ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብኸመይ ከብቅዕ ይኸውን?

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን ሓደ ዓመት ዝሓለፎን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት እናተረኣየሉ ኣብዚ እዋን በጺሑ’ሎ። እቲ ኲናት ካብ ግምት ወጻኢ ብዝኾኑን ዝለዋወጡን ክስተታት ዝተምልአ ብምዃኑ፡ ቀጻሊ እንታይ ክፍጥር ከምዝኽእል ምግማት ንብዙሓት ዘጸገመ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ኣብ መሪሕነት እታ ሃገር ወሳኒ እጃም ዝነበሮ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሓርፈፈ’ኳ እንተኸደ ናብ ከምዚ ዝበለ ኲናት ክእተው ግን ግምት ብዙሓት ኣይነበረን።

እንተኾነ ነገራት ብቕልጡፍ እናተቐያየሩ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ዘርእዩ ወተሃደራዊ ሰልፍታት፣ ብምኽንያት ኮሮናቫይስር መረጻ ምንዋሕ፣ ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረጻ ምክያዱን ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝነበረ ርክብ ምቁራጽን ነቲ ወጥሪ ስለዘጋደዶ ኣብ መወዳእታ ናብዚ ደረጃ በጺሑ።

ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ [ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2020] ዝተወለዐ ኵናት ነቲ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ንምእላይ ጊዜ ከምዝወስድን ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ኲናት ከምዝኸውንን ግምት ብዙሓት’ኳ እንተነበረ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዝሓለፈ ግን ኣይነበረን።

ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ብሰራዊት ኤርትራ ተሓጊዙ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ጸብለልታ ብምርካብ ንመቐለ ምስተቖጻጸረ፡ ኣብቲ ክልል ጊዜያዊ ምምሕዳር'ኳ እንተተጣየሸ እቲ ሓይልታት ትግራይ ዘካየድዎ ናይ ድብያ ውግእ ንኣዋርሕ ቀጺሉ። ብድሕሪኡ ድማ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዝኣወጀ ብምግላጽ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከምዘውጽአ ምሕባሩ ይዝከር።

ዳግመ ምጥንኻር ህወሓት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መሊሱ ንትግራይ ዝተቖጻጸረ ህወሓት፤ ካብ ግምት ወጻኢ ብዝኾነ ኩነታት ዕጡቓቱ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ስለዘዋፈረ እቲ ኲናት ዳግም ተጓሃሂሩ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተላቢዑ ጸኒሑ’ሎ።

ኣብቶም ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ድማ ልዑል ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከምዘብጽሑ እተን ክልላትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዘውጽእዎም ጸብጻባት ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ኲናት ሓንሳብ እናቐሃመ ካልእ እዋን እናረሰነ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብጻዕቒ ብምክያዱ፤ ሓይልታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ብዙሓት ከባብታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም።

ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻር ከኣ ምስ ጉጅለ ዕጡቓት ሸኔ [ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝብል ጉጅለ ዕጡቓት] ሕብረት ብምፍጣር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ግስጋሰ ኣጠናኺሮም። ብዓፋር ገጽ ድማ ጭፍራ ንዝተበሃለት ወሳኒት ከተማ ሒዞም ንኣዲስ ኣበባ ምስ ጀቡቲ ዘራኽብ መንገዲ ንምቁጽጻር ጻዕሪ ገይሮም።

እቲ ኲናት ካብ ሰሜን ወሎ ናብ ደቡብ ወሎ ካብኡ ድማ ናብ ሰሜን ሽዋ እናተላብዐ ምስከደ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ህዝብታተን ኣብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ኲናት ክኸዱ ጻውዒት ኣቕሪበን። መንግስቲ ፌደራል እውን ብተመሳሳሊ ኩሉ ዜጋ ክኸትት ጸዊዑ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብታ ሃገር ምስ ዝንቀሳቐሱ ዝበልዎም ካልኦት ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ ኣሜሪካ ስምምዕ ከቲሞም። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን ዝገትኦም ሓይሊ ከምዘይህሉን፤ እቲ ኲናት ብናታቶም ልዕልና ከምዝዛዘም ብምግላጽ ቀጻሊ ውጥኖም ዝበልዎ ክገልጹ ተሰሚዖም’ዮም።

