ንዘለንስኪ ካብ ዋይትሃውስ ዘውጽኦ ምኽንያትን ዝሰዓበ ግብረ-መልስን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ዓርቢ ኣብ 'ኦቫል ኦፊስ' ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ኣኽብሮት ኣልቦ" ክብል ነቒፉዎ።
ነዚ ስዒቡ ትራምፕ፡ ነቲ ዩክረይን ምስ ሩስያ ዝኣተወቶ ኲናት ንምውዳእ ይሕግዝ እዩ ዝበሎ ውዕል ማዕድናት ንምፍራም ዝነበሮ መደብ ንእለቱ ሰሪዙዎ።
እዚ ዘይተሓስበ ፍጻመ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኤውሮጳን ዓለምን ክቕይር ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
ዘለንስኪ ድሕሪ ርክቡ ምስ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ፍሉይ ማዕድናት ዩክረይን ክትረክብ ዘኽእላ ውዕል ክፍርም እሞ፡ ቀጺሉ ሓባራዊ መግለጺ ክህቡ መደብ ነይሩዎ።
እንተዀነ ዘለንስኪ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊኡ ድሕሪ "ምጭዳሩን ንዕቀት ምርኣዩን" ካብ ዋይት ሃውስ ወጺኡ ከይዱ።
ክልተኦም ፕረዚደንታት ምስ ልኡኻቶም ዝምስሑዎ መግቢ ኣብ ካልእ ክፍሊ ተቐሪቡ ነይሩ።
ልኡኽ ዩክረይን ዋይት ሃውስ ክለቅቕ ከም ዝተነግሮ ኣመሪካ ገሊጻ።
ትራምፕ ንዘለንስኪ፡ "ምስ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ኢኻ ትቋመር ዘለኻ። እዚ ትገብሮ ዘለኻ፡ ነዛ ሃገር [ኣመሪካ] ክብረት ዘይህብ እዩ። እዛ ሃገር ካብቲ ብዙሓት ሰባት ክኸውን ኣለዎ ዝብሉዎ ንላዕሊ ደጊፋትካ፡" ኢሉዎ።
ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ደቒቕ ናይቲ ንኣስታት 45 ደቓይቕ ዝጸንሐ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ትራምፕ ምስ ምክትሉ ጀይዲ ቫንስን ዘለንስኪን ወጥሪ ዝተመልኦ ምልውዋጥ ቃላት ስዒቡ።
ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝኣተወቶ ቃል እናሻዕ ዝዓጸፈትሉ ታሪኽ ብምጥቃስ፡ እዚ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክትዛተ ዝኣተወቶ መብጻዓ ብጥንቃቐ ክርአ ተላቢዉ።
ዘለንስኪ ኣብቲ 'ኦቫል ኦፊስ' ኮፍ መበሊኡ፡ ትራምፕ ንሃገሩ ከይገድፋ ጸቕጢ ንምግባርን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ከይገብር ንምጥንቃቕን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ፡ ትራምፕ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ካሜራታትን ክጭድረሉ ተራእዩ።
ዘለንስኪ፡ ፑቲን ብዛዕባ ተዅሲ ምቍራጽን ካልእን ዝኣተዎ ውዑላት 25 ሳዕ ቃሉ ከም ዝዓጸፈን ክእመን ከም ዘይክእልን ገለጸ።
