ኣብ ትግራይ ክቐውም ዝሕሰብ ዘሎ ምምሕዳር ግዝያዊ ዶስ ናይ ስግግር መንግስቲ?

ኮሚቴ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣይተ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያምን ዝርከብዎ 9 ኣባላት ዝሓዘ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV/Facebook

መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ከካይዱዎ ዝጸንሑ ኲናት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ብዝፈረሙዎ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉዎ ክኢሎም ዮም።

እቲ ስምምዕ ካብ ሞንጐ ዘስፈሮም 15 ዓንቀጻት፡ ኣብ ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ ከም ዘለዎ ዝጠልቡ ክልተ ዓንቀጻት ምጽራሕ ይክኣል።

እቲ ሓደ፡ ዓንቀጽ 7 (2) (C) መንግስቲ ፌደራል፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽም ህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ከልዕሉዎ ዝገብር ባይታ የጣጥሕ ዝብል ይብል።

እዚ ዓንቀጽ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ምስ ኰነ ድማ ወከልቲ ክልላዊ ባይቶን ፌደራልን ንምምራጽ ሃገራዊ ቦርድ ዘማእዝኖ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ‘ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ብዝካየድ ዝርርብ ንኹሉ ዝሓቍፍ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር’ ይምስረት ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ንፈለማ እዋን ምስ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዝተራኸበሉ ዘተ፡ ኣባላት ጉጅለ ድርድር ትግራይ ጉዳይ ባጀት ከልዕሉ እንከለው እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ድሕሪ ምቛሙ ዝፍጸም ከም ዝኸውን ተገሊጹ ነይሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረን ኣብዚ ሰሙን እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ሰነድ ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ከም ዝግበርን ይንገር።

እዚ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ዝተጣየሸ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝመሓደረሉ ሰነድ ናይ ምድላው ስራሕቲ ይጻፈፉ ኣለው ምባሉ ይዝከር።

ንምዃኑ ግዝያዊ ምምሕዳር እንታይ’ዩ? ካብ ናይ ስግግር መንግስቲ ብምንታይ ይፍለ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል ሃይሉ፡ ብቐንዱ ናይ ስግግር መንግስቲ ካብ ዝዀነ ስርዓት ናብ ካልእ ስርዓት ክትሰጋገር እንከለኻ እዩ ብምባል፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ኣቓውማታት ምሕደራ መሰረታዊ ኣፈላላይ ከም ዘሎ ይገልጽ።።

እዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ወይ ዝዀነ ሰውራ ዘምጽኦ ለውጢ ስዒቡ ዝመጽእ መንግስቲ እንተዀይኑ ናይ ስርዓት ለውጢ ስለ ዝህሉ ናይ ስግግር መንግስቲ ይብሃል።

ብኣንጻሩ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብገለ ምኽንያት ህልውና መንግስቲ ክቋረጽ እንከሎን መሊስካ ንምቕጻልን ዝግበር ኣቃውማ ምሕደራ ምዃኑ ይገልጽ።

“ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕገ መንግስቲ እውን ዝፍቀድ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ፤ ንኣብነት መንግስቲ ብዝዀነ ምኽንያት ኣብ ባይቶ ድምጺ እንተስኢኑ ክፈርስ ይኽእል’ዩ። ክሳብ መረጻ ዝግበር ድማ እቲ መንግስቲ ፈሪሱ ግዝያዊ መንግስቲ ይጸንሕ። ስለዚ፡ ግዝያዊ መንግስቲ እቲ ብዝዀነ ምኽንያት ዝፈረሰ መንግስቲ ዳግም ክሳብ ዝውደብን ብመረጻ ክሳብ ዝጣየሽን መጻንሒ መንግስቲ ከም ማለት እዩ” ብምባል የረድእ።

ብመሰረት መብርሂ እቲ ሙሁር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዝመጽአ ናይ ስርዓት ለውጢ የለን።

መሰረታዊ ሓሳብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣብቲ ክልል ሕገ መንግስታዊ ስርዓት “እቲ ሓደ ወገን ኣፍሪሱዎ” ከም ዝነበረ እሞ እቲ ክልል ናብቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ክምለስ ኣለዎ ዝብል መንፈስ ከም ዘለዎ እቲ ሙሁር ይገልጽ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ትግራይ ዝቐውም ምምሕዳር ግዝያዊ መንግስቲ ኰይኑ፡ “እዚ ድማ ናብቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ እዩ እምበር ዝተፈለየ ስርዓት፣ ዝተፈለየ ለውጢ ንምምጻእ ሃቂኑ ዝተገብረ ኣይኰነን” ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ስግግር መንግስቲ ክብሃል እንከሎ፡ ነቲ ስግግር ምኽንያት ዝዀኑ ሓይልታት ክህልው ይጠልብ።

