'ሓይልታት ትግራይ ኣብቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ከባብታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዶም'-መንግስቲ

ቢልለኔ ስዩም

ምንጪ ስእሊ, Prime Minister Office

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝነበርሉ ግዘ “ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሖም” ክትብል ኣፈኛ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ተዛሪባ።

እታ ኣፈኛ ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ ኣብ ከባብታት መዘዞ፣ ካሳጊታ፣ ደብረሲና፣ ሸዋ ሮቢት፣ ጋሸናን ላሊበላን ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ንብረት ህዝብን ውልቀሰባትን በፂሖም ዝበለቶም ጉድኣታት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣርእያ።

እቶም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፣ ባንክታት፣ ትካላት ንግድን ጥዕናን ተፈፂሙ ንዝተብሃለ ዕንወት ዘርእዩ ምዃኖም ድማ ሓቢራ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ሓድሽ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ምላሽ’ኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ዝተንቀሳቐስሎም ከባብታት ኩሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሂወት ንፁሃት ዜጋታት፣ ንብረት ውልቀን ህዝብን ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ከምዘይፍፅሙ ብምግላፅ፡ ንዝቐርቡ ክስታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩ’ዮም ብተደጋጋሚ ዝጠልቡ።

“ኣብ ጋሸናን ሰሜን ሸዋን ኣብ ትርከብ ኣንጾኪያ ኣብ ትበሃል ከባቢ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ፀብፃባት ኣለዉ” ዝበለት ወሃቢት ቃል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ፆታዊ ዓመፅ’ውን ተፈፂሞም” ክትብል ከሲሳ።

እንተኾነ ብሰንኪ ምቁራፅ መስመራት መራኸቢታት ነቲ ኩነታትን ዝቐርቡ ክስታትን ብናፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓኸ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት፡ ሂወት ኣሽሓት በሊዑ፣ ጠንቂ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ምምዝባል ሚልየናትን ኮይኑ፣ ሚልየናት ድማ ንጥሜት ኣቃሊዑ’ዩ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ኵናት ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚልየን ህዝቢ ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ እንትኾን፡ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ህፁፅ ረድኤት ከም ዘድልዮ ውድብ ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ’ዩ።

ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ፡ ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ምግላፁ ይዝከር።

ወሃቢት ቃል ቢልለኔ ስዩም ፡ እቲ ኵናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓኹ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁፅሪ ዝተመዛበሉ ሰባት 1.4 ሚልየን ከምዝበፅሐ ንኮምሽን ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ፌደራል ብምፅራሕ ተዛሪባ።

መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ወሎን ሰሜን ሸዋን ንዝርከብ ክልተ ሚልየን ህዝቢ 28 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከምዝመደበ’ውን ገሊፃ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ሓይልታት መንግስቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣልቂቐዮም ናብ ዝበልዎም ከባብታት ጋሸናን ላሊበላን፡ ህፁፅ ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ክንቀሳቐሳ ከምዝጀመራ ሓቢራ።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ እተን ብሓይልታት መንግስቲ ዳግማይ ተታሒዘን ዝበሃላ ከተማታት፡ እቲ ዘካየድዎ "ናይ ቦታ ምምሕያሽ" ዝሰፍሐ መጥቃዕትታት ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ’ዮም ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘካይድዎ ዘለዉ "ናይ ቦታ ምምዕርራይ ቅርፂ ይሕዝ ኣሎ። እቲ ወሲድናዮ ዘለና ስጉምቲ፡ ስልታዊ፡ ስርሒታዊን ስትራተጂካውን ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ" ክብል ኣቐዲሙ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ ኔሩ።

ኣብ ክልል ዓፋር’ውን 1.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ የድልዮ እዩ ዝበለት ቢልለኔ ስዩም፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 400 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተመዛበለን ረድኤት ንምቕራብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይሰርሑ ከምዘለዉን ሓቢራ።

እታ ኣፈኛ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ መቐለ በረራ ከምዝጀመረን፡ ዛጊድ ናብ መቐለ ኣርባዕተ በረራታት ከምዝተኻየዱን፡ ከምኡ’ውን 203 ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ምብፅሐን ተዛሪባ።

ቅድም ክብል፡ ተወካሊት ውድብ ጥዕና ዓለም ፋዱላ ቻኢብ፡ እቲ ናብ ሕድሕድ ኵናት ኣምሪሑ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝተወልዐላ ትግራይ፡ ካብ ጥሜት ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ውሱንን ዘሻቕልን ምዃኑ ኣፍሊጣ ኔራ።

ፋዱላ ቻኢብ፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ኣግልግሎት ጥዕና ኣዝዩ ብዘሻቕል ኩነታት ድሩት እዩ። መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣይረኽቡን" ዝበለት እታ ተወካሊት፡ ንሞት ከቃልዕ ዝኽእል ቁፅሪ ብከቢድ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ዘጋጠሞም ቆልዑ ይውስኽ ከምዘሎ ድማ ገሊፃ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ቁፅሪ ናይቶም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰለማውያን ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ኣብዚ ቅነ ኣፍሊጡ’ዩ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ዛጊት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታትን ጻውዒታትን ፍረ ኣይሃበን።