ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ ዝሓለፍዎ ደማዊ ኲናትን ስምምዕ ሰላምን እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት፡ ኣብ ዝሓለፈ 02 ሕዳር 2022 ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተኸተመ ስምምዕ ብቐዋምነት ካብ ዝግታእ ኣርባዕተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት፡ ነቲ በዓል 12 ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሞም፡ ቀዋሚ ምቍራጽ ተጻብኦ ተገይሩ፡ ህወሓት’ውን ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝኣከቦ ዕጥቅን ከበድቲ ብረታትን ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣረኪቡ።
ድሕሪ'ዚ ደማዊ ኵናት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን ብኣካል ዝተራኸቡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ከቝሙ ኣብ ምሽብሻብ ይርከቡ።
ኣብቲ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ተፀሚዶም ግዳይ ጉድኣት ኣካልን ስነልቦናን ዝዀኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ዝተሓዋዋሰ ስምዒታት የንጸባርቝ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ተሃድሶ ንምውሳድ ክዳለዉ ተነጊርዎም ኣብ ትፅቢት ይርከቡ።
ንምዃኑ፡ እዞም ንኽልተ ዓመት ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ክዋግኡ ዝፀንሑ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ዘለዎም መርገጺ እንታይ እዩ? ብረት ዝዓጠቝሉ ዕላማ ቃልሶም ከ ተመሊሱ’ዶ?
‘ብርሃን ዓይነይ ስኢነ’

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን ኵናት ከምዝነበሩን፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ሰላም ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮምን’ዮም ዝሕብሩ።
ስምምዕ ሰላም ከም ዝተኸተመ ወግዓዊ ምስ ኰነ ድማ፡ ገለ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከቢድ ስንባደ ከምዝኣተዉ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ወዲ 21 ዓመት ሃፍቶም፡ ኣብቲ ኵናት ተወቒዑ ብርሃን ዓይኑ ስኢኑ፣ ኣብ መንጋግኡን ኣፍንጫኡን ብዘጋጠሞ መውቃዕቲ ከኣ ፀገም ስርዓተ ምስትንፋስ ኣጋጢምዎ፡ ኣብዚ እዋን ምስ ካልኦት ዝተጐድኡ ብፆቱ ኣብ ከቢድ ኵነታት ይርከብ።
ሃፍቶም፡ ተመሃራይ ታሽዓይ ክፍሊ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተነበሩ እገዳታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሩ ነይሩ። እቲ ኵናት ምስተወልዐ ድማ ብ 17 መጋቢት 2013 [ግእዝ] ናብ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢሩ።
