ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምሩ ኣባላት ተመሪጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Kaari/Michigan University
ባይቶ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ዝምርምር ኮምሽን ኣባላት ሸይሙ።
ቅድሚ ሕዚ ኣኽባሪት ሕጊ ቤት ፍርዲ ገበኛታት ኵናት ዝነበረት ፋቱ ቡንዴሳ፡ ነቲ ዳግማይ ምርመራ ከካይድ ዝተጣየሸ ሓድሽ ኮምሽን ኣደመንበር ኮይና ክትመርሖ ተመዚዛ።
ባይቶ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ጋምቢያዊት ፋቱ ቡንዴሳ ነቲ ሓድሽ ኮምሽን ምርመራ ከምትመርሖ ኣፍሊጡ።
ካብ ፋቱ ቡንዴሳ ብተወሳኺ፡ ኬንያዊት ጠበቓን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ካሪ ቤቲ ሙሩንጊን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነር፡ ኣብቲ ኵናት ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ ገበናት ዝምርምሩ ኣባላት ኮምሽን ኮይኖም ተሸይሞም።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ክስታት ፆታዊ ዓመፅ፣ ሕግታት ስደተኛታትን ካልኦት ግህሰታትን ዳግማይ ምሉእን ዘይሻራውን ምርመራ ዘካይድ ናይ ምርምራ ጉጅለ ኣጣይሹ።
ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ብሓይልታት ፀጥታ ክልላት ኢትዮጵያ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፡ ጃምላዊ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ መሰላት ፈፂሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ቅድም ክብል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ዘካየድዎ ምርመራ ወግዓዊ ጌሮም ኔሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውፅኢት እቲ ምርመራ ብእወንታ ዝተቐበሎ ኮይኑ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፍ ከምዘይብሉ ክገልፁ ዝፀንሑ መራሕቲ ትግራይ ግና ነፂጎምዎ እዮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ፡ ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ዝምርምር ሓድሽ ዓለምለኻዊ ኮምሽን ክጣየሽ ወሲኑ።
ብመሰረት እዚ ተጣይሹ ዘሎ ሓድሽ ኮምሽን፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተዛሚዱ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዳግማይ ክፃረዩ እዮም።
ኣብቲ እዋን በቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ከቢድ ምግሃስ መሰላት ዝኽሰሳ ኢትዮጵያን ኣባል ናይቲ ቤት ምኸሪ ዝኾነት ኤርትራን ንምምስራት ናይቲ ዳግማይ ምርመራ ዘካይድ ሓድሽ ኮሚሽን፡ ካልእ "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ኣለዎ ብምባል ከምዝተቓወምኦ ይፍለጥ።
እንተኾነ እቲ ባይቶ፡ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ክካየድ ዝፀንሐ ሓባራዊ ምርመራ "ዝምልእን" ተሓታትነት ክህሉ ዝገብርን ምዃኑ'ዩ ኣነፂሩ።
እቲ ባይቶ ነዚ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ እማመ፡ ብ21 ድጋፍ፣ 15 ተቓውሞን 11 ድምፀ ተዓቅቦን እዩ ኣፅዲቕዎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣርጀንቲና፣ ኣርመንያ፣ ጀርመን፣ ኦስትርያ፣ ባሃማስ፣ ባሕሬን፣ ብራዚል፣ ቡልጋርያ፣ ቸክ ሪፐብሊክ፣ ዴንማርክ፣ ፊጂ፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ ጃፓን፣ ማርሻል ኣይላንድስ፣ ሜክሲኮ፣ ኔዘርላንድስ፣ ፖላንድ፣ ሪፐብሊክ ኦፍ ኮርያ፣ ዩክሬንን ኡራጋይን፡ ነቶም ዝተፈፀሙ ግህሰታት ዘፃሪ ኮምሽን ክቐውም ድጋፈን ዝሃባ እየን።
ኤርትራ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ሶማልያ፣ ህንዲ፣ ኮትዲቫር፣ ኩባ፣ ካሜሮን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ጋቦን፣ ናሚብያ፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስን ቬንዝዋላን ድማ ነቲ እማመ ምቅዋመን ይዝከር።
እዞም ተመዚዞም ዘለዉ ብውልቀኦም ዘገልግሉ ኮምሽነራት ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ ሰነ/ሓምለ ናይ ቃላዊ መግለፂ ከቕርቡ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም/ጥቅምቲ ዝካየድ መበል 52 ጉባኤ እቲ ባይቶ ድማ፡ ናይ ፅሑፍ ፀብፃብ ከቕርቡ ተሓቲቶም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕፅል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ገይሩን ኣሎ።
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኩሎም ወገናት ከም ገበናት ኲናት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
እቶም ዝተሸሙ ሓደሽቲ ኮምሽነራት እንመን'ዮም?