ጻዕርታት ሰላም

ኣብ ሞንጎ እዚ ኩሉ ኩነታት ግን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኻት መንግስቲ ኣሜሪካን እቲ ኲናት ብዘተ ደው ንኽብል ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብምምልላስ ጽዕርታት ይገብሩ ምንባሮም ይፍለጥ።

እንተኾነ፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት እዚ ዝበሃል ውጽኢት ከይተረኸበ ኦባሳንጆ [ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ]ን ፌልትማን [ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ] ነናብ ዝመጽኡሉ ተመሊሶም፤ እቲ ኲናት ድማ ቀጺሉ።

መንግስቲ ምስቲ ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ “ኣሸባሪ” ዝተባሃለ ህወሓት ንድርድር ኮፍ ከምዘይብል ተሪር መርገጺኡ ዘፍለጠ ኮይኑ፤ እቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝበጽሐ ዕንወትን ምፍንቓል ነበርትን ዝተዓዘቡ ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ግን ድርድር ክህልው ከምዝኽእል ግምት ይህቡ ነይሮም። ከምዝገመትዎ ዘይኮነ ግን ዛጊት ለውጢ ከይተረኣየ ይቅጽል ኣሎ።

እቶም ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝቐረቡ ናይ ድርድር ቅድመ ኩነት ብመንግስቲ ተቐባልነት ካብ ዘይምርካቦም ብተወሳኺ፡ ንብዙሓት ቦታታት እናተቐጻጸሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ብምሓዝ ናብ ሰሜን ሸዋ ምስበጽሑ ነቲ ወጥሪ ብዂናት ንምዝዛም ወሲኖም ነይሮም።

ብፍላይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ብዝያዳ ናብ ደቡብን ምብራቕን ክደፍኡ ከምዝኽእሉ ስለዝተኣማመኑ ጉዳይ ድርድር እዋኑ ከምዝሓለፎ ብወግዒ ክዛረቡ ጀሚሮም።

ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንኤ ሓይልታቶም ናብ ሸዋ ሮቢት ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን እቲ ኲናት ከምዝተዛዘመን ንዘተ ሰላም ዝበቅዕ መንግስቲ ከምዘየለን ብምዝራብ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ መስርሕ ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Government Communication

ህድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ

ሓይልታት ትግራይ ናብ ቅድሚት ድሕሪ ምግስጋሶም ብፍላይ ከተማ ደሴ ምስተቖጻጸርዋን እቲ ኲናት ናብ ሰሜን ሸዋ ምልሓሙ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ። መንግስቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብምድንጋግ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክወስድ ጀሚሩ።

ምዕራባውያን ሃገራትን ዓለምለኻውን ትካላትን እውን እቲ ኲናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሕ ከምዝኽእል ብምስጋእ ዜጋታቶምን ሰራሕተኛታቶምን ብቕልጡፍ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ብምሃብ ሕጽረት ገንዘብ ንዘለዎም ድማ ልቓሕን ካልእ ደገፋትን ከምዝገብሩሎም ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።

መንግስቲ ግን እዞም መጠንቀቕታታት ‘ኮነ ኢልካ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝግበሩ እምበር ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስግኣት ጸጥታ የለን’ ክብል ተቓውምኡ ብምግላጽ፡ ንነበርቲ እታ ከተማ ዘሳተፈ ሓለዋ ከጠናኽር ተራእዩ።

እንተኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ከምዝብልዎ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባልን ድርድርን ተኻየዱ ናብ ስምምዕ ክሳብ ዘይተበጽሐ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎምን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ ዝተመስረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ሓደጋ ክኣትው ከምዝኽእል ክዛረቡ ተሰሚዖም’ዮም።

ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሌሱጉን ኦባሳንጆን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጄፍሪ ፌልትማንን እውን ንመንግስትን ሓይልታት ትግራይን ብምቅርራብ ነታ ብብዝሒ ህዝባ ኣብ ኣፍሪቃ ብኻልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ካብ ቅልውላው ንምውጻእ ዝገበርዎ ጻዕርታት ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን።

ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝተመላለሱ ኦባሳንጆ ነቲ ኲናት ብዘተ ደው ምባል ዝከኣለሉ ተስፋ ከምዘሎ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሎሚ ግን ዝረኸብዎ ምላሽ ኣይተፈለጠን።

ፌልትማን እውን ምስ ቐዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድን ተወከልቲ ሓይልታት ትግራይን'ኳ እንተተዘራረቡ ውጽኢት ከይረኸበ ናብ ኣሜሪካ ተመሊሱ’ሎ።

ውሳነ ቀዳማይ ሚንስትር

እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ሸዋ ናብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣስፋሕፊሑ ኣብ ውሽጢ መዓልታት እንታይ ክኽሰት ከምዝኽእል ኣብ ዘይፍለጠሉ ጊዜ'ዩ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተ ብምክያድ ውሳነታት ከምዘሕለፈ ዝገለጸ።

ኣብ ምንታይ ነጥብታት ከምዝዘተየን ዘሕለፎ ውሳነን ብዝርዝር ከይገለጸ፤ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ዝኾነ ውሳነ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ውሳነ ከኣ ንብዙሓት ናብ ደንገርገር ዘእተወን ‘እንታይ ክፍጠር ይኸውን?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ዝገበረን እዩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ከም መጠን ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሰራዊቱ እናመርሐ ኣንጻር እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብቑሩብ ኣማኢት ኪሎሜትራት ዝተጸግዑ ሓይልታት ክዋጋእ ናብ ግንባር ክወርድ ምውሳኑ ዛዕባ ዓለምለኻዊ ማዕከናት ዜና ክኸውን በቒዑ። ነቲ ውሳነ ኣብ ክንዲ ምውሳን ‘ንድርድር ዝኸውን ዕድል ምፍጣር’ዶ ኣይምሓሸን?’ ዝበሉ’ውን ኣይተስኣኑን።

እቲ ኲናት እናደፍአ ናብ ሰሜን ሸዋ ምብጽሑን ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ናብ ግንባር ምኻድን ነቲ ኩነታት ናብ ዘሻቕል ደረጃ ክበጽሕ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፤ እቲ ኲናት ናበይ ገጹ ከምርሕ ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣጸጋሚ ገይርዎ’ሎ።

ፌልትማን ናብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ምስተመለሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ‘ንሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ደፊእኻ ብምውጻእ ናብ ትግራይ ክምለስ ምግባር ከምዝከኣል’ ዘለዎ እምነት ገሊጹሉ ምንባሩ ኣአንፊቱ’ዩ።

እንተኾነ ነቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ኩነታት ኲናት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ነቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ዘርኣዮ ነብሰ-ምትእምማን ኣብ ውሽጢ ሕቶ ብምእታው “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ ንዝተፈጠረ ነገራት ኩሉ ኣብ ካርታ ብምርኣይ ጥራሕ ክኸውን ከምዘይክእል ርግጸኛ ምዃን ይከኣል’ዩ” ክብል’ውን ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ሰራዊት ምድፋእ፡ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብምዝርራብ እቲ ኲናት መዕለቢ ክግበረሉ ከምዝሓበረ ኣዘኻኺሩ።

