ሲፒጄ- ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ንኤርትራ ብምስዓብ ካልኣይቲ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ተጣበቅቲ መሰል ጋዜጠኛታት ንዓመተ 2021 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ካልኣይቲ ኮይና ምህላዋ ገሊጹ።
ኮሚተ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትስ [ሲፒጄ] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ እያ።
ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጋዜጤኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ብምሕባር፡ እዚ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ተራእዩ ዝነበረ ምምሕያሻት ንድሕሪት ዝመልስ ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ንኹሎም እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ብምፍታሕ ድሕሪ 13 ዓመታት ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ'ውን ጋዜጠኛ ዘይትኣሰረላ ሃገር ክትከውን ኣኽኢልዋ ነይሩ እዩ።
ከም መርኣይኡ'ውን ናይ ዓለም መዓልት ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ክኸበር ክኢሉ ነይሩ።
ዳይረክተር ኤዲተርያል ሲፒጄ ኣርሌን ጌትስ "ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ፡ እቲ ዝኸፈአ ንድሕሪት ምምላስ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ተራእዩ፡ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ንኤርትራ ተኸቲሉ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ" ኢላ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዙሓት ጋዜጤኛታት ንኽእሰሩ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ'ዩ ዝጥቀስ።
ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ትሽዓተ ጋዜጤኛታት እቶም ሽዱሽተ ካብ መፋርቅ ወርሑ ጥቅምቲ ንነጆ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተኣሰሩ ከምዝኾኑ እታ ዳይረክተር ገሊጻ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ዝወጽአ ጸበጻብ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መልሲ የለን።
ብሓፈሻ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግብጺ 25 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።
ሲፒጄ፡ ጋዜጠኛ ኦሮምያ ብሮድካስት ኔትዎርክ ዝነበረ ሲሳይ ፉዳ ኣብ ከተማ ደምቢደሎ ከምዝተቐተለ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብሓፈሻ ኣብ ዓመተ 2021 ኣብ መላእ ዓለም 19 ጋዜጤኛታት ክቅተሉ እንከለዉ ምስቲ ኣብ ኣብ ዓመተ 2020 ተመዝጊቡ ዝነበረ ሞት 22 ጋዜጠኛታት ብምንጽጻር እቲ ቁጽሪ ከምዝጎደለ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቂሱ።
ህንድን ሜክሲኮን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉለን ሃገራት ኮይነ ኣብ ቅደሚት ክስርዓ እንከለዋ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሶማልያን ኮሎምብያን'ውን ኣብ ዝርዝር ጋዜጠኛታት ካብ ዝተቐተሉለን ሃገራት ሰፊረን ኣለዋ።
ቻይን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ግዜጠኛታት ብምእሰራ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት ሃገር ኮይና ብምጽናሕ ሎሚ ዓመት'ውን 50 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ብመሪሕነት ትቅጽል ኣላ፡ ሚያንማር፡ ግብጽን ቬትናምን ኸኣ ብቅደም ተኸተል ንቻይና ተኸቲለን ዘለዋ ሃገራት እየን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







