ሩስያውያን: ብዛዕባ ትራምፕ እንታይ ይሓስቡ?

ንወራር ዩክረይ ዝምልከት ናይ ምልመላ መወዓውዒታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ሩስያ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ንወራር ዩክረይ ዝምልከት ናይ ምልመላ መወዓውዒታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ሩስያ ኣሎ

ኣብ ከባቢ ሰሜን ምዕራብ ሞስኮ ኣብ እትርከብ ከተማ ቲቨር፡ ቀዲምኻ እተስተብህለሉ ነገር እንተሃለወ፡ ህላወ ወተሃደራት እዩ።

ኣብ ኵሉ ቦታ ኣለዉ።

ኣብ መወዓውዒ ሰሌዳታት፡ ኣብ መንደቕ ህንጻታት፡ ኣብ መዕረፊ ኣውቶቡሳት ኣይትስእኖምን።

"ጅግና ሩስያ" ዝብል ቃላት ዘሰነዮም ስእልታት እውን ኣለዉ።

ህዝቢ፡ ነዞም ጠበንጃ ዝሓዙ ወተሃደራት "ንከፍቅሮም" ዘተባብዑ መወዓውዒታት ፎቘድኡ ይርኣዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ክተት፡ ናብ ዩክረይን ከይድኻ ተቓለስ ዝብል ዕድመ'ዮም ዘቕርቡ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትፍጽም ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ሓደስቲ ምልመላታት ከተካይድ ትደሊ።

ኣብታ ከተማ፡ ዋላ'ዉን ስእሊ ወተሃደራት ብብዝሒ ዝርኣይ እንተዀነ፡ ኣብታ ከተማ ንዝነብር ሰብ ግን ህይወት ከም ንቡር ይቕጽል'ዩ ዘሎ።

እቲ ቅድመ ግንባር፡ ካብታ ከተማ ኣማኢት ማይላት ርሒቑ ይርከብ።

"መካይን ይሓልፋ ኣለዋ፡ ድኳናት ኣይተዓጸዕዋን። ዝዀነ ደብዳብ የለን፤ ዘሰንብድ ነገር የብልናን። ዝዀነ መጠንቀቕታ ድምጺ ክህብ (ሳይረን) ኣይንሰምዕን። ናብ መውጽኢ ቦታታት ኣይንሃድምን ኢና፡" ይብል ኣብቲ ከባቢ መምህር ዝዀነ ሚክሄል።

ንብዙሓት ሩስያውያን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር - መንግስቲ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ከም ዝብሎ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" - ብቴሌቪዥን ጥራይ ዝርእዩዎ እዩ።

ንከም በዓል ኣና ዝኣመሰሉ ሰባት ግን ዝያዳ ግሃድ እዩ።

"ብዙሓት ክቃለሱ ዝኸዱ ሰባት እፈልጥ እየ፡" ትብል።

"ገሊኦም ናብ ገዝኦም መጺኦም ኣይፈልጡን። [እቲ ኲናት] ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክውዳእ ተስፋ እገብር።"

እቲ ሕጂ ኣብ ዙርያ ምውዳእ ኲናት ዩክረይን ምስ ሩስያ ዝርርብ ጀሚሩ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ዉን እዚ እዩ ዝደሊ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንዩክረይ ናብ መኣዲ ድርድር ከይዓደማ ድሮ ምስ መሪሕነት ሩስያ ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይድ ጀሚሩ ኣሎ።

ሩስያውያን ብዛዕባ ፕረዚደንት ኣመሪካን እቲ ምስ ሞስኮ ዝጀመሮ ርክባትን እንታይ ይብሉ?

ኣና፡ "ትራምፕ ዝተጸበናዮ ሰብ ኣይኰነን፤ ካብኡ እንታይ ከም ዝጽበ ርግጸኛ ኣይኰንኩን፡" ትብል።

'ዩክረይን ክትምብርከኽ ኢና ንደሊ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ገለ ካብቶም ቢቢሲ ኣብ ቲቨር ዘዘራረቦም ሰባት ነቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ክሰምዕዎ ዝጸንሑ ተረኽ እዮም ዝደግሙ።

ሃገሮም ወራሪት ከም ዘይኰነት፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንዝርከቡ ሩስያውያንን ተዛረብቲ ሩስኪ ትከላኸልን መሬታ ሓራ ከተውጽእን እምበር ንዩክረይን ትጐብጣ ኣይኰነትን ዘላ ይብሉ።

እንተዀነ፡ ኵሉ ህዝቢ ነዚ ይኣምን ማለት ኣይኰነን።

"ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሰባት ወትሩ ነቲ ቀንዲ ኣጠማምታ ክስዕቡ ይመርጹ፡" ይብል ኣንድሬይ ኮለስኒኮቭ ዝተባህለ ጸሓፊ 'newtimes.ru'ን ጋዜጣ ኖቫያን።

"እቲ ቀንዲ ኣጠማምታ ደጋፊ ኲናት እንተዀይኑ፡ ብቴሌቪዥን ዝቐርብ ኣንጻር ምዕራብ ኣብ ውግእ ኢና ዘለና ዝብል እንተዀይኑ፡ እቲ ማእከላይ ዜጋ ከምዚ ክሓስብ ይኽእል። ብዛዕባ ዝርዝር ነገራት ዘይምሕሳብ ቀሊል'ዩ። ብሰላም ክትነብር ትደሊ፡ ስለዚ ንምንታይ ምስቶም ዝበዝሑ ዘይትጽንበር?"

