ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስለምንታይ'ዩ ክሳዕ ሕጂ ክምስረት ዘይከኣለ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ መረጻ ተኻይዱ ወግዓዊ ምምሕዳር ክሳዕ ዝምስረት፡ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝካየድ ፖለቲካዊ ዘተ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝቐውም ይገልጽ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ኵነታት ንምምሕያሽን ግዝያዊ መንግስቲ ምቛም ወሳኒ ምዃኑ ይንገር።
ኣብቲ ክልል ንልዕሊ ክልተ ዓመት ደሞዝ ዘይረኸቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ምእንቲ ደሞዞም ክረኽቡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ብሃንቀውታ ይጽበዮ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ብኣካል ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ግዝያዊ ምምሕዳር ምስቈመ እቲ ባጀት ከም ዝልቀቕ ገሊጹ’ዩ።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ኳ እንተገበረ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ገና ኣይተመስረተን። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል?
‘ባዕልኹም ኣጣይሽዎ ተባሂልና ኢና’
ካብ 22 ለካቲት 2015 (ግእዝ) ጀሚሩ ኣብ መቐለ ንኽልተ መዓልቲ ብዝተኻየደ ህዝባዊ ዘተ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተጣየሸ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ክልል ሓቢረን እየን።
ጀነራል ተኽላይ ኣሸብሃር፡ ንሓይልታት ትግራይ ብምውካል ኣባል ናይቲ መስርሕ ምቛም ዝመርሕ ኮሚቴ እዩ።
ውዕል ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተዘራሪቦም ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስርቱ ምዃኖም ይገልጽ።
"ባዕልኹም መስርትዎ’ሞ ሓሳብ ክንህበኩም ኢና እምበር ንልእኮ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ባዕልኹም ወድኡ ተባሂልና ኢና" ክብል ኣብቲ ክልል ንዝርከባ ሚድያታት ተዛሪቡ’ዩ።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሳ ሰለስተ ሃገራዊ ውድባት ኣብ ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳተፋ ተዓዲመን’ኳ እንተነበራ፡ ከይተሳተፋ ከም ዝተረፋ ይፍለጥ።
ሃገራዊ ውድባት ሳውት፡ ውናትን ባይቶናን፡ እቲ መስርሕ ክጅመር እንከሎ፡ "ናይ ኣሳታፍነትን ፍትሓውነትን ጸገም አሎ" ብዝብል’ዩ ኣብ ምስረታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይተሳተፋ ዝተረፋ።

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TELEVISION/ FACEBOOK
እቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ካቢነ፡ 28 ኣባላት ዝሓቘፈ ኰይኑ ኣባላት ህወሓት፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ምሁራትን ሲቪክ ማሕበራትን ከም ዝርከብዎ ተገሊጹ’ዩ።
ይዅን'ምበር ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ብዘይ ተሳትፎ መንግስቲ ፈደራል ግዝያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ዝበሃል ዘሎ ሓሶት እዩ። ትግራይ ግደኣ ንምፍጻም ጥራይ እያ ትጽዕር ዘላ” ምባሉ ይዝከር።
ብዛዕባ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝምልከት ዛጊት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
‘ብስልጣን ምስሕሓብ ዝኣተዉ እመስለኒ’
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ሕጊ ፕሮፌሰር ሕገ-መንግስትን ፈደራሊዝምን እዩ።
ንሱ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ህወሓት ሰራዊቱ ካብ ናይ ውግእ ከባቢታት ኣውጺኡ ኣጽዋር ኣረኪቡ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብምጅማር ግዴታኦም ፈጺም’ዮም ይብል።
እንተዀነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምምስራት ምድንጓይ ከም ዘሎ ይዛረብ።