ንሱ፡ ኣብ ብዙሓት ቁሸታት ትግራይ ይፍፀም ዝነበረ ግፍዒ ናብ ሓይልታት ትግራይ ክፅንበር ከምዝደረኾ ይገልፅ። “ገዛ ንገዛ መፅዮም ብዙሕ መግረፍትን ጉድኣትን የውርዱ ነይሮም፤ ስቕ ኢልካ ኣብ ማእከል ሜዳ ካብ ትመውት፡ መስዋእቲ ከፊልናስ ንህዝብና ሓራ ክንገብር ኢለ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢረ” ይብል።
ሃፍቶም፡ እቲ ኵናት ካብ ትግራይ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ልሒኹ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኣንፈት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግስሉ እዋን ኣብ ከባቢ ጋሸና’ዩ ከቢድ ጉድኣት ኣጋጢምዎ።
“13 ነሓሰ 2013፡ ናይ ዓይንን ኣፍንጫን መጉዳእቲ ኣጋጢሙኒ። ሕዚ ክርእይ ኣይኽእልን። የማነይቲ ዓይነይ ጠቕሊላ ፈሲሳ እያ የላን። ፀጋመይቲ ዓይነይ ድማ ክሳብ ደሓር ዝተወሰነ ናይ መብራህትን ፀሓይን ብርሃን ትርእይ ነይራ፡ ከም ቅድሚ ሕዚ ብምሉእ ኣይትርእን።
"ኣብ ኣፍንጫይ ብዘጋጠመኒ ጉድኣት’ውን ናይ ስርዓተ ምትንፋስ ፀገማት ኣጋጢሙኒ ኣሎ። ኩርምተይ ስለዝተሃርመ ምግቢ ክበልዕ እፅገም… ክልተ ብርሃን ዓይንኻ ምስኣን ከቢድ እዩ…!” ብምባል ቀረብ ኣፋውስን መሳርሕታት ሕክምናን ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ሕክምና ኣብ ትፅቢት ከምዝርከብ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ሆስፒታል ኰይኑ ምኽታም እዚ ስምምዕ ሰላም ዝሰምዐ ሃፍቶም፡ ነዚ ህዝቢ መዓልታዊ ካብ ምድብዳብ ስለዘድሕንን ካብቲ ዘለዎ ጥምየት ዝተወሰነ ሓገዝ ክኣትዎ ስለዝገብርን ጽቡቕ'ኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ክኸውን ዝኽእል ግን፡ “ብመሰረት እቲ ተገይሩ ዘሎ ስምምዕ፡ ናይ ደገ ሓይልታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ምስ ዝወፅኡን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ምስ ዝምለስን እዩ” ይብል።
ንመጻኢ ብርሃን ዓይኑ ብሕክምና ተመሊስሉ፡ ናብቲ ብሰንኪ ኮቪድ-19ን ኵናትን ናብ ዘቋረጾ መኣዲ ትምህርቲ ክምለስ ይብህግ።
ካልእ፡ ኣብ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ፡ በዓል ሞያ ስግግር ቴክኖሎጂ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ፀጋይ ገብረመድህን፡ ኵናት ትግራይ ምስ ተወልዐ፡ ብ17 ታሕሳስ 2013 [ግእዝ] ኣብ ዞባ ማእከል ናብ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ 21 ጥሪ ድማ ናብ ግንባር ምብራቕ ወይ ኣርሚ ሰለስተ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢሩ።
ፀጋይ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ምስ ሰምዐ፡ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት’ዩ ተሰሚዑኒ ይብል።
“ኵናት ኣዕናዊ’ዩ። ሲቪል ህዝቢ ብተኹስን ደብዳብን ኣጽዋር እናዓለቦ፡ እናተቐተለ፡ ካብ መረበቱ ካብ ዝመዛበል እዚ ስምምዕ ሰላም ነቲ ህዝቢ ንእሽተይ ግዝያዊ ዕረፍቲ ስለዝህቦ፡ ቅሩብ እዓግብ። ነዚ ውዕል ሰላም ብመንፅር እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ቃልሲ እንትርእዮ ግና፡ ኣዝዩ ዘሕምም’ዩ” ይብል።