ንኣብነት ብዕጥቃዊ ቃልሲ መንግስቲ እንተፈሪሱ፡ ነቲ ለውጢ ምኽንያት ዝዀኑ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ሓይልታት እቲ ዝህሉ ጠለብ መሰረት ዝገበረ ነቲ ለውጢ ኻልኦት ሓይልታት እቲ ስግግር ከጣይሹዎ ይኽእሉ’ዮም።

ግዝያዊ መንግስቲ ግን ብባህሪኡ ካብዚ ዝተፈለየ እዩ ዝብል ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል፡ ብናይ ኢትዮጵያ ዓውዲ ፌደራል መንግስቲ ከም ላዕለዋይ ኣካል ኰይኑ፡ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንፌደራል ተሓታቲ ኰይኑ ዝጣየሽ እዩ ይብል።

ዕምሪ ግዝያዊ መንግስቲ ክንደይ’ዩ?

ብርግጽ፡ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን ክንድ’ዚ እዩ ምባል እኳ እንተዘይተካእለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕምሪ ኣብ ስራሕ ዝጸንሓሉ ግዜ ብኩነታት ሓንቲ ሃገር ወይ እቲ ከባቢ ዝውሰን ከም ዝኸውን ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

እቲ ምምሕዳር ግን ግዝያዊ ስለ ዝዀነ፡ ዘላቕነት ዘለዎም ነገራት ክሰርሕ ኣይኽእልን ክብል ሙሁር ሕጊ ገብረመስቀል የብርህ።

እዚ ማለት፡ ብመንጽር እቲ ሕጂ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት እቲ ኣብቲ ክልል ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምምጻእ፣ ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ ምስራሕ፣ ዝተመዛበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ ቦታኦም ምምላስን ዳግመ ህንጸት ዝኣመሰሉ ግዜ ዘይህቡ ነገራትን ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ትጽቢት ይግበር።

ስለዚ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ከም ቀዋሚ መንግስቲ ኰይኑ ኩነታት እቲ ዓዲ ክቕይሩ ዝኽእሉ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ኣውጺኡ ወይ ሕጊ ኣውጺኡ ክኸደሉ ዝኽእል ዕድል ድሩት ምዃኖም ዝሕብር ገብረመስቀል፡ ኣብዚ ግዜ ጠቕላላለ ፖለቲካዊ ጉዳያት ግን ንድሕሪት እዮም ዝተርፉ ዝብል ገምጋም ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ግዝያዊ መንግስቲ፡ ዝያዳ ማሕበራዊ ጠለባት ምምሕዳር ኣብ ምምላስ ትኹረት ዝገብር እኳ እንተዀነ እዚኦም ኣብ ነዊሕ እዋን ጽልዋ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ክዀኑ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ሙሁራት ሕጊ ይገልጹ።

እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ምጥያሽ ዝህሉ መስርሕ ብሙሉኡ ግን “ናይ ዴሞክራሲ ልምምድ ተገይሩ ክውሰዱ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ትካላውነት፣ ባህሊ ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ምፍጣር ናይ ባዕሉ ንጻፍ ከንጽፍ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

እዚ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ዝተጣየሸ ኣሰናዳኣይ ኮሚቴ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያምን ዝርከቡዎም ካብ ኣባላት ሰራዊት፣ ኣባላት ህወሓት ከምኡ’ውን ሙሁራትን ሲቪል ማሕበረሰብን ዝተወጻጽኡ ትሸዓተ ኣባላት ዝሓዘ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ክልል ዝርኣዩ ዘለው ምንቅስቓሳት መስርሓት ምጥያሽ ፈጻሚ ስራሕ ምዃኖም ዝዛረብ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ገብረመስቀል፡ እዚ ድማ ቐቀጥታ ንቀዳማይ ሚኒስትር እዩ ተጸዋዓይ ዝኸውን ኢሉ።

“ስለዚ ባይቶ ኣይህሉን፣ ሓድሽ ሕጊ ድማ ኣይወጽእን ማለት እዩ። እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ድማ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኣብ ምምላስን ዳግመ ህንጸትን ዝተጸመደ ስራሕቲ እዩ ዝህልዎ። እዚ ናይቲ ክልል ርእሰ ምሕደራ ብዝተወሰነ መልክዑ ‘ኮምፕሮማይዝ’ ዝገብር’ዩ - እዚ ግን በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት እዩ” ብምባል የብርህ።

ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ስለ ምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ነቲ ጊዝያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዝቘመ ኣተሓባባሪ ኮሚቴን ሓፈሻዊ መስርሕ እቲ ምጥያሽን ዝቃወም መግለጺ ከውጽኣ እንከለዋ፡ ኩሉ ካብ ውግንና ዘይጸረየን ብሓደ ሰልፊ ዝተዓብለለን እዩ ክብላ ነቒፈን እየን።

ኣመራርሓ ተቓወምቲ ሰልፊታትን ገለ ጋዜጠኛታትን እቲ ክልል፡ ንምዃኑ መን’ዩ ኣጣይሽኩም? በየናይ ሕጊ ተጣይሽኹም? ዝብሉ ተረርቲ ሕቶታት ካብ ምልዓል ብዝሰገረ፡ እቲ ኮሚቴ ‘ህወሓት በይኑ ዘጣየሾ’ ኣካል ገይሮም ከም ዝርእዩዎ ይገልጹ።

እቲ ኮሚቴ ግን፡ ንኹሉ ዘሳትፍን ብውሑድ ዝበዝሐ ህዝቢ እቲ ክልል ዝቕበሎን ግዝያዊ መንግስቲ ከም ዝምስርት እዩ ዝገልጽ።

እንተዀነ፡ እዞም ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝቐርቡ ዘለው ሞገታት ነቲ ተኣፋፊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት እቲ ክልል ዝከታተሉ ሙሁራትን ነጠፍትን ኣዝዮም ዘካትዑ ኰይኖም ቀጺሎም ኣለው።

ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ሕጊ ገብረመስቀል ከም ሰብ፡ “ድሕሪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝበጽሐ ኩሉ ዓይነት በደል፣ ድሕሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ተፈጺሙኒ’ዩ ኢሉ ዝኣምን ማሕበረሰብ” ኩሉ ነገር ንድሕሪት ገዲፉ ስልጣን ዝደሊ፣ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ዘቐድምን ኣነ ጥራይ እየ ዝመርሕ ዝብልን ኣካል ምርኣይ ትጽቢት ኣይትገብሮን ይብል።

እዚ፡ “ሕዚ’ውን ብጣዕሚ ስሱዕ ባህሊ ፖለቲካ” ምህላው ዘርኢ እዩ ዝብል እቲ ሙሁር፡ “ኩሉ ነገር ብስልጣን፣ ኩሉ ነገር ብናይ ፓርቲ ፖለቲካ ምርኣይ እዩ እቲ ዓብዪ ሕማም’ዩ፤ ስለዚ ዝዀነ ኣካል ብሙሉኡ ሒዘ ኣነ እየ ገናሒ ይብል፤ እቲ ካልእ ድማ ብማዕርነት ክንሳተፍ ኣለና ይብል። ግን ኣብዚ ናይ ፖርቲ ፖለቲካ ክመጽእ ኣይነበሮን” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ፡ ኣብቲ ክልል ሰላም ክመጽእ፣ ኲናት ከይደግስን ቅትለታት ከየጋጥምን ሓላፍነት ወሲዱ ጠለባት ሕብረሰተብ ዝምልስ ግዝያዊ መንግስቲ ንክቐውም “ማሕበሰረብ እምነት ዝወሃቦ፣ እዚ ማለት ድልየት እቲ ሕብረሰተብ ዘንጸባርቕ ዓይነት መንግስቲ ክኸውን” ትጽቢት ከም ዝግበር የመልክት።

ስለዚ “ሻራዊ፣ ዝዀነ ማሕበሰረብ ወይ ውዳበ ዘግልል ዓይነት ግዝያዊ መንግስቲ ክኸውን ኣይግባእን። ኣሳታፊ፣ እምነት እቲ ሕብረሰተብ ክገዝእ ዝኽእል እንተዀይኑ እቲ ሰላም ዘላቕነት ይህልዎ፣ ደጊሙ ናብ ኲናትን ዕግርግርን ዘየእቱ መስርሕ ኰይኑ እውን ከገልገግል ይኽእል እዩ” ይብል።

ብዋናነት፡ ህዝቢ ዝደልዮ ቅቡል ወይ ሕጋዊ መንግስቲ ግን ናጻ፣ ኣሳታፍን ዴሞክራሲያውን መረጻ ክግበር እንከሎ ጥራይ ስሩዕ መንግስቲ ከም ዝቐውም ይግለጽ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዝሕሰብ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ግን ክሳብ መዓዝ ከም ዝጸንሕ ኰነ መረጻ መዓዝ ይካየድ ዝብል ብወግዒ ኣይፍለጥን።

ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደ ክልላዊ መረጻ፡ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ውድቂ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ሕጊ ገብረመስቀል ሃይሉ፡ እዚ ግዜ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ “ንውሽጦም ዝግምግምሉ ዕድል ዝህቦም” ክኸውን እዩ ኢሉ ይኣምን።