እቲ ውዕል፡ "ህወሓት ብባይቶ እታ ሃገር ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ምስ ተኣልየ ድሕሪ 7 መዓልቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝቐውም ይገልጽ" ዝብል እቲ ምሁር፡ ኣብ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝተፈጥረ ምድንጓይ ንመንግስቲ ፈደራል ይወቅስ።
ይዅን እምበር፡ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተመስረተ ምስምዑ ብምግላጽ ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እቲ መስርሕ ቅኑዕ እዩ ተባሂሉ ምምሕዳር ክቐውም ኣይተገብረን። ወይ ድማ መንግስቲ ፈደራል ተቐቢሉ ኣይጽደቘን። ወይ ድማ እቶም ጸገማት ብግልጺ ኣይተነገሩን። ህወሓት ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ኣውጽኡኒ ክብል ኣይሰማዕናን።"
"ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ክእለ ዘይምሕታቱ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ ጥራይ ከም ዝጭነቕ ዘመልክት'ዩ" ይብል እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር።
ፖለቲካዊ ንጥፈታት ትግራይ ብቐረባ ብምክትታልን ብምትንታንን ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊ ብወገኑ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምቛም ዘጋጠመ ምድንጓይ ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ብቐዳምነት ወተሃደራዊ ምትዕርራይ ክግበር ስለዝነበሮ እዩ ይብል።
ይዅን እምበር መራሕቲ ህወሓት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምርኻቦም ባዕሎም ሓቛፊ ምምሕዳር ንኸቝሙ ፍቓድ ምሃቡ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"መንግስቲ 'ካብ ብልጽግና ይዅን ካብ ካልእ ተሳታፊ ክልእኽ ድልየት የብለይን። ብኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣካላት ኣሳታፍን ሓቛፍን ብዝዀነ መንገዲ ኣቝሙ። ምስ ወዳእኩም ክንዘራረብ ኢና" ከም ዝተበሃለ ጋዜጠኛ ጌታቸው ይገልጽ።
ወሲኹ’ውን መንግስቲ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ብፍላይ ኣብ ፖሊት ቢሮ ዝነበሩ፡ ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይኰኑ ክብል ናይ ባዕሉ ምኽንያት ዘቐመጠ ምዃኑ ከም ዝፈልጥ ይሕብር።
ፍቓድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓትን ሰራዊትን ነዊሕ ዘተ ከም ዝተኻየደ ዝሕብር እቲ ጋዜጠኛ፡ “እቶም መራሕቲ ሰራዊት እንተተሰማምዑ’ኳ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ግን ለውጢን ስልጣንን ብዝምልከት ፍልልይ ከም ዝተፈጠረ መረዳእታ ኣለኒ” ይብል።
“ናብ ብስልጣን ምስሕሓብ ስለዝኣተዉ’ዩ ግዜ ወሲዱ። ብመንግስቲ ፈደራል ስልጣን ንዝደለኽምዎ ሃቡ ዝብል ፍቓድ ክህሉ ይኽእል። ብወገን ህወሓት ግን ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ብንጹር ዝርአ ነገር’ዩ። ብኻልእ ወገን ስልጣን ክቈጻጸር ዝደሊ ሓይሊ ክህሉ ይኽእል’ዩ። በዚ ምኽንያታት እዚ ግዜ ዝወሰደ እመስለኒ።”
ፕሮፌሰር ሕገ-መንግስትን ፈደራሊዝምን የማነ ካሳ’ውን ብወገኑ ብዛዕባ ስልጣን ምሓዝ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ፍልልይ ከም ዘሎ ይዛረብ።
ተቓወምቲ ዘይተቐበልዎ ግዝያዊ ካቢነ

ምንጪ ስእሊ, LAZA (SCREEN)
ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ውድባት 15 ሚእታዊ ብጽሒት ሒዘን ኣብ ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳተፋ ተዓዲመን ነይረን። እንተዀነ እተን ሰለስተ ውድባት እቲ መስርሕ ካብ መጀመርያኡ ዘሳትፍ ኣይነበረን ብምባል ኣይተሳተፋን።
እታ እንኮ ወከልቲ ዝለኣኸት ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲምባ (ADP) እያ።
እቲ ተመስሪቱ ዝተበሃለ ግዝያዊ ምምሕዳር "ንዅሉ ዝሓቁፍ ኣይኰነን" ክብል ዝነቕፍ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ ከም ውጽኢቱ ንህወሓት ተሓታቲ ይገብር።
"ነቲ ኣሰናዳኢ ኮሚተ ብዝምልከት ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝበሎ፡ ህወሓትን ሓይልታት ትግራይን እዮም ዝዀነ ኣካል ከየሳተፉ መስሪቶምዎ።