ፋቱ ቤንሱዳ (ጋምቢያ)
ኣደ መንበር እቲ ሓድሽ ኮምሽን ኮይና ዝተመዘዘት ፋቱ ቡንዴሳ፡ ካብ 2012 ክሳብ 2021 ኣኽባሪት ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት (International Criminal Court) ኮይና ኣገልጊላ።
ቅድሚኡ ድማ ምኽትል ዓቃቢት ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ኮይና ንዓመታት ኣገልጊላ'ያ።
ጋምቢያዊት ፋቱ ቡንዴሳ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት ቅድሚ ምፅንባራ፡ ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ሕግን ጠበቓን ኮይና ኣብ ታንዛንያ ሰሪሓ።
ኣብ ሃገራ ጋምቢያ ከኣ ዋና ኣኽባር ሕግን ሚኒስትር ፍትሕን ዝነበረት ፋቱ፡ ኣብ ካልኦት ላዕለዎት ሓላፍነታት'ውን ሰሪሓ እያ።
ንፕረዝደንት ጋምቢያን ካቢኔን'ውን ቀንዲ ኣማኻሪት ሕጊ ኮይና ከምዝሰርሐት ሓበሬታ እቲ ባይቶ የረድእ።
ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ (ኬንያ)
ኣብ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ውህሉል ልምዲ ስራሕ ዘለዋ ካሪ ቤቲ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ደቂኣንስትዮ፣ ስርዓተ ፆታ፣ ሕገ መንግስትን ምምሕዳራዊ ሕግታትን ብዙሕ ስራሕቲ ኣበርኪታ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ጠበቓን ተሓላቒትን ዝኾነት ካሪ ቤቲ፡ ኣብ ዓመፃትን ጎንፅታትን ምስ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝዛመዱ ስራሕቲ ኣድሂባ ትሰርሕ።
ካሪ ቤቲ፡ ካብ ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2009 ክሳብ 2010 ኣብ ኮምሽን ሓቂ ፍትሕን ዕርቅን ኬንያ ምክትል ኣደ መንበርን ኮምሽነርን ኮይና ከምዘገልገለት ኣብ ድሕረ ገፅ እቲ ባይቶ ተገሊፁ ይርከብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኵናት ቦርድ ዳይሬክተራት ትረስት ፈንድ ተወካሊት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኮምሽን ሓባራዊ ክትትልን ግምገማን ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣማኻሪት ስግግር ፍትሒ ኮይና ሰሪሓ እያ።
ከምኡ'ውን ብወራር ዝተትሓዘ ግዝኣት ፍልስጤም ኣብ ዘፃርይ ዘይሻራዊ ኮምሽን ኣባል ኔራ።
ስቲቨን ራትነር (ኣሜሪካ)
ስቲቨን ራትነር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ፕሮፌሰር ሕጊ እዩ። ትምህርትን ምርምርን ፕሮፌሰር ራትነር ኣብ ዓለምለኸ ሕጊ፣ ዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣውነት፣ ስልትታት ፀረራዕዲ፣ ኣብ ተሓታትነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኢንቨስትመንት ወፃእን ዝምልከት ዘድሃቡ'ዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ሰብሞያ ካምቦዲያን ኣብ ስሪላንካ ጉጅለ ሰብሞያ ተሓታትነትን ኣባል ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ካብ 2008 ክሳብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ድማ ኣብ ጀኔቫ ክፍሊ ሕጊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሰሪሑ።
ፕሮፌሰር ስቲቨን ራትነር፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣማኻሪ ዓለምለኸ ሕግን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዕርቂ ዳይነትን በዓልሞያ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመልክት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







