ፑቲን፡ ኣብ ዩክረይን ተኹሲ ደው ንምባል ቅድመ ኵነታት ኣቐሚጡ
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተኹሲ ቅድሚ ደው ምባሉ፡ ዩክረይን "ሩስያ ካብ ናብ ግዝኣታ ዝሓወሰቶም ከባብታት ሰራዊታ ክትስሕብ ኣለዋ" ኢሉ።
ከምኡ ድማ፡ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዩክረይን ናብ ኔቶ [ወተሃደራዊ ቃል-ኪዳን- ሰሜን ኣትላንቲክ] ናይ ምጽንባር ተበግሶታታ ክትገድፎ ኣለዋ ክብል ፕረዚደንት ፑቲን ወሲኹ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሓይልታት ሩስያ ካብታ ቅድም ኢሎም ዝጒበጡዋ ግዝኣት ክሬሚያ ሓዊሱ ካብ መላእ መሬት ዩክረይን ክሳብ ዘይወፅኡ፡ ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ ከም ዘይካየድ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።
ካብ 90 ሃገራት ዝተወጻጽኡ መራሕቲ ሃገራት ሎሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምርኻብ፡ ዩክረይን ናብ መገዲ ሰላም ክወስዳ ኣብ ዘኽእል ጕዳያት ክዝትዩ’ዮም።
ፑቲን ድማ፡ እዚ ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ክማልኡ ኣለዎም ዝበሎም ቅድመ ኵነት እዩ ወግዓዊ ገይሩ ዘሎ።
ፕረዚደንት ፑቲን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣምባሳደራት ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ዩክረይን ካብተን ብኸፊል ብሩስያ ዝተታሕዛ ኣርባዕተ ዞባታት - ዶኔትስክ፣ ሉሃንስክ፣ ኬርሰንን ዛፖሪዝዚያን ክወጽእ ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ዩክረይን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ንምጽንባር እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብወግዒ ክትገድፎ ከም ዘድሊ ሓቢሩ፤ ሩስያ ድማ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ገስጋስ ደው ከተብሎ’ያ ኢሉ።
“ኪቭ ንኸምዚ ዝበለ ውሳነ ድልውቲ ምዃና ምስ ኣወጀት . . . ብቕጽበት ተኹሲ ደው ክብልን ድርድር ክጅምርን ትእዛዝ ክንህብ ኢና” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ነቲ እማመ “ሙሉእ ብምሉእ ናይ ሓሶትን” “ዘሕፍርን” ክብል ገሊጽዎ።
ድሒሩ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንቴሌቪዥን ስካይ ቲጂ24 ኢጣልያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እዞም መልእኽትታት ናይ ገደብ መዓልቲ መልእኽቲታት እዮም። ልክዕ ከምቲ ሂትለር ዝገበሮ'ዩ፤ 'ሓደ ክፋል ቸኮዝሎቫክያ ሃበኒ'ሞ ኣብዚ ክውዳእ'ዩ' ክብል ዝበሎ’” ኢሉ።
ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን እውን “ፑቲን ብዘይሕጋዊ መገዲ ልኡላዊ መሬት ዩክረይን ሒዙ ኣሎ” ብምባል ንጠለባት ሩስያ ነጺግዎ።
“[ፑቲን] ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምምጻእ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎም ክእዝዛ ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት የለን”።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ እቲ ፑቲን ዘቕረቦ እማመ “ጽቡቕ ካብ ምድላይ ዝነቅል ኣይኰነን" ኢሉ።
ተንታኒት ፖለቲካ ሩስያ ታቲያና ስታኖቫያ፡ ውጥን ፑቲን፡ "እቲ ኣብ ዙርያ ሰላም ዩክረይን ዝጥምት ዋዕላ ቅድሚ ምክያዱ ዋጋ ክስእን ንምግባር ዝዓለመ ዝዀነ ሕድገታት ዘይህብ ልዑል” ጠለባት ምዃኑ ገሊጻ።
ዘለንስኪ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፍ እዩ፤ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዕላማ እቲ ዋዕላ “መራሕቲ ዓለም ኣብ ዩክረይን ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝተመርኰሰ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ዝመጽኣሉ መገድታት ዝዛተየሉ መድረኽ ምፍጣር” ምዃኑ ገሊጹ።
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፣ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጥልያን ጆርጅያ ሜሎኒን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ክሳተፉ’ዮም።
ሩስያ ናብዚ ኣኼባ ኣይተዓደመትን፤ ቻይና ድማ 'ሩስያ ዘይብሉ ኣኼበ ኣይሳተፍን' ኢላ።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7፡ ዩክረይን ኣብ ልዕሊኣ ወራር ንዝፈጸሙ ሓይልታት ሩስያ ንምምካት፡ 50 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ንክትረክብ፡ ደስኪሉ ዘሎ ንብረት ሩስያ ክጥቀማ ከም ዝተሰማምዓ ይዝከር።
ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኣውሮጳን ኣስታት 325 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ሩስያ ኣደስኪለንኦ'የን።
እዚ ዝደስከለ ንብረት ሩስያ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ወለድ ይወልድ።
ብመሰረት ውጥን ሃገራት ጉጅለ-7፡ እቲ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር፡ ዓመታዊ ወለድ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ዝወጽአ 50 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ዩክረይን ንምኽፋል ክውዕል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