"ኣባላት እዮም ዝተበሃሉ ምሁራትን መራሕቲ ሰራዊትን ብህወሓት እምበር በቲ ዝውክሉዎ ማሕበር ዝተመርጹ ኣይኰኑን። ነቲ መስርሕ ንምእራም ካብ ውድባት ዝቐረበ ሓሳባት እውን ነጺጐምዎ" ይብል።
እቲ መስርሕ "ግልጺ፡ ዲሞክራስያውን ንዅሉ ዝሓቍፍን ኣይነበረን" ኢሉ ዝኣምን ጋዜጠኛ ጌታቸው፡ ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ከይሳተፉ ዝገብር መገዲ ዝተኸተለ’ዩ ኢሉ ይወቅስ።
"እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ናብ ግልጺን ንዅሉ ዝሓቍፍን መስርሕ እንተኣትዮም ካልእ ሰብ ስልጣን ከይሕዝ ስለዝተጨነቑ ይመስለኒ" ይብል።
ስቓይ ህዝቢ ዘናወሐ ምድንጓይ ግዝያዊ ምምሕዳር
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዞም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ እቲ ዘቘምዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተዛተዩ ዝገልጽ ጋዜጠኛ ጌታቸው፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝቐረበሉ ዝርዝር ኣባላት ካቢነ ከምዘይተቐበሎ መረዳእታ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህወሓት ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ንፕረዚደንትነት ከይወዳደሩ እዩ ዝደሊ። ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ኮሚተ ሕቶ ከም ዘልዓለ፡ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ዓብላ ኰይኑ ናይ መሪሕነት ግደ ምውሳዱ ከም ዘይደገፈ፡ ብዛዕባ ብዝሒ ካቢነ ሕቶ ከም ዘልዓለን ለውጢ ክግበር ከም ዝተዛረበ ሰሚዐ ኣለኹ።”

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቛም ዝተኻየደ ኣኼባን ቀዳማይ ሚኒስተር ሂብዎ ዝተበሃለ ርእይቶን ብዝምልከት ዛጊት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ህወሓት ዝተወሃበ መግለጺ የለን።
እንተዀነ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ልኡኽ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበን ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝቐረበ መሓውር ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝነጸጐን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ደብረጽዮን ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ኰይኑ ክቕጽል ዝቐረበ ሓሳብ ብቀዳማይ ሚኒስተር ተቐባልነት ኣይረኸበን። እቲ ሰልፊ ኣብ ቀረባ እዋን ኣኼባ ከም ዘካይድ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይምቛሙ፡ ስቓይ እቲ ብሰንኪ ኲናት ንዓበይቲ ፀገማት ዝተቓልዐ ህዝቢ ክቕፅል ከም ዝገበረ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊ "ጉዳይ ሚልዮናት ተመዛበልቲ፡ ፖለቲካዊ ዘተ ስዒቡ ክፍታሕ ነይርዎ" ይብል። ኣብ ትግራይ ተቐባልነት ዘለዎ ምምሕዳር ብዘይምህላዉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ ገዛኡ ክምለስ ከም ዘይከኣለ ይገልጽ።
መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይቈመ ባጀት ክልል ምፍናው ዘይምፍቃዱ፡ ንህዝቢ ቀጥታዊ ግዳይ ዝገብሮ እዩ ይብል።
ካብዚ ብተወሳኺ "ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩን ብፖለቲካ ዝተኣስሩን ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ። ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍትሑ ነይርዎም" ክብል ሓሳቡ ይገልጽ።
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማነ ካሳ’ውን ምስ ርእይቶ እቲ ጋዜጠኛ ይሰማማዕ።
ንሱ፡ "ኣብ መንጐ ክልላት ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ከደራድር ዝብል ዝዀነ ኣካል’ኳ እንተመጸ፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወኪሉ ክደራደር ዝኽእል ሓይሊ የለን። ናይ መንግስቲ ክፍተት ኣሎ፤ እዚ ድማ ጠንቂ ብዙሕ ጸገማት እዩ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