ኣብቲ ኵናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣሽሓት ካልኦት’ውን ኣብ ኲናት ኣከለ-ጐደሎ ዀይኖም’ዮም።
'ስልጣኖም ንምውሓስ ዝገበርዎ እዩ'

ምንጪ ስእሊ, Shewit Bitew
ወዲ 35 ዓመት ሸዊት ቢተው (ወዲ ቢተው)፡ ኵናት ትግራይ ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፡ ካብ ኣሜሪካ ካሊፎርንያ ናብ ትግራይ ኣትዩ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢሩ።
“ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለዝዀነ ክቃለስ መፂአ” ዝብል ሸዊት፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ምስ ተፀንበረ፡ ኣብ ኣጋር ሰራዊት ኣብ ሬጅመንት ሞርታርን ዶሽካን ተመዲቡ፡ ክሳብ ሻለቃ ኣመራርሓ፣ ኮርን ሓላፊ ዓቕሚ ህንጸትን’ውን በጺሑ።
ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ከም ሰራዊት ምንም ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበረን ኵሉ ነገር ሕቡእ ከም ዝነበረን ዝሕብር ሸዊት፡ ውዕል ተኸቲሙ ምስ ሰምዑ፡ ኣብቲ ሰራዊት ሕማቕ ስምዒት ከም ዝተፈጠረ ንቢቢሲ ይገልፅ።
“እቲ ስምምዕ ሕዚ ዘይኮነስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ክኸውን ዝነበሮ እዩ” ብምባል ድማ ሓጐስ ከምዘይፈጠረሉ ይዛረብ።
“ህዝቢ ትግራይ ሰላም የድልዮ፡ ንሰላም ኢልና’ውን ተቓሊስናን መስዋእቲ ንኸፍል ኣለናን። ቅድሚ ክልተ ዓመት ነገራት ክስተካኸሉ እናኽኣሉ ግን፡ ብሰንኪ ፀገም ውሑዳት መራሕቲ፡ መስዋእቲ ከፊልና፣ ብጥሜትን መድሃኒት ምስኣንን ጨፍጫፍን ልዕሊ ሓደ ሚልየን ህዝቢ ተወዲኡና። ሕጂ መራሕቲ ህወሓት ይዅኑ ብልፅግና ምንም ከም ዘይተፈጠረ ዕርቂ ክፈጥሩ እንከለዉ፡ ብጣዕሚ የሕርቕን የቘጥዕን’ዩ” ክብል ይነቅፍ።
እዚ ስምምዕ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዘየገናዘበ’ዩ ዝብል ሸዊት፡ “ዓድና ንምሕላው ተቓሊስና፡ ዕጥቕኹም ክትፈትሑ ኢኹም ክብሉና እንከለዉ ሓዚንና። ሰራዊት ኤርትራን ካልኦት ሓይልታትን ጠቕሊሎም ካብ ትግራይ ከይወጹ ዕጥቂ ፍትሑ ንምባል ምጕያዮም፡ ናይ ስልጣን ህርፋን’ዩ ዘመልክት” ብምባል፡ ንመራሕቲ ህወሓት ይወቅስ።
ካብ መጋቢት 2014 ጀሚሩ፡ ንኣስታት 5 ኣዋርሕ ዝጸንሐ በይናዊ ‘ሰብኣዊ’ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሱ፡ ውግእ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ተደፊኦም ነይሮም።
እቲ ስምምዕ ቀዋማዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱም፡ ዓድዋን ኣላማጣን ዝበላ ከተማታት ወጺኦም፡ ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቱ ዝዀኑ ሓይልታትን ዳግማይ ንከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ዝግስግስሉ ዝነበሩ እዩ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ “ንሕና ዕጥቂ ዘልዓልናሉ ምኽንያት ህዝብና ክነድሕን እዩ። ዕጥቂ ሒዝና ህዝብና ክነድሕነሉ እንኽእል ዕድል ርኢና ተዋጊእና። ጽቡቕ ስራሕ ሰሪሕና። ምሰ ዕጥቅና እውን ህዝቢ ዝጸንተሉ ኵነታት ክፍጠር እንተርኢና እዚ ክነወግድ ስለዝግበአና፡ ብሰላማዊ መንገዲ ህዝቢ ዝድሕነሉ ኵነታት እንተርኢና ናብ ሰላም ዘይንመጸሉ ምኽንያት የለን ኢልና ናብዚ ጉዳይ ኣቲና” ኢሉ ነይሩ።
