣበርክቶ ገይረን እየን።

ክልቲኦም ሓይልታት ዩክረይንን ሩስያን፡ መዳፍዕን መምርሒ ሚሳይላትን ብሰፊሑ ተጠቒሞም እዮም።

ዩክረይን ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሑ 'ኣታክ'ሲኤምኤስ' [ATACMS] ሚሳይላት ክትጥቀም ጸኒሓ እያ፡ እዚኦም ድማ ኣስታት 300 ኪ.ሜ ርሕቀት ይውንጨፉ።

ስርዓት ታክቲካዊ ሚሳይል [ኣታክ'ኤምኤስ]፡ ካብ ምድሪ ናብ ምድሪ ዝኸይድ ባሊስቲክ ሚሳይል ኰይኑ፡ ንዩክረይን ብፍሉይ ኣገዳሲ ዝገብሮ ዝጓዓዞ ርሕቐት እዩ።