ዩክረይን፡ መወዳእታኡ ካብ ዕቝር ማዕድናታ ንኣመሪካ ክትህብ ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images
ዩክረይን ምስ ኣመሪካ ዓቢይ ውዕል ማዕድናት ከተካይድ ከም ዝተሰማምዐት ኣብ ኪቭ ዝርከብ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ኣገደስቲ ዝዀኑ ምትዕርራያት ብምግባር ተሰማሚዕና ኣለና፣ ከም እወታዊ ውጽኢት ድማ ንርእዮ፡" ክብል ዝገለጸ እቲ ብዓል ስልጣን፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣመሪካ 500 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዩክረይን ንምጥቃም ዘኽእላ መሰል ክትረክብ ጠለብ እኳ እንተ ኣቕረበት፡ ነታ ብዂናት ተኸሲኣ ዘላ ዩክረይን ግን ውሕስነት ጸጥታ ኣይሃበትን።
ዩክረይን ኣውራ እትደልዮ ድማ ውሕስነት ጸጥታ እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ሓድሕዶም ተረርቲ ቃላት ድሕሪ ምልውዋጦም፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮላድሚር ዘለንስኪ ነቲ ስምምዕ ክፍርመሉ ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ እዩ።
ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ እኳ እንተ ዘየረጋገጸ፡ ዩክረይን ከም ኣምሳያ ናይቲ ስምምዕ "ናይ ምቅላስ መሰል" ከም እትረክብ ብሰሉስ ገሊጹ።
ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እምብዛ ተባዓት እዮም፡" ድሕሪ ምባል፡ እንተዀነ፡ "ብዘይ ኣመሪካ፡ ገንዘባን ወተሃደራዊ ናውታን እቲ ኲናት ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ መኽተመ ነይሩ፡" ኢሉ።
ቀረብ መሳርሒታትን ተተኰስትን ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ክቕጽል ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ምናልባት ምስ ሩስያ ውዕል ሰለላም ክሳዕ እንገብር። ውዕል ክንገብር ኣለና፣ እንተ ዘየሎ ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዩክረይን "ዓቃቢ ሰላም" ከም ዘድሊ ዝገለጸ ትራምፕ፡ "እዚ ግን ብዅሉ ቅቡል" ምስ ዝኸውን ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ድሕሪ`ቲ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንጠለባት ማዕድን ኣመሪካ ምንጻጉ፡ ትራምፕ ንዘለንስኪ፡ "ውልቀ-መላኺ" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሲጹዎ ነይሩ።
ንሩስያ ሓዲጉ ድማ ዩክረይን ነቲ ኲናት ከም ዝጀመረቶ ወቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትራምፕ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሞስኮ ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ሃገሩ ኣምሳያ ዝሃበቶ ወተሃደራውን ካልእ ሓገዛትን፡ ማዕድናት ዩክረይን ክትረክብ ከም ዝግብኣ እዩ ክጕስጕስ ጸኒሑ።
ዘለንዝኪ፡ ክንዲ`ቲ ዝበሃል ሓገዛ ካብ ኣመሪካ ከም ዘይተዋህበ ብምምጓት፡ "ንሃገርና ክሸጣ ኣይክእልን እየ፡" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ካብ 300 ክሳብ 350 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሃበታ ብሰሉስ ገሊጹ።
"እቲ ገንዘብ ክንመልሶ ንደሊ ኢና፡" ኢሉ። "ነታ ሃገር ኣብ ጸገማ ንሕግዛ ኣለና። እንተዀነ ሕጂ፡ ከፈልቲ ግብሪ ኣመሪካውያን ገንዘቦም ክምለሰሎም ኣለዎ፡" ይውስኽ።
ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ዩክረይን ኦልሃ ስቴፋኒሺና ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ "ኣካል ናይቲ ዓቢይ ስእሊ ጥራሕ እዩ፡" ኢላ።
ነቲ ዘተ ዝመርሐት ስቴፋኒሺና፡ "ኣካል እቲ ዝዓበየ ስእሊ ምዃኑ ክግለጽ ካብ ምምሕዳር ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኢና፡" ኢላ።
ብመሰረት ምንጭታት ዩክረይን፡ ኣመሪካ፡ ነታ ብኸቢድ ተሃስያ ንድሕሪት ዝተመልሰት ሃገር ንዓበይቲ ጠለባታ ከተማልኣላ ተወሳኺ ዘተ ከም ዘድሊ ይሕብሩ።
መርበብ ሓበሬታ ዩክረይን ዩክሬንስካ ፕራቭዳ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ስምምዕ ማዕድናት ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ሲቢሃ ከምኡ`ውን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ክፍረም ምዃኑ ሓቢሩ።
ክፍሊ ቍጠባ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ክልቲአን ሃገራት ንዳግመ ህንጸት ዝምውል ማዕከን ህንጸት ወፍሪ ንምቛም እውን ተሰማሚዐን ምህላወን ገሊጹ።
ዩክረይን ሊትየምን ታይታንየምን ሓዊሱ ዓበይቲ ዕቍር ባእታታትን ማዕድናትን፣ ከምኡ'ውን፡ ዓቢይ ዕቍር ከሰል፣ ጋዝ፣ ነዳድን ዩራንየምን ሃብቲ ዓቚራ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዘለንስኪ ንሃገሩን ምዕራባውያን መሻርኽታን "ውጥን ዓወት" ኣብ ዘቕረበሉ፡ ትካላት ወጻኢ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኲናት፡ ካብ ማዕድናዊ ሃብቲ ናይታ ሃገር ክቋደሳ ከም ዝኽእላ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣመሪካ ካብ ሩስያ ኰነ ዝጐበጠቶ ዞባታት ዩክረይን ማዕድናት ክትረክብ ክፉት ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊጹ ነይሩ።
ዩክረይንን መሻርኽታ ዝዀነ ሃገራት ኤውሮጳን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝምድና ኣመሪካን ሩስያን ምድልዳሉ ኣሻቒሉወን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ ተራእየን።
ዩክረይን ዘለዋ ማዕድናት እንታይ እዩ?
ዓለምና ካብ እትውንኖ "ፍሉይ ማዕድናት" እቲ ኣስታት 5 ሚእታዊት ኣብ ዩክረይን ይርከብ። ንኣብነት፤
19 ሚልዮን ቶን ዝተረጋገጸ ዕቝር ግራፋይት ኣለዋ። እዚ ድማ ነተን ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንመስርሒ ባትሪአን ይውዕል።
ኣብ መላእ ኤውሮጳ ካብ ዝርከብ ዕቝር ሊትዮም ሲሶ ኣብ ዩክረይን ይርከብ። ኣብዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘለና ባትሪታት ድማ ወሳኒ ባእታ እዩ።
ምሉእ ወራር ሩስያ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ነቲ ኣብ ምስራሕ ነፈርትን ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝውዕል ብዙሕ ዝጥቕሙ ታይታንየም፡ 7 ሚእታዊት ካብ ዩክረይን ዝተረኽበ እዩ ነይሩ።
ብዘይካ`ዚ፡ መሬት ዩክረይን ብዝተፈላለዩ ካልኦት ማዕድናት ሃብታም ኰይኑ፡ ንመስርሕ ኣጽዋር፡ ብንፋስ ዝድፋእ መመንጨዊ ጸዓት፡ ኤለክትሮኒክስን ካልእን ዝውዕል ሃብቲ ዝዓቘረት ሃገር እያ።
ብመሰረት ምኒስተር ቍጠባ ዩክረይን ዩልያ ስቪሪደልኮ፡ 350 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጸጋታታ ኣብ ትሕቲ ብሩስያ ዝተጐብጠ ግዝኣታት ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