ኣባል ሓልታት ትግራይ ክብሮም ዘወልዲ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቅድሚ ምኽታሙ ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ፡ ካብ ግንባር ምዕራብ ናብ ግንባር ደቡብ ኣብ ዝሓለፈሉ፡ ብ 9 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከባቢ ኮረም ንኣንፈት መገዲ ሰቖጣ እግሩ ተወቒዑ።

ምንጪ ስእሊ, Kibrom Zeweli
ትግራይ፡ “ፖለቲካዊ ዕጫኣ ባዕላ ንኽትውስን፡ ከም ውልቀይ ድማ ንነፃነት ትግራይ እየ ተቓሊሰ” ዝብል ክብሮም፡ ኣብዚ እዋን ክልተ ምርኩስ ተደጊፉ እንተዘይኮይኑ፡ መሬት ክረግፅ ኣይክእልን። ኣብ ናይ መንግስቲ ሕክምና ክረክብ ስለዘይከኣለ ከኣ፡ ስድራኡ’ዮም ኣብ ናይ ውልቀ ሕክምና ዘሐክምዎ ዘለዉ።
“ስምምዕ ተገይሩ ምስ ሰማዕኩ፡ ብጣዕሚ ሰንቢደ። ኣብ ከቢድ ኵናት ጸኒሕካ፡ እሞ ድማ ኣብ ትግራይ ምስ ዝወረደ ግፍዕን ተሓታትነት ዘይምህላዉን ክግምቶ እንከለኹ፡ ስምምዕ ሰላም ክግበር’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ብሓደ ገፁ ከኣ እቲ ህዝቢ ካብ ደብዳብ ድሮንን ከቢድ ብረትን የዕርፍ’ዶ ይኸውን ዝብል ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት ፈጢሩለይ። ናይ ሰላም ውዑል ምግባሮም ዘይተርፍ፡ ቅድሚ እዚ ኵሉ ክሳራታት ኣቐዲሙ ክኸውን ነይርዎ ዝብል ቅረታ ኣሎኒ” ይብል።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝዘለቐ ኲናት ትግራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ብጥሜትን መቕተልትን ከምዝሃለቐ መጽናዕቲ ጌንት ዩኒቨርሲቲ [ቤልጂም] የመልክት። ካብቲ ክልል ወጻኢ’ውን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ሰፊሕ ማእሰርትን ግፍዕን ከምዝተፈጸመ ምግላጹ ይዝከር።
“እቲ ሰራዊት ድሌት ውግእ የብሉን፡ ዓዱ ሰላም ገይሩ ናብ ንቡር ሂወቱ’ዩ ክምለስ ዝደሊ” ዝብል ሸዊት ወዲ ቢተው፡ ንምንታይ ግን ብናይ ውሑዳት ሰባት ስሕተት ናብዚ ዅሉ መስዋእቲ ኣቲና? ንምንታይ እዚ ዅሉ ዓዲ ዝትክእ ወለዶ መስዋእቲ ኰይኑ? ከም ተጋሩ’ኸ ካብዚ ውግእ እንታይ ረቢሕና ዝብሉ ሕቶታት የልዕል።
“መራሕቲ ትግራይ ነዚ መልሲ የብሎምን። ካብ ሓደ ውግእ እንታይ ረቢሕና ንዝብል ክምልሱ እንተዘይክኢሎም ድማ፡ ንከንቱ ኢና እዚ ዅሉ መስዋእቲ ከፊልና ማለት’ዩ” ዝብል መርገፂ ኣለዎ።
ኣስዒቡ፡ “እዚ ዅሉ ኰይኑ እንከሎ ምንም ከም ዘይተፈጠረ ሕጕሳት ኰይኖም ክንርእዮም እንከለና፡ እዚ ሰላም ኣይኰነን ኣሐጕስዎም ዘሎ፡ ሕጂ’ውን ናይ ስልጣን ፅምኣትን ውልቀ ድሌቶምን ደኣ’ምበር። ድሌቶም ሰላም እንተዝኸውን፡ ካብ ፈለማ ጥዑያት መራሕቲ ኣምፂእና፡ ብጽቡቕ ኣካይዳ ነገራት ክንፈትሕ ምኸኣልና። ስለዚ እቲ ሕዚ መራሕቲ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገይረምዎ ዘለዉ ስምምዕ፡ ንናይ ባዕሎም ስልጣንን ልዕሊኡን ዘውሕስ እዩ” ይብል ሸዊት ቢተው።