ቀዳማይ ሚንስር ኣብ ግንባር

ውሳነ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣሕመድ እንታይ ሒዙ ክመጽእ ከምዝኽእል ርግጸኛታት ክኾኑ ዘይከኣሉ ብዙሓት ሰባት፡ ዝተፈላለዩ ግምታት ካብ ምሃብ ብዝሰገረ እቲ ኲናት ብዝያዳ ምፍሳስ ደም ዝረኣየሉ ክኸውን ከምዝኽእል ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እንተኾነ ጸኒሖም ክስምዑ ዝጀመሩ ዜናታት ኣብ ሓይሊ ሚዛን እቲ ኲናት ለውጢታት ከምዘለዉ ዘመልክቱ እናኾኑ’ዮም መጺኦም። ብቐዳምነት ኣብቲ ኣብ ዓፋር ዝተኻየደ ውግእ ካብ ጂቡቱ ናብ ዘእትው መስመር ንምኻድ ዋሳኒት ዝኾት ከተማ ጭፍራ ብስሙር መጥቃዕቲ ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ናጻ ከምዝወጸአት ተሓቢሩ።

ስዒቡ ድማ ሸዋ ሮቢትን ካልኦት ኣብ ሰሜን ሸዋ ዝርከባ ቦታታትን ካብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተመንዝዓ፤ ስትራቴጂካዊት ዝኾነት ጋሸና እውን ድሕሪ ከቢድ ውግእ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝኣተወት ምስተገለጸ፡ ብተመሳሳሊ እታ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ከምዝተትሓዘት ተሓቢሩ። ኣብዞም ኩሎም ወፍርታት ድማ ስምን እጃምን ናይቲ ቀዳማይ ሚንስተር ጎሊሖም ክለዓሉ ቀንዮም።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ኣብ ዝተኻየዱ ኲናት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከምኡ’ውን ሚሊሻታት ብጥምረት ከምዝተሳተፉ ዝተገለጸ ኮይኑ እቲ ወፍርታት ብቐጻሊ ይካየድ ኣሎ።

20 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ክኣትዋ ከለዋ ኣብ ኩነታት እቲ ኲናት ዓብዪ ለውጢ ከምዘምጽአ ዝዝከር ኮይኑ፡ ተመሊሰን ኣብ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ምእታወን ከኣ ኣንፈት እቲ ኲናት ይቕየር ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ግን፡ ሰራዊቶም ካብቶም ተቖጻጺርዎም ዝጸንሐ ከባቢታት ዝወጽእ ዘሎ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ብዝበጽሖ ስዕረት ዘይኮነስ ብስልታዊ ውሳነ ገዲፎምወን ከምዘንሳሓቡ ይሕብር።

ቀጻሊኸ ናበይ?

ክሳብ ኣብዚ እዋን መንግስቲ ተቖጻጺረዮም ብዝብል ዘውጽኦ ዘሎ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዓፋር፣ ሰሜን ሸዋ ከምኡ’ውን ደቡብን ሰሜንን ወሎ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝጸንሑ ቦታታት መብዛሕቲኦም ናጻ ወጺኦም ኣለዉ።

እቲ ዝካየድ ወፍሪ እንተቐጺሉን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ካልኦት ቦታታት ካብ ቁጽጽር ሰራዊት ትግራይ ምምላስ እንተተኻኢሉን፡ ኣንፈት እቲ ኲናት ናበይ ይኸውን? ንዝብል ዝፍለጥ ነገር የለን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሊሱ ናብ ትግራይ ክኣትው’ዶ ይኸውን ወይስ ከምቲ ጄፍሪ ፌልትማን ብቐዳማይ ሚንስተር ተሓቢሩኒ ዝበሎ ‘ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምውጽኦም ካልእ ኣማራጺ ከናዲ ይኸውን?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሌ/ጀነራል ባጫ ደበሌ ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ “ኣብዚ ቦታ ደው ክንብል ኢና ኣይንብልን። እቲ ወተሃደራዊ ኩነታት እዩ ዝውስኖ። ኲናት ርግጸኛ ኮይንካ እትዛረበሉ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ቀጻሊ ዝህሉ ነገራት’ዩ ዘውስኖ። ንሕና ግን ደው ኣይክንብልን ኢና” ኢሉ ነይሩ።