ትራምፕ ድማ ፑቲን ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ስምምዓት ውዕሉ ከም ዘየፍረሰ ተዛረበ። ኣብቲ ንዩክረይን ውሕስነት ጸጥታ ንምሃብ ዝቐረበሉ ሕቶ ግን መልሲ ካብ ምሃብ ተቘጠበ። እቲ ስምምዕ ማዕድናት ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ይኽእል እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ከኣ ገለጸሉ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ፡ "ሚስተር ፕረዚደንት - ምስ ኣኽብሮት - ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ነዚ ክርክር ሒዝካ ናብ 'ኦቫል ኦፊስ' ክትመጽእ ኣኽብሮ ዘይብሉ ተግባር እዩ ዝመስለኒ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ስለ ዘለካ፡ ሓደስቲ ወተሃደራት ከቲብካ ናብ ግንባራት ተእትዎም ኣለኻ። ፕረዚደንት [ትራምፕ] ነዚ ንምውዳእ ይሕግዘካ ስለ ዘሎ ከተመስግኖ ይግብኣካ፡" ክብል ነቲ ዝርርብ ኣሞቖ።
ዘለንስኪ ክቃወም ፈተነ፣ "ናብ ዩክረይን ኬድካ እንታይ ጸገም ከም ዘለና ርኢኻዮ ትፈልጥ ዲኻ? ሓንሳብ ምጻእ፡" በለ።
ቫንስ ብዛዕባ ዝተዓዘቦን ጸገም ዘለንስክን ድሕሪ ምግላጽ፡ "ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጺእካ፡ ሃገርካ ከይትዓኑ ንዝከላኸለልካ ዘሎ ምምሕዳር ምጥቃዕ ኣኽብሮት ዘለዎ ይመስለካ?"
ዘለንስኪ፡ "ኣብ ግዜ ኲናት ኵሉ ሰብ ጸገም ነይሩዎ - ዋላ ንስኹም። እንተዀነ፡ ንስኹም ጽቡቕ ውቅያኖስ ስለ ዘለኩም ሕጂ ኣይክፍለጠኩምን፣ ኣብ መጻኢ ግን ክስምዓኩም እዩ።"
ትራምፕ ንዘረባኡ ኣቋሪጹ፡ "እንታይ ከም ዝስምዓና ኣይትነግረናን ኢኻ። ጸገም ክንፈትሕ ኢና ንጽዕር ዘለና፣ ከምኡ ክትብል ዘኽእል ባይታ የብልካን፡" በለ።
ከምዚ እናበለ እቲ ዝርርብ ትጽቢት ናብ ዘይተገብረሉ ኣንፋት ሓዘ።
ትራምፕ ድምጹ ክብ ኣቢሉ፡ "ብህይወት ሚልዮናት ሰባት ኢኻ ቍማር ትጻወት ዘለኻ፡" በሎ።
እቲ ርክብ ብዘይ ፍረ ምስ ተበተነ፡ ትራምፕ ኣብቲ 'ትሩዝ' ዝተሰምየ ናቱ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ዘለንስኪ "ንሰላም ድልው ከም ዘይኰነ፡" ጽሒፉ።
"ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ እትፈትዎ 'ኦቫል ኦፊስ' ኣኽብሮት ከሊኡዋ። ንሰላም ድልው ኣብ ዝዀነሉ እዋን ክምለስ ይኽእል እዩ፡" ወሲኹ።
ትራምፕ እቲ ዝነበረ ርሱን ዝርርብ ውጽኢታዊ ምንባሩ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ብዘይ ከምዚ ዝኣመሰለ ረስንን ጸቕጥን ዝርርብ፡ ክርድኦ ዘይክእል ዝነበረ ብዙሕ ከም ዝተማህረ ገሊጹ፣ "እቲ ብስምዒት ዝወጽእ ዘገርም እዩ፡" ኢሉ።
ዘለንስኪ ድሒሩ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምስ ትራምፕ ዝተፈጥረ ምትፍናን "ንኽልቲኦም ወገናት ጽቡቕ ከም ዘይኰነ" እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ዝምድና ግን ንቕድሚት ክኸይድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ርሱን ዝርርብ ንእለቱ እንታይ ተባሂሉ?
