ዘለንስኪ፡ ምእንቲ ሰላም ስልጣኑ ክሓድግ ድልው ምዃኑ ገሊጹ

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕጂ ብኒሕን ሓያል ስምዒትን ክዛረብ ዝርአ ዝነበረ ዘለንስኪ፡ ኣብ ናይ ሰንበት ኣቀራርባኡ ግን ኣይግድን

እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ መዋጥር ዝርከብ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሰላም ዘምጽእ እንተዀይኑ ስልጣኑ ክሓድግ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዝበለ ኣብ ዝኽረ ሳልሳይ ዓመት ወራር ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።

"ብሓቂ ሰላም ንምምጻእ ስልጣነይ ከረክብ ትደልዩ እንተ`ለኹም - ኣነ ድልው እየ፤ ከምኡ ዝበለ ቅድመ ኵነት እንተሎ፡" ክብል ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ተሰሚዑ።

እዚ ዘረባ ዘለንስኪ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ብዘይመረጻ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል ዘሎ መላኺ፡" ኢሉ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝፈነወሉ ተሪር ነቐፌታ እዩ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ ግንቦት 2019 ብዝተገበረ ደሞክራስያዊ መረጻ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ኰይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ስልጣኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከብቅዕ ነይርዎ። እንተዀነ ድሕሪ ወራር ሩስያ፡ ዩክረይን ብወተሃደራዊ ምሕደራ ትኸይድ ስለ ዘላ፡ ስሩዕ መረጻ ኣብ ግዚኡ ክግበር ኣይከኣለን።

ጸጥታ ዩክረይን ቀንዲ ኣተኵሮኡ ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ዘለንስኪ፡ "ንዓሰርተታት ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ባህጊ የብለይን፡" ኢሉ፤ በቲ መላኺ ዝብል ጸርፊ ትራምፕ ግን ከም ዘይሓረቐ እዩ ገሊጹ።

ምስ ኵነታት ትራምፕን ዘርኣዮ ትሑት ተገዳስነት ንዩክረይን ዝተሰናበደ ዘለንስኪ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣውሮጳ ኣብ ጽዑቕ ርክባት ተጸሚዱ ቀንዩ'ሎ። ብኣካል ይዅን ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ርክባት ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ዘይብሉ ሃገሩ ዝህልዋ ውሕስነት ጸጥታ ድሕረ-ኲናት እንታይ ከምስል ከም ዝኽእል ከም ዝተዘራረበ ተፈሊጡ።

ጉዳይ ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኔቶ "ኣብ ጣውላ ኣሎ" ብምባል ድማ፡ እንተዀነ እዚ ዘተ ብኸመይ ከም ዝውዳእ ከም ዘይፈልጥ ኣመልኪቱ። እቲ ዝግበር ዘተ ድማ "መቐይሮ" ክኸውን ተስፋኡ ገሊጹ።

ብዛዕባ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ ዘለንስኪ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ክንዮ መንጎኛ ኪቭን ሞስኮን፣ ከም መሻርኽቲ ዩክረይን እየ ክርእዮ ዝደሊ ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ኣምሳያ ናይቲ ንዩክረይን ክትገብሮ ዝጸንሐት ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝዋጋኡ ክቡር ማዕድናት ዩክረይን ክወሃባ ክትሓትት ትስማዕ ዘላ ኰይና፡ "እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝተገብረልና - ንመጻኢ'ውን ክቕጽል ዝኽእል - ከም ሓገዝ እምበር ከም ልቓሕ ኣይኰነን፡" ክብል ድማ ዘለንስኪ ምላሽ ሂቡሉ።

ወለዶታት ዩክረይን ዕዳኡ ዝኸፍልዎ ዘገድድ ጸጥታዊ ስምምዕ ኣይገበርናን ክብል ድማ ኣስሚሩሉ።

መጥቃዕቲ ድሮናት

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian State Emergency Services

መግለጺ ስእሊ, ቀዳም ምሸት 267 ድሮናት ሩስያ ንዩክረይን ኣጥቂዐን

ኣብቲ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ምስ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ምዕባለታት ኣለዎ ዝበለ ዘለንስኪ፡

"ከነማቕሎም ድሉዋት ኢና፡" ብምባል፡ እንተዀነ ኣመሪካ መጀመርታ ቭላድሚር ፑቲን "ነዚ ኲናት ደው ከም ዘብል" ከተረጋግጽ ከምዘለዋ ብንጹር ገሊጹ።

ዘለንስኪ ቅድሚ ሕጂ ሕቶ ጋዜጠኛታት ክምልስ እንከሎ ዝተረጋግአ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ብሓያል ኒሕን ስምዒትን ክዛረብ ይርአ'ኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ኣቀራርባኡ ግን ከም ቀደሙ ኣይነበረን።

መራሒ ዩክረይን ነቲ ከም ዘይሰማምዓሉ ዝገለጾ ብትራምፕ ዝቐረበ እማመ ሰላም እንተ ነጺጉዎ፡ ኣብ መስርሕ እዚ ኲናት ነባሪ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ሎሚ ሰኑይ ራብዓይ ዓመቱ ዝረግጽ ዘሎ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን፡ ነቲ ኲናት ብኸመይ ከም ዝዓርፍ ኣብ ዝብል ስትራተጅን ራኢን ኣብ መንጎ ዩክረይን፡ መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዲፕሎማስያዊ ምትህልላኽ ይቕጽል ኣሎ።

ኣመሪካን ሩስያን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ መባእታዊ ዝርርብ ኣካይደን። ዩክረይን ዝተሓወሰተን ሃገራት ኤውሮጳ ከም ግብረመልሲ ብህጹጽ ኣብ ዘዳለዋኦ ዋዕላ ፓሪስ ተጸሚደን ከም ዝነበራ ይዝከር።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳም ምሸት ብዓይነቱን ብዝተፈልየ ኣገባብ 267 ድሮናት ሩስያ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታ ዩክረይን ከም ዘጥቅዓ ኮማንደር ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ኣፍሊጡ።