ትግራይ፡ ዉጉኣት ኲናት ኣብ ከተማ መቐለ ተቓውሞ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV/Facebook
ውጉኣት ኲናት ትግራይ መነባብሮኦም ክመሓየሽ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየድዎ ተቓውሞ፡ እኹል ሕክምናዊ ክንክን ከምዘይግበረሎም ገሊጾም።
ብዘካይ'ዚ እኹል ናይ መግብን ክዳንን ደገፋት ክግበረሎም'ውን ጸዊዖም።
ገለ ምንጭታት ካብታ ከተማ ከምዝሓበርዎ፡ ሰብመዚ ጸጥታ እቲ ክልል ነቶም ብመራኹስ ዝደገፉን ዝሕንክሱን ዝርከብዎም ውጉኣት ደው ከብልዎም'ኳ እንተፈተኑ፡ ክዓግትዎም ግን ኣይክኣሉን።
"ጀጋኑ ኣካል ጉድኣት ትግራይ መሰል ጉድኣት ይተሓሎ፡ እኹል ሕክምናን ራሽንን ይቕረበልና ዝብል ሕቶታት ብምልዓል ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም" ክብል'ውን መግስታዊ መደበር ተለቪዢን ትግራይ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ከምዝቖሰሉ ይግለጽ።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኲናት ዝሰንከሉ መንእሰያት ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቀረብ ኣፋውስን መሳርሕታት ሕክምናን ብዘይምህላዉ እኹል ክንክን ከምዘይረኸበ ተዛሪቡ ነይሩ።
ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተበጽሐ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ፡ እቲ ውግእ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ደው ኢሉ ይርከብ።
ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ብምውራድ፡ ተሃድሶ ወሲዶም ናብ መነባብሮኦም ክጣየሱ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኲናት ኣብታ ክልል ዓጸቦን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ።
ኣብቲ ክልል ዝነበረ ትሕተ-ቅርጺ ጥዕና'ውን ካብቲ ከቢድ ዕንወት ዝወረዶ ማሕበራዊ ትካላት ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ግን፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ጸኒሑ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ወገናት፡ ገና እኹል ረዲኤት ከምዘይበጽሐም ይዛረቡ።
ሰብመዚ እቲ ክልል ብወገኖም፡ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍ እኹል ከምዘይኮነ'ዮም ዝምጉቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