እቶም ዕጡቓት “ሓይልታት ህወሓት” ተባሂሎም ኣብቲ ስምምዓት ምጥቃሶም ነተጋደልትን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይን ዘቘጠዐ እዩ ነይሩ። ነቲ ውዕል ብስሙ ዝተፈረመ ህወሓት ነዚ ኣገላልጻ ክልውጥ ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ዝተለወጠ ነገር የለን።
ህወሓት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 27 ዓመታት ዓብላሊ ግደ ሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ'ውን ምሉእ ፖለቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ’ዩ ጸኒሑ። እንተዀነ፡ ኣብታ ክልል ንድሌታት ህዝቢ ዘዕግብ ቁጠባውን ማሕበራውን ልምዓት ኣየረጋገጸን ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።
‘መንእሰይ ትግራይ ንረድኤት ስርናይ ኣይኰነን ተጋዲሉ’

ምንጪ ስእሊ, Yonatan Teka
ስምምዕ ፕሮቶርያ ካብ ዝኽተም ኣርባዕተ ወርሒ መሊኡ’ሎ። እንተዀነ ‘ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጨውዩ’ ዝብሉ ቅረታታት ይስምዑ ኣለዉ።
ስምኦን* ቅድሚ ኵናት ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ሃገራትን ምስ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝዛመዱ ስራሕትን ቴሌኮምዩኒኬሽንን’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ።
እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ምስ ዝተኻየደ መረጻ ዝትሓሓዝን ናብ ነፃነት ዝወስድን’ዩ ዝብል እምነት ስለዝነበሮ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተፀንቢሩ፡ ኣካል እቲ ቃልሲ ከም ዝኾነ ዝገልፅ ስምኦን፡ እዚ ውዕል ሰላም ዕላማ’ቲ ቃልሲ ዘዕውት ገይረ ኣይወስዶን፡ ይብል።
“ኣብቲ ኵናት ዝነበረ ከይድን ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝነበረ ግፍዕን፡ ትግራይ ብዘላቕነት ምስ ኢትዮጵያ ክትቕፅለሉ ትኽእል ዕድል ብጣዕሚ ዝነከየ ምዃኑ ዘርኣየ’ዩ። ኣነን ኣብዝሓ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘሎ መንእሰይን፡ ትግራይ ነጻ ሃገር ክትከውን ባህጊ ዘለዎን፡ ነዚ ባህጊ እዚ ዝተቓለሰን እመስለኒ። ስለዚ ብዙሕ ኣባል ሰራዊት እዚ ውዕል ሰላም ነዚ ባህጊ እዚ ከናውሖ’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣሕዲሩ’ዩ። ኣነ’ውን እቲ ናይ ነጻነት ጕዕዞ ዝተናውሐ ከም ዝኸውን ይረኣየኒ” ይብል።
ፀጋይ ገብረመድህን ብወገኑ፡ መንእሰይ ትግራይ፡ ንግዝያዊ ረድኤት ናብ በረኻታት ትግራይ ከምዘይወፅአ ይምጕት።
“መንእሰይ ትግራይ ግዝያዊ ኔትዎርክ፡ ግዝያዊ መድሓኒትን ግዝያዊ ኣገልግሎት ምኽፋትን ባንኪ፡ በረራ፡ ናይ ረድኤት ስርናይ ደልዩ ኣይኮነን ክጋደል ወፅዩ። መንእሰይ ትግራይ ሓርነት ደልዩ፡ ናጽነት ደልዩ፡ ህልውና ህዝቡ፡ ህልውና ዓዱን መንነቱን ብሂጉ’ዩ ወፅዩ። እዚ ስምምዕ ሰላም ዝተበሃለ ድማ እቲ ኵናት ዝኣወጀልና፡ እቲ ናይ ደገ ሓይሊ ፀዊዑ ዘውቅዓና ሕገ-መንግስቲ ዝመልስ እዩ። የሕርቕ ድማ…” ይብል።
ፀጋይ፡ ኣብዚ እዋን ብቐዳምነት ካብዚ ድሕረ-ኲናት ዝተፈጥረ ስምብራት ምሕዋይ የድሊ ይብል።
ሸዊት ብወገኑ፡ ኵሉ ትግራዋይ ንውድብ ኢሉ ኣይኰነን ተቓሊሱ ዝብል ጽኑዕ ቅዋም ኣለዎ። ህዝቢ በብ 20 ወይ 15 ዓመት ናብ ኲናት ዘእትዎ ኣካይዳ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ብምእላይ፡ ንነጻነት ከም ዝተቓለሱ ከኣ ይገልጽ።
“እዚ ዘሎ ኣካይዳ ሕጂ’ውን፡ ጽባሕ ናብ ውግእ ዘእትወና ኣካይዳ’ዩ። ጽባሕ ናብ ውግእ ዘይንኣትወሉ ምንም ውሕስና የብልናን። ንሕና ተጋደልቲ ትግራይ ንናጽነት ትግራይ ኢና ተቓሊስና፤ ግን እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ኣካል፡ ሕገ-መንግስቲ ናብ ዝነበረ ይመለስ ኢሉ ስለዝተሰማምዐ፡ ሕጂ’ውን ዓንቀጽ 39 ክኽበረልና ኢና ንደሊ” ይብል።
“ቃልሲ ወለዶታት ትግራይ ኣብዚ ኣየብቅዕን’ዩ። ገና ብዙሕ ዓይነት ቃልሲ ክተርፈና’ዩ፤ እቲ ዝኸበደ ቃልሲ ድሕሪ ኵናት’ዩ። ድሕሪ ኵናት ንዝህሉ ቃልሲ ተሊምና ሓሲብና ክንጓዓዝ ኣለና። ሕጂ እውን ባህገይ ትግራይ ሃገር ኰይና ክርእይ’የ ዝደሊ። እዚ ክንገብር እንተዄንና ግን ህዝቢ ትግራይ ብምሉኡ ክነቅሕ ኣለዎ” ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝዀነ ጀነራል ምግበይ፡ ኣብ ሓደ ህዝባዊ ኣኼባ ተረኺቡ ‘እዚ ሰላም ፍረ እቲ ቓልሲ ምዃኑ ብምሕባር ሕቶታትናን ባህግናን ሰላማዊ ብዝዀነ መገዲ ክነፍጽም ዘኽእለና እዩ፡ ክዕንቀፍ የብሉን’ ክብል ተሰሚዑ።
ኣዛዚ ሓልታት ትግራይን ኣካቢ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ጊዝያዊ መንግስትን፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ እቲ መስርሕ ሰላም ንድሕሪት ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ከምዝበጽሐ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ነቶም ኣብቲ ኲናት ተቐርቂሮም ብሰንኪ ዕጽዋ ኣብ ሕሱም ጸበባ፡ ጥምየት፡ ሞትን ሕማምን ዝወደቝ ሚልዮናት ተጋሩ ግን እቲ ስምምዕ ሰላም እፎይታ ፈጢሩ ከምዝርከብ ይዝረብ።
ዝተበታተነ ስድራቤታት፡ ብኣካልን ቴለፎንን ክራኸብ፡ ዝሓመመ ሕክምናዊ ረዲኤት ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ዛጊት ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ተፈናቐልትን ስደተኛታትን ኣብ ከቢድ ጸበባ ከምዝርከቡ ይዝረብ።
ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንልዕሊ 27 ዓመታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝዓብለለን ህወሓት፡ ነንባዕሎም ኣፍልጦ ተኸላሊኦም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።
እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ናብ ደማዊ ኲናት ኣምሪሑ። ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ተጻብኦታት ደው ኢሉ፡ ነገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።
ብሰንኪ’ቲ ደማዊ ኲናት ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ከቢድ ጉድኣት፡ ብዙሓት ናይ በደል ስምዒት ዝሓደሮም ተጋሩ መንእሰያት ናይ ምሉእ ናጽነት ባህጊ ከማዕብሉ ተገዲዶም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







