ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ግህሰት ዝምርምር ኮሚሽን ሓድሽ ኣቦ መንበር መዚዙ

ምንጪ ስእሊ, WAYAMO FOUNDATION
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ጕጅለ ክኢላታት ሓድሽ ኣቦ መንበር ምምራጹ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ 12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ታንዛንያዊ መሓመድ ቻንደ ዑስማን ሓድሽ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከም ዝተመዘዘ ሓቢሩ።
እቲ ሓድሽ ኣቦ መንበር ዝተመዘዘ፡ እታ ነቲ ኮሚሽን እትመርሕ ዝነበረት ኬንያዊት ካሪ ቤቲ ሙሪንጊ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምውራዳ ከም ዝዀነ’ውን ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፡ ካሪቤቲ ንምንታይን መዓስን ከም ዝወረደት ብዝምልከት ዝበሎ ነገር የለን።
ታንዛንያዊ ጠበቓን ላዕለዋይ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበርን መሓመድ ቻንደ ኣትማን ሳልሳይ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን እዩ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕግታት ስደትን ካልኦት ግህሰትታትን ንምጽራይን ነጻ ምርመራ ንምክያድን ዝተመስረተ ጕጅለ ኣብ መስከረም ናይዚ ዓመት ርኽበታቱ ኣውጺኡ ነይሩ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጥምየት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ኣጽዋር ምጥቃምን ከም ዝተፈጸመ መርትዖታት ከም ዘሎን ጸብጻብ ናይቲ ኮሚሽን ኣቃሊዑ’ዩ።
እቲ ኮሚሽን እዞም ጥሕሰታት ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ከም ዝኣምን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ መርማሪ ንምቛም ዝተወሰነ ውሳነን ዕድመ እቲ ኮሚሽን ምንዋሕን ክትቃወም ከም ዝጸንሐት ይዝከር።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ይውዕል ኣሎ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ምእታው እዩ ክትብል ዝኸሰሰት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምንዋሕ ናይቲ ኮሚሽን ክቋረጽ ከም ዝሓተተት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።
ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ናብ ረብሓ ነጻ ቀረጽ ንግዲ (AGOA) ንምምላስ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘጻርይ ጉጅለ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ፍቓድ ከም ትህብ ተሓቢሩ።
እቲ ጕጅለ ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ መርመራ ምግብሩ ከም ቅድመኵነት ከም ዝተቐመጠ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምሕባሩ ጸብጻብ ጋዜጣ እንግሊዝኛ ሪፖርተር የመልክት።
መርመርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ናብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ክኸዱ ከም ዘይተፈቐደሉ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣሜሪካ ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂማ ብዝብል ምኽንያት ኢትዮጵያ ካብ ቀረፅ ነፃ ንግዲ (ኣጎዋ) ከም ዝኣገደት’ውን ይዝከር።
እቲ መርማሪ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ክጣየሽ ከሎ፡ ዓቃቢት ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ነበር ፋቱ ቤንሱዳ ኣደመንበር ኰይና ተመዚዛ ነይራ።
ፋቱ ቤንሱዳ ኣምባሳደር ጋምብያ ኣብ ብሪጣንያ ኰይና ድሕሪ ምምዛዛ ከም ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ዝነበራ ስልጣን ኣረኪባ።
ኣብ ክንዲ ሚስተር ሙሩንጊ ቀዳማይ ኣባል ተባሂላ ዝተሰየመት ኬንያዊት ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ኣቦ መንበር ክትከውን ከም ዝተወሰነ ይፍለጥ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሚቺጋን ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነር ድማ ኣባል ኣህጉራዊ ጉጅለ መርማሪ ገበናት ኲናት እዩ።
ብተወሳኺ ዜጋ ሲሪላንካ ዝኾነ ራዲካ ኩማራስዋሚ ኣባል እቲ ኮሚሽን ኮይኑ ከም ዝተሸመ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