ሰልፊ ደሞክራትስ ብውዕዩ ንምምሕዳር ትራምፕ ወቒሶም። መራሒ ሰኔት ደሞክራትስ ቻክ ሹመር፡ ትራምፕን ቫንስን "ሕማቕ ስራሕ ናይ ፑቲን" ይሰርሑ ከም ዝለዉ ከሲሱ።
ተወካሊ ፍሎሪዳ ሪክ ስኮት ኣብ ኤክስ፡ "ፕረዝደንት ትራምፕ ንስለ ኣመሪካ ስለ ዝቘምካ አመስግነካ፡" ኢሉ ጽሒፉ።
ሰኔተር ማይክ ሊ ንጽሑፍ ስኮት ብምድጋም፡ "ቀዳምነት ንኣመሪካ ብምስራዕካ አመስግነካ፡" ክብል ሞጒሱዎ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ስቢሃ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ካብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምውጽኡ፡ "ምእንቲ ቅኑዕ ደው ክብል፡ ትብዓትን ሓይልን ኣለዎ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ።
ቀጺሉ፡ "ንስለ ዩክረይን ከምኡ'ውን ንዕላማታት ፍትሒን ሰላምን ደው ኢሉ፡" ድሕሪ ምባል፡ ሃገሩ ነቲ ኣመሪካ ዝገበረትላ ደገፍ፡ ቀጻሊ ከተመስግና ከም ዝጸንሐትን ክትቕጽሎ ምዃናን ገሊጹ።
ምክትል ሓላፊ ባይቶ ጸጥታ ሩስያ ድሚትሪ መድቨደቭ ንትራምፕ ድሕሪ ምምጓስ፡ ዘለንስኪ "መወዳእታኡ ኣብ 'ኦቫል ኦፊስ' ግቡእ ጽፍዒት ረኺቡ፡" ኢሉ።
ብርክት ዝበላ ቀንዲ መሓዙት ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ ከኣ ቅልጡፍ መልሰ ተግባር ክህባ ተራእየን።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ "ሩስያ ወራሪት፣ ዩክረይን ድማ ተወራሪት እያ። ንዩክረይን ምድጋፍና ቅኑዕ ዝነበረ እመስለኒ። ክንቅጽሎ'ውን ኢና፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ኣብ ኤክስ ናብ ዘለንስኪ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ "ፈጺምካ በይንኻ ኣይኰንካን ዘለኻ ክቡር ፕረዚደንት፣ ንፍትሓውን ነባርን ሰላም ምሳኻ ክንሰርሕ ኢና፡" ኢላ።
ብኣንጻሩ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ "ንሰላም ብትብዓት ደው ኢሉ እዩ፣ ዋላ'ኳ ንብዙሓት ክወሓጠሎም ኣጸጋሚ እንተዀነ፡" ኢሉ።
ምኒስተር ንግዲ ዓባይ ብሪጣንያ ዶግላስ ኣሌክሳንደር፡ እቲ ኣብ 'ኦቫል ኦፊስ' ዝነበረ ትርኢት "ኣዝዩ ዘጨንቕን ዘሰክፍን" ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰማንያ ዓመታት ኵሉና ኣብዚ ዓለም ዝተመኰርናዮ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተቐየረ ዘመላኽት ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ድማ፡ "ድሕሪ ውኒስተን ቸርችል ዝመጽአ ተባዕ መራሒ ኤውሮጳ፡" ክብል ወዲሱዎ።
ከምኡ'ውን፡ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ "እዛ ናጻ ዓለም ሓድሽ መራሒ ከም ዘድልያ ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ብድሆ'ዚ እንወስዶ ድማ ንሕና ኤውሮጳውያን ኢና፡" ኢሉ።
ጽባሕ ሰንበት ብቐዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ዝእንገድ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝሳተፎ ዋዕላ መራሕቲ ኤውሮጳ ክቃናዕ እዩ። እዚ ዋዕላ በዚ ኣጀንዳ ክበሓት ምዃኑ ብኣጋኡ ዝግመት እዩ።
ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ኵነት ብኸመይ ክገጥመኦ እየን ኵሉ ዝጽበዮ ዘሎ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







