ሓይልታት መንግስቲ ተወሰኽቲ ከተማታት ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣልቂቕና ኢሎም

ሰራዊት መንግስቲ

ምንጪ ስእሊ, Gov Comm office

ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ተወሰኽቲ ከተማታት ከምዝተቖፃፀሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ‘ልፍንቲ ሓይልታት ፀጥታ’ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ብግንባር ጋሸና ቀውዝባ፣ ጭላ ከተማታትን ከባቢኡን፣ ብወረኢሉ ግንባር ኣጅባር ተንታን ዶባ ከተማታትን` ከባቢኡን ፡ ከምኡ’ውን ብግምባር ከሚሴ፡ ማጀቴ፣ ጭረቲ፣ ከሚሴ፣ርቄ፣ ኣልቡኮ ከተማታትን ዝበዝሑ ከባብታት ወረዳ ቃሉን ተቖፃፂሮም” ኢሉ።

ሓይልታት መንግስቲ ነዞም ከባብታት ድሕሪ ምቁፅፃሩ ዋና ከተማ ደቡብ ወሎ ካብ ዝኾነት ደሴ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ናብ ትርከብ ማእኸል ኢንድስትሪ ከተማ ኮምበልቻ የምርሕ ከምዘሎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሓድሽ ምዕባለ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ግንባር ብምዃን ብመሪሕነት ኵናት ከካይድ ካብ ዝጅመር፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ገለ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን ክለቁ ከምዝኸኣሉ መንግስቲ ይገልፅ ኣሎ።

ሰራዊት ኢትዮጰያ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ሓዊሱ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ጭፍራ፡ ኣብ ኣምሓራ ድማ ጋሸና ካብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ከምዝመንዝዕዋ መንግስቲ ምፍላጡ ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ሰራዊት መንግስትን ክልል ኣምሓራን ብዝፈጠርዎ "ዕንቅፋት. . . ውሱን ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ጌርና ኣለና" ክብሉ ካብ ገለ ቦታታት ከምዝሰሓቡ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም። ካበየኖት ቦታታት ከምዝወፁ ግን ብንፁር ኣይጠቐሱን።

"ብናይ ባዕልና ተበግሶን ንወሳኒ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ዝጥዕም ኣንፈት ንምትዕርራይ ንገብሮ ዘለና ናይ ቦታ ምምሕያሽ" ብምባል፡ ነቶም ቦታታት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊኦም ከምዘይገደፍዎም እቲ መግለፂ ጠቒሱ።

ብሰንኪ ምቁራፅ መስመራት መራኸቢታት ነቲ ኩነታት ብናፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁፅፃር፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ምህላዎም ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓኾን ኵናት ትግራይ፡ ህይወት ኣሽሓት በሊዑ፣ ጠንቂ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፣ ሚልየናት ድማ ተፀበይቲ ህፁፅ ሓገዝ ክኾኑ ጌሩ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ቁፅሪ ናይቶም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰለማውያን ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበፅሕ ኣፍሊጡ።