ፑቲን መዋጽኦ ዝረክብ ዘሎ ዶ ይመስል?

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA/Russian presidential office

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ "ነዊሕን ውጽኢታውን" ዝርርብ ከም ዘካየደ ብምግላፅ፡ ሩስያ ኲናት ዩክረይን ደዉ ንምባል ዝርርብ ንምጅማር ከም ዝተሰማምዐት ኣፍሊጡ።

ንሱ፡ ኣብቲ ትሩዝ ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ጉጅለታትና ምስ ፑቲን "ብህጹጽ ዝርርብ ንክጅምሩ ተሰማሚዕና" ኣለና ብምባል ነፍሲ-ወከፎም ክበጻጽሑ ዕድመ ከም ዝገበሩ ሓቢሩ።

"እዚ ትርጕም ዘይብሉ፡ ዓብዪን ምሉእ ንምሉእ ኣድላዪ ዘይኰነን፡ ሞትን ዕንወትን ዝመልኦ ኲናት ሕጂ ደዉ ክብል ኣለዎ። ፈጣሪ ህዝቢ ሩስያን ዩክረይንን ይባርኽ!" ክብል ጽሒፉ።

ትራምፕ፡ ምስ ፑቲን ገጽ ንገጽ ብዛዕባ ዝራኸብሉ መዓልቲ ወግዓዊ ኣይገበረን፤ ድሒሩ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን "ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክንራኸብ ኢና፡" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲመትሪ ቬስኮቭ፡ "ምስ ፑቲን ብሓባር ንምስራሕ ግዝኡ ሕጂ'ዩ፡" ዝብል ሓሳብ ትራምፕ ከም ዝግፍ ተዛሪቡ።

ድሕሪኡ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ትራምፕ ብዛዕባ "ዘላቕን ዘተኣማምንን ሰላም" ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ዩክረይን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ኣይትኽእልን ዝብል ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ'ዩ ትራምፕ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናት ብስልኪ ተዘራሪቡ።

ዘለንስኪ፡ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ሙኒኽ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ጃዴ ቫንስን ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ከም ዝራኸብ ተዛሪቡ።

ትራምፕ ንፑቲን ዘቕረቦ መብጽዓ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልቲኦም ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን'ዮም ብስልኪ ተዘራሪቦም። ኣብ ኣመሪካ ፕረዚደንታዊ ለውጢ ምስ መጽአ፡ ናይ ቋንቋ ለውጢ'ዉን ክርአ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣመሪካ ድማ፡ ጕዳይ ሩስያ እትሕዘሉ ኣገባብ ፍጹም ተለዊጡ ኣሎ። ትራምፕ፡ ኲናት ዩክረይን ደዉ ንምባል ምስ ፑቲን "ብቐረባ ክሰርሕ፡" ከም ዝደሊ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ድማ፡ ክልቲአም ንሓድሕዶም ክበጻጽሑ ከም ዝዀኑ ተስፋ ይገብር ኢሉ።

እቲ ትራምፕ ናብ ሞስኮ ክበጽሕ ዕድመ ዘቕረበ ፑቲን'ዉን ነዚ ከም ዝደሊ ግልጺ እዩ።

እዚ ተግባራዊ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ሩስያን ዓቢ ለውጢ ከም ዘሎ ዘመላኽት ክኸዉን'ዩ።

ሓደ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ናብ ሩስያ በጺሑ ኣይፈልጥን።

ብብዙሕ መዳይ ፑቲን - ብዛዕባ ዩክረይን ብቐጥታ ምስ ኣመሪካ ናይ ምዝርራብ ዕድል፡ ምናልባት ንኪቭን ኤውሮጳን ሰጊሩ- ከምኡ'ውን ንነብሱ ኣብ ላዕለዋይ መድረኽ ኣህጕራዊ ፖለቲካ ናይ ምቕማጥ ዕድል ምርካብ ዝበሉ ሓዊሱ ድሮ ዝደልዮ ረኺቡ ኣሎ።

ፑቲን ክሳብ ክንደይ ሕድገታት ንምግባር ፍቓደኛ ከም ዝኸውን ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኰነን።

ሰበስልጣን ሩስያ ሞስኮ ንዘተ ድልውቲ ምዃና እኳ እንተገለጹ፡ ወትሩ ግን ነቲ ፑቲን ኣብ ሰነ 2024 ዘቕረቦ እማመ ሰላም ዝበሃል ምልስ ኢሎም ይውከሱ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ግዜ ገደብ እዩ ዘመልክት ነይሩ።

ትራምፕ፡ ዩክረይን ክሳብ ቅድሚ 2014 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ናብ ዝነበራ ዶብ ትምለስ'ያ ተባሂሉ ከም ዘይግመት ተዛሪቡ እዩ።

እንተዀነ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ዝተወሰነ መሬት ክምለስ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ሚኒስትሪ ምክልኻት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ጕባኤ መራሕቲ ኔቶ፡ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር እትኽእለሉ ዕድል ከም ዘየለ ዝሃቦ ርእይቶ ከም ዝሰማምዓሉ'ዉን ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ "ምናልባት እዚ ሓቂ ይመስለኒ፡" ኢሉ።

ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ምስቲ ዝሓለፈ ክወዳደር እንከሎ፡ ንዩክረይን ዘርእዮ ርህራሀ ዝወሓደ ምዃኑ ይፍለጥ'ዩ ክብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጄምስ ዋተር ይገልጽ።

ዘለንስኪ፡ እቲ ምስ ትራምፕ ብስልኪ ዘካየዶ ዝርርብ "ትርጕም ዘለዎን ዓሚቕን፡" ከም ዝነበረ ብምግላጽ ኣብ ኪቭ ምብጻሕ የካይድ ምስ ዘሎ ሚኒስተር ገንዘብ ስኪት ቤሴን ከም ዝተራኸበ ሓቢሩ።

"ልዕሊ ዩክረይን ሰላም ዝደሊ የለን፤ ምስ ኣመሪካ ብምዃን መጥቃዕቲ ሩስያ ደዉ ንምባልን ዘላቕን ዘተኣማምንን ሰላም ንምርግጋጽ ቀጸልቲ ስጕምቲታት ንሕንጽጽ ኣለና፡" ኢሉ።