"ገለ ተመራመርቲ ነዚ ኣቀማምጣ ዘይበሰለ ይብሉዎ። ካብዚ ዘይግለጽ ዓለም ንነብስኻ ክትከላኸለላ እንከለኻ ንህጻን ትመስል። 'እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ንነብሰይ ከረድኣ ኣይክእልን እየ። እኣምነካ እየ። ብቓላት ክትምግበኒ ትኽእል ኢኻ። ክቕበሎ እየ' ትብል። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብ ልሙድ እዩ፤ ቁሩብ ምልካዊ እዩ፡" ኢሉ።

ላሪሳን በዓል ቤታን ቫለሪን ነቲ ወግዓዊ መስመር ብፍቓዶም ይቕበልዎ።

"ኵላትና ነቲ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ንድግፎ ኢና። ብወለንታ ክንሰርሕን ክንዘምትን ድሉዋት ኢና!" ትብል።

ክሳብ ሕጂ ግን ኣይከዱን ዘለዉ።

"[ሩስያ] ክትዕወት ​​ተስፋ ንገብር። ዩክረይን ፍጹም ኢዳ ክትህብ ኢና ንደሊ።"

ኣብ መንጐ ካብ ፖሊስ ቴሌፎን ተደዊሉዎም።

"ካሜራ ዝሓዙ ዘጠራጥሩ ሰባት" ኣብ ዙርያ ቲቨር ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ተነጊሩዎም።

ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ማለት'ዩ።

ፖሊስ፡ ኣብ ቲቨር ንዝረኸቦም ጋዜጠኛታት እንታይ ኢዅም ትገብሩ ዘለዅም ብምባል ሓቲቱ
መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ፡ ኣብ ቲቨር ንዝረኸቦም ጋዜጠኛታት እንታይ ኢዅም ትገብሩ ዘለዅም ብምባል ሓቲቱ

ኣብታ ከተማ ንዝረኸቡዎም ጋዜጠኛታት ቢቢሲ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ሓቲቶምዎም።

መጀመርታ፡ ነቲ መራሒ መኪና ኣዘራሪቦምዎ።

ድሓር ነታ መኪና ፈቲሾምዋ።

ኣብቲ ከባቢ ንክንቀሳቐሱ ብዛዕባ ዝተዋህቦም ወግዓዊ ፍቓድ ዘረጋግጽ ሰነድ ሓቲቶም።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ድማ ነቲ ስሩዕ ሰነዳት ኣርእዮምዎም።

ምስቶም ፖሊስ ክዘራረቡ እንከለው፡ ካብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ሩስያ ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ካሜራ ሒዞም ክስእሉዎም ጀሚሮም።

"ንሓልፍ ኢና ነይርና፤ ፖሊስ ምስ ርኣየኵም ግን ኣለሊናኩም። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ'ዶ ክትነግሩኒ ትኽእሉ?" ክብል እቲ ሪፖርተር ይሓትት።

ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ፡ "ኣይፈልጥን፤ ምናልባት ክትነግረና ትኽእል ትኸውን?" በሎ።

"እንታይ ክትስእል ጸኒሕካ?"

"ኣብ ጽርግያ ንሰባት ነዛርብ ነይርና። ከምኡ ክንገብር ከም ዝተፈቕደልና እኣምን።"

"እወ ኣብ ሃገርና ናይ ምዝራብ ናጽነት ኣሎ'ዩ። ምናልባት ፖሊስ ክሕግዙኻ ጥራይ ይደልዩ ይዀኑ። ምዕራባዊ ቲቪ ኣብ ሩስያ ናጽነት ምዝራብ ከም ዘየለ ናይ ሓሶት ዜና ክዝርግሓ ክትሰምዕ ከለኻ ደስ ዘብል ኣይኰነን። ምስ ሰባት ብናጽነት ትዛረብ ኣለኻ፡ ኣብ መገድኻ ዝኣቱ ሰብ የለን።"

"ብዘይካኻ፤ ከምኡ'ዉን ኣብ ጐኒ መኪናና ደው ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ።" . . .

እዚ፡ ምልልስ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ቀጺሉ።

ግን ዘገርም ኣይኰነን።

ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት ጥርጣረታት ኣልዒሉ ይርከብ።

እቲ ገና ዝጅምር ዘሎ ዝምድና ኣመሪካን ሩስያን ገና ነዚ ኣይቀየሮን።

ኣብ ከተማ ቲቨር ካብ ዘዘራረብናዮም ሰባት፡ ሩስያውያን እቲ ውግእ ከብቅዕ ምግባር ቁጠባዊ ሩፍታ ከምጽእ'ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ትግንዘብ።

ዩልያ ዝተባህለት ሓንቲ ኣደ፡ "ዋጋታት ሕጂ ነቶም ኣዝዮም ዘድልዩኒ ነገራት ክቡራት'ዮም ዘለዉ - ከም ዋጋ ድንሽን ሽጕርትን፤ ከቢድ'ዩ።"

መምህር ሚካሄል ግን ዶናልድ ትራምፕ ሰላም ንምውሓስ ዝዀነ ስትራተጂ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖን።

"እቲ ዘሕዝን ግን ትራምፕ ዝዀነ መደብ ዘይብሉ ምዃኑ'ዩ። የምስል'ዩ ዘሎ፤ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን'ዩ። የደንግጸኒ'ዩ። [ኣብ መረጻ] ስለ ዝተዓወተ ደስ ኢሉኒ'ዩ። ብዛዕባ እዚ ኵነታት ክዛረብ ከለኹ ግን ኩላትና ኣብ ጸልማት ኢና ዘለና። ትራምፕ ድማ ንባዕሉ ኣብ ጸልማት'ዩ ዘሎ።"