ኣብ መንጐ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን መሰጋገሪ ፍትሕን ደው ዝበለት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮምሽን ኣቝሙ እዩ።
ኵሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ እቲ ኮምሽንን ካልኦት ትካላትን ኣብ ዘውጽእዎም ጸብጻባት ገሊጾም እዮም።
ኣብ እዋን እቲ ጐንጺ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃምን ካልኦት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተፈጸሙ ኰይኖም፡ ሕቡራት ሃገራት እቶም ጥሕሰታት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ካብ ምስረታ እቲ ኮምሽን ጀሚሩ ካብ ምቅዋም ሓሊፋ ባጀት ከይስልዓሉ እውን ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ እያ።
ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን፡ ኢትዮጵያ እቲ ኮምሽን ክፈርስ ንእትገብሮ ጻዕሪ ክሕግዙ ንኣባላት እቲ ሕብረት ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጀኔቫ ንሓሙሽተ ሰሙናት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ሰሜን ኢትዮጵያ ክዝቲ ትጽቢት ይግበር። ኢትዮጵያ እውን እቲ ኮምሽን ስርሑ ከቋርጽ ጻውዒት ከተቕርብ ተዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ነቲ እተቕርቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ድጋፍ ተተኣኻኽብ ከምዘላ ካብ ዲፕሎማሰኛታት ሓበሬታ ምርካቡ ወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ እዩ።
ዓለምለኻዊ ሲቪክ ማሕበራትን ተሓለቕቲ መሰላትን፡ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ‘ትጽቢት ዘይተገበሮን’ ዓለምለኻዊ ምርማራ ንምትራፍ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ክብሉ ገሊጾምዎ።
ገበናት መን ይመርምሮ?
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብዎም ልዕሊ ስሳ ትካላት ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ እቲ ምርመራ ንምቍራጽ ናይ ውሳነ ሓሳብ ከተቕርብ ምሕሳባ ኣሻቒሉና ኣሎ፡ ኢሎም።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ጻዕሪ ከይቅበልዎ ጻውዒት ገይሮም።
ካብቶም ልዕሊ ስሳ ትካላት ሓደ፡ ኮሚተ ትግራይ ኣክሸን እዩ።
ቅድሚ 35 ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ናብ ሱዳን ካብ ዝተሰደዱ ቤተሰብ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝተወለደት እትገልጽ ሓውዜን ገብረመድህን፡ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝን ኣድቮኬሲን፡ ኮሚቴ ትግራይ ኣክሽን ካብ ዝመስረቱ ሰባት ሓንቲ እያ።
ኣብ ትግራይ ’ምጽናት ዓሌት’ ተፈጺሙ ኢላ እትኣምን ሓውዜን፡ “እቲ ገበን ዝፈጸመ ኣካል ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ከጻሪ ክንፈቅድ ኣይንኽእልን። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፤ ሚእቲ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን እየን።
ነዚ ዝሕተቱ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሓባባሪኡ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራን እዮም።
ስለዚ ባዕላቶም እንተጻርዮምዎ ግሉጽነት ከምዘይህልዎ ንፈልጥ ኢና” ብምባል ኣብቲ ተኣማንነት ሕቶ ተልዕል።
በዓል ሞያ ሕጊ በይሳ ዋቅወያ፡ ኣብ እዋን እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሰብኣውን ሕገ መንግስታውን ጥሕሰታት ከምዝተፈጸሙ እዩ ዝግምት።
ኣቶ በይሳ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ኣፈታትሓ ግጭትን ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ሰሪሑ እዩ።
ንሱ ካብቶም፡ “ካብ ጸቕጢ ናጻን ዘይሻራውን ብዝዀነ ኣካል ዓሚቝ ምርመራ የድሊ” ካብ ዝብሉ ወገናት እዩ።
ንኣቶ በይሳ እቲ ሕቶ ‘መን ይመርምር? ከመይ ይመርመር?’ ዝብል እዩ።
ኢትዮጵያ ንምንታይ ካብ መጀመርታኡ ምቛም እቲ ኮምሽን ተቓዊማ፡ ክንብል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርቲ በርሚንግሃም ዝምህርን ኣብ ፖለቲካ፡ ፌደራሊዝምን ጉዳያት ልምዓትን ትንታነ ብምሃብ ዝፍለጥን ዶ/ር ብዙነህ ይመኑ ሓቲትናዮ።
“እቲ መርማሪ ጕጅለ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ምዕራባውያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝተጣየሸ ብምዃኑ፡ እቲ ኮምሽን ንኢትዮጵያ ናይ ምንብርካኽ ወፍርን መሳርሒ ፖለቲካን ከምዝዀነ ተገይሩ ክሕሰብ ክኢሉ” ይብል።
ኣብ ዘይሻራውነት እቲ ኮምሽን ካብ ዘለዋ ሕቶ ብተወሳኺ፡ “ምርመራ እቲ ኮምሽን ተሓታትነት ከስዕብ ምኽኣሉ እዩ” ክብል ምኽንያት መቃወሚኣ ይገልጽ።
ብኻልእ ወገን ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝኽሰሱ ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ነቲ ኮምሽን ክቕበልዎ ጸኒሖም እዮም።
“እቲ ኮምሽን ምርመራኡ እንተጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝመጽእ ምንም ነገር የለን ወይ ንእሽተይ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ኲናት ኣብ ትግራይ ስለዝተኻየደ፡ መብዛሕትኦም ጕድኣት ዝወረዶም ተጋሩ እዮም።
በዚ ምኽንያት፡ ተሓታትነት ህወሓት ንእሽቶ እዩ ዝኸውን ካብ ዝብል፡ ነቲ ኮምሽን ክቕበልዎ ደሪኹ ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል ዶ/ር ብዙነህ።
መሰጋገሪ ፍትሒ
ኢትዮጵያ፡ ‘መሰጋገሪ ፍትሒ’ ከምሓደ ኣማራጺ ኣቕሪባ እያ።
ሓሳብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ዝርእዮ ዶ/ር ብዙነህ፡ “ዕላማኡ ሓቂ ምስፋን፡ ግዳያት ምኽሓስ፡ ዕርቅን ትምህርቲ ምውሳድን እንተዀይኑ፡ እቲ ፖሊሲ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል።
ውጽኢታውነቱ ኣብቲ እቲ መንግስቲ ዝህልዎ ተወፋይነትን ምቛም ዘይሻራዊ ኣካልን ከምዝዀነ እዩ ዝጠቅስ።
“እታ ሃገር ሓቀኛን ናጻን ትካል ናይ ምምስራት ታሪኽ የብላን። በዚ ድማ እቲ ኮምሽን ርእሱ ክኢሉ ከጻሪ ክኸብዶ እዩ” ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።
በዓል ሞያ ሕጊ በይሳ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ነቲ ልሙድ መስርሕ ፍትሒ ዝትክእ ዘይኰነስ “ጐኒ ንጐኒ ክኽይድ ዝኽእል እዩ” ይብል።
“(ብሽም መሰጋገሪ ፍትሒ) ገበን ንዝፈጸሙ ሰባት ይቕረታ ዝግበረሉ ምኽንያት የለን። ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ፍርዲ ምስተዋህቦም ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ምሕረት ክግበረሎም ይኽእል እዩ።”
“መሰጋገሪ ፍትሒ ንቕድሚት እቲ ማሕበረሰብ ቂም ቋጺሩ ከይነብር ዝገብር እምበር፡ ገበነኛታት ነጻ ዝገብር ካልእ መተካእታ ወይ ኣማራጺ መስርሕ ፍትሒ ከምዘይኰነ እቲ ሕብረተሰብ ክፈልጥ ኣለዎ” ይብል።
ሕቡራት መንግስታት፡ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተ ዘይተቐቢሉ እንታይ ክፍጠር ይኽእል? ዝብል ካልእ ሕቶ እዩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ሕቶ ውዱቕ ክትገብሮ ትኽእል እያ፡ ዝብል ዶ/ር ብዙነህ፡ “እቲ ትካል ወይ ምዕራባውያን፡ እታ ሃገር ነቲ ውሳነ ክትቅበል ንምግዳድ፡ ብማዕቀብ ከፈራርሕዋ ወይ ማዕቀብ ከንብሩላ ይኽእሉ እዮም” ይብል።
እዚ ድማ ኣብቲ ድሕሪ ውዕል ሰላም ክመሓየሽ ዝጀመረ ቍጠባን ፓለቲካን እታ ሃገር ጸቕጢ ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ኢትዮጵያ ተሰማሚዓ እንተዘይኰይኑ፡ እቲ ኮምሽን ዕላማኡ ንምፍጻም ክጽገም ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይሕብሩ። ንኩሎም ኣካላት እንድሕር ዘይኣሳቲፉ እውን ዘይሻራውነቱ ከካትዕ ይኽእል ይብሉ።
“ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኻዊ ባህርያት ኣሎዎ” ዝብል ኣቶ በይሳ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት እቲ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ይምልከተና እዩ ክብሉ ይኽእሉ እዮም ክብል የረድእ።
ኣቶ በይሳ ከምዝብሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር፡ ‘ግዳማዊ ኣካል ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትዩ ክምርምር ኣይክእልን’ ክብል ይኽእል እዩ።
በዚ ምኽንያት ጸቕጢ ክሕይል ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ እምቢ ካብ ምባል ካልእ ኣማራጺ ምድላይ ከምዝሓይሽ ይጠቅስ።
“ሕቡራት ሃገራት እውን በይነይ ክምርምር ምባል ክገድፍ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣነ በይነይ ኢሉ ንቕጽ ካብ ምባል፡ ኣማራጺ ምፍጣር ይከኣል እዩ” ክብል ሓሳቡ የረድእ።
እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ከምዝገልጽዎ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ክመሓየሽ ጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ኢትዮጵያን ምዕራባውያንን፡ ብሰንኪ’ዚ ክዝሕትል ይኽእል እዩ።
ብኲናት ዝተጐድኡ ከባቢታት ዳግም ንምህናጽን ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ቍጠባ እታ ሃገር ንምዕራይን ገንዘባዊ ሓገዝ የድሊ እዩ።
“ኢትዮጵያ ንባዕላ በቲ ውዕል ተገዛኢት ብምግባር ዘይተገደበ ሰብኣዊ ቀረብ ብምርግጋጽ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ብምምችቻእን ንዘይሻራዊ ሚድያታት ፍቓድ ብምሃብን፡ ነቲ ፈተና ክትሓልፎ ትኽእል እያ።
ረብሓኦም ዘቐድሙ ምዕራባውያን እውን ዝተረጋግአት ኢትዮጵያ ምርኣይ ሓደ ድልየቶም እዩ። ምምሕዳር ኣቢይ ካልኦት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጐንጺታት እንተፈቲሑን ነታ ሃገር እንተ ኣረጋጊእዋን እቲ ጸቕጢ ክጐድል እዩ” ይብል ዶ/ር ብዙነህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ እንተዘይተቐበለቶኸ?
ኢትዮጵያ፡ “ስልጣን እቲ ኮምሽን ንተግባራውነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከሰናኽሎ እዩ” ትብል።
እቶም ወሃብቲ ርእይቶ እውን፡ ሓላፍነት እቲ ኮምሽን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ይገልጹ።
“ብፍላይ እቲ መስርሕ ሰላም ኣብ ምጅማር ስለዘሎ፡ ኣብቲ ግጭት ዝጸንሑ ኣካላት ሕጂ እውን ገና ምትእምማን ክፈጥሩ ብዘይ ምኽኣሎምን፡ ካብቲ ኮምሽን ንዝመጹ፡ ነቲ ሓደ ወገን ዝወቕሱ መረዳእታታት ከም መጥቃዕቲ ክወስድዎ ይኽእሉ።
ብተወሳኺ ስልጣን ‘ቲ ኮምሽን ምስ ክልላዊ መንግስታት ክራኸብ ዘኽእሎ እዩ።
"ስምምዕ ፕሪቶርያ ተሳትፎ ሓደ ወገን ዝኽልክል ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብድሌት ኮምሽን እንተይኰነስ ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም ስልጣን እቲ ኮምሽን ዘይተረጋገአ ይመሰል” ክብል ዶ/ር ብዙነህ ይገልጽ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ውዕል ሰላም ክፍረም ዕዙዝ ተራ ነይርዎ። በዚ ምኽንያት፡ “ኣባል ሃገራትን እቲ ሕብረትን፡ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ ፍትሒ ክረጋገጽ እትገብሮ ጻዕሪ ዝሕግዙሉ ሜላ ከመቻችኡ ይኽእሉ” ይብል።
ሃገራት፡ ተመሳሳሊ ምርመራ ንምንታይ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ይግበር ዝብል ቅዋም ሒዞም እንተ ተበጊሶም እቲ ጉዳይ ኣካታዒ ክኸውን ይኽእል ዝብል ኣቶ በይሳ፡ “እቲ መሰረታዊ ነገር ገበናት ተፈጺሞም እዮም፤ እቶም ገበነኛታት ክቕጽዑ ኣለዎም ኣብ ዝብል እንተተሰማሚዕና፡ ብኸመይ ንመርምር ኣብ ዝብል ኣማራጺታት ምጥቃም እምበር፡ ‘ኣየድልን’ ምባል ጥራይ ኣየዋጽእን” ይብል።
ክልቲኦም ሰብ ሞያ ዝሰማምዕሉ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ እንተ ዘይተቐቢላ፡ እቲ ጕጅለ ምርምራ ከካይድ ከምዝኸብዶ እዩ።
ክልቲኦም ኣካላት እንተ ዘይተሓባቢሮም ድማ እቲ ምርማራ ተኣማንነቱ ኣብ ሕቶ እዩ ዝኣቱ።
ንዶ/ር ብዙነህ፡ “ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኣመና ዘፍርሕን ዘየድልን እዩ፡“ ይብል።
“ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኮምሽን መጺኡ ኣይምርምርን እምበር እቲ ገበን ኣይተፈጸመን ኣይብልን።
"ኣነ ብውልቀይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢድ ጥሕሰት መሰል ደቂ ሰባት ተፈጺሙ እየ ዝብል። እዚኦም ክምርመሩ ኣለዎም። እቲ ህዝቢ ነዚ ክፈልጦ ኣለዎ። (ብዝዀነ ይዅን ኣካል) ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ክቕጽዑ ኣለዎም።
"መን ክምርመር ኣለዎ ብዝብል ጥራይ; ኣየእቱን ምባል ከቢድ እዩ” ይብል ኣቶ በይሳ።
“ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ሰላም ዘምጽእ እንተዀይኑ መሰጋገሪ ፍትሒ ይድግፍ እየ” እትብል ሓውዜን ብወገና፡ ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ምጽራይ ዝምልከት ግን፡ ንሳልሳይ ወገን ክግደፍ ኣለዎ ትብል።
“ብዘይ ተሓታትነት ንቕደሚት ክንስጕም ኣይንኽእልን። ሰላም ክህሉ ፍትሒ ክህሉ ኣለዎ፡” ክትብል ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







