ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ብዛዕባ ኲናት ዝጸብጸቡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ

ካብ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ሓደ

ምንጪ ስእሊ, Handout via AP

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሻባሪ ተባሂሉ ንዝተበየነ ጉጅለ ሽፋን ሚድያ ሂቦም ንዝበሎምም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ።

እቶም ብሕጊ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ንኣሶሼትድ ፕረስ ዝሰርሕ ሰኣሊ ቪድዮ ጋዜጠኛ ዓሚር ኣማን ኪያሮ ከምኡ'ውን ንማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝሰርሑ ቶማስ እንግዳን ኣዲሱ ሙሉነህን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት እዮም።

እቶም ጋዜጠኛታት ሕጊ ህጹጽ እዋንን ሕጊ ጸረ ግብረ ሽበራን ከም ዝጠሓሱ ፖሊስ ይገልጽ።

ዋና ኤዲተር ኣሶሼትድ ፕረስ ጁሊ ፔስ ግና እቲ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ" ክትብል ነጺጋቶ።

እቲ ትካል ንክልቲኡ ገጻት እቲ ኩናት ክጽብጽብ ከም ዝጸንሐ ድማ ገሊጻ።

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ 'ኮሚቴ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትስ' (ሲፒጄ) ብወገኑ፡ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ብምኹናን ብምኽንያት ስርሖም ዝተኣሰሩ ኩሎም ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ፡ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ምስ ዝተበየነ ጉጅለ ምርኻብ ብሕጊ ጽረ ግብረ ሽበራ ዘሕትት ገበን ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ ሲፒጄ ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት እታ ሃገር ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።

ሲፒጄ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ኤርትራ ቐጺላ ብኻልኣይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ጽባሕ እቲ ጸብጻብ ድማ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ክብሮም ወርቁ፣ ታምራት ነገራ፣ የመዓዛ መሐመድን እያስፔድ ተስፋዬን ዝርከብሉ ኩነታትን ቦታን መንግስቲ ከፍልጥ ሓቲቱ።

መስራቲ 'ኡቡንቱ' ዝተባህለ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ምድላው፡ እያስፔድ ተስፋዬ ኣቐዲሙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ብ28 ሕዳር 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተወሰደ ወላዲት ኣዲኡ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።

ስዒቡ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን 'ተራራ ኔትወርክ' [ብዩቱዩብ ዝፍኖ] ታምራት ነገራ 01 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተወሰደ በዓልቲ ቤቱ ሰላም በላይ ንቢቢሲ ምግላጻ ይዝከር።

ሳልሰይቲ ጋዜጠኛ ከኣ የመዓዛ መሓመድ ትበሃል ኮይና ብ02 ታሕሳስ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ እንዳወለዳ ከም ዝተወሰደት ዓባይ ሓፋታ ኣገኘሁወርቅ ኣበበ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኩሎም ጋዜጠኛታት ኣብ ሰዓታት ረፋድ ካብ መንብሪ ገዝኦም ዝተወሰዱ ኮይኖም ገዛውቶምን ዝሰርሑሉ ቦታን ተፈቲሾም'ዮም።

ናይ ኮምፒተራት 'ሃርድ ዲስክ'፣ መቕድሒ ድምጺ ናውቲ ከምኡ'ውን ካሜራታት ብፖሊስ ከም ዝተወሰዱ ድማ ቤተሰቦም ሓቢሮም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለጺኡ፡ ከም ዝበሎ ብፍላይ ስድራቤታት ጋዜጠኛታት ታምራት ነገራን ክብሮም ወርቁን ዝርከብሉ ቦታ ብዘይምፍላጦም ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ ኣተሓሳሲቡ።