ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከምዝተቖጻጸረ ተገሊጹ

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነተን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሓ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ መንግስቲ ሓቢሮም።

ሰራዊት መንግስቲ ነታ ውግእ ክካየደላ ዝጸንሐ ከተማ ባቲ፡ ከምኡ'ውን ቀርሳ፣ ገርባን ደጋንን ዝተባህሉ ቦታታት ዝርከብዎም ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ነዘን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ስትራተጂካዊት ከተማ ደሴን ማእከል ኢንዱስትሪ ዝኾነት ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ይዝከር።

ብወገን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ ዳግማይ ምትሓዝ እተን ኣገደስቲ ከተማታት ዝተዋህበ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣቐዲሙ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዘካይድዎ ዘለዉ "ናይ ቦታ ምምዕርራይ ቅርጺ ይሕዝ ኣሎ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

"እቲ ወሲድናዮ ዘለና ስጉምቲ፡ ስልታዊ፡ ስርሒታዊን ስትራተጂካውን ነገራት ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ" ድማ ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምርሑ ሓይልታት መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ገስጋስ ብምግባር፡ ሓያሎ ንኣሽቱ ከተማታትን ኣገደስቲ ቦታታትን መሊሶም ከምዝተቖጸጸሩ ይፍለጥ።

ከተማ ደሴ

ኣብ ባሕቲ ወርሒ ታሕሳስ ሰራዊት ኢትዮጰያ ነታ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ካብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝመንዝዓ መንግስቲ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ነቶም ቦታታት ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣባላት ምዱብ ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ'ውን ብፍሉይ ሓይሊ፡ ፖሊስን ሚሊሻን ዝቖሙ ሓይልታት ጸጥታ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘጠቓለሉ'ዮም።

እንተኾነ ሓይልታት ትግራይ እቲ ዘካየድዎ "ናይ ቦታ ምምሕያሽ" ዝሰፍሐ መጥቃዕትታት ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙ ይዝከር።

እቲ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየት፡